Tag: #ሚኒስትሪ ጥዕና ኢትዮጵያ
-
ኣብ ክልል ደቡብ ኢትዮጽያ ከተማ ጂንካ ዘጋጠመ ሕማም መበገሲኡ ብምርመራ ከም ዘረጋገፀ ሚኒስተር ጥዕና ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ኣብ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ከተማ ጂንካ ዘጋጠመ ሄሞራጂክ ፌቨር (Hemirrhagic Fever) ዝተብሃለ ሕማም መልዐሊኡ ማርበርግ (Marburg Virus) ዝተብሃለ ዓይነት ቫይረስ ከም ዝኾነ ኣረጋጊፀ ክብል ሚኒስትሪ ጥዕና ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። ሚኒስትሪ ጥዕና ኢትዮጵያ ሎሚ ኣማስዩ ኣብ ዘውፅኦ ሓበሬታ ኣብ ብሄራዊ ሪፈረንስ ላቦራቶሪ ኢኒስቲትዩት ጥዕና ሕብረተሰብ ኢትዮጵያ ብዝተኻየደ ምርመራ ናሙና መሰረት እዚ ቫይረስ ቅድሚ ሐዚ ኣብ ካልኦት ሃገራት…
-
ኣብ ኢትዮጵያ ንመጀመርያ ግዜ ብሕማም ፍንጣጣ ህበይ/Mpox ዝሞተ ሰብ ተመዝጊቡ።

ሚኒስትሪ ጥዕና ኢትዮጵያ ብሕማም ፍንጣጣ ህበይ/Mpox ምኽንያት ህይወቱ ዝሓለፈ ናይ መጀመርያ ሰብ ከምዝመዝገበን ብጠቕላላ በቲ ሕማም ዝተትሓዙ ሰባት ሸድሽተ ከምዝበፅሑ ኣፍሊጡ። እቲ ሚንስትሪ ምስ ኢንስቲትዩት ጥዕና ሕብረተሰብ ኢትዮጵያ ብሓባር ብምኻን ኣብ ዘቕረቦ መዓልታዊ ሪፖርት ክሳብ ሐዚ ኣብ ኢትዮጵያ ሽዱሽተ ሰባት በቲ ሕማም ዝተትሓዙ ከምዝመዝገበ ዝገለፀ እንትኾን ካብዚኦም ድማ እቶም ሓሙሽተ ኣብ መወሸቢ ማእኸል ከምዘለው ገሊፁ።…

