ኣብ ኢትዮጵያ ንመጀመርያ ግዜ ብሕማም ፍንጣጣ ህበይ/Mpox ዝሞተ ሰብ ተመዝጊቡ።

ሚኒስትሪ ጥዕና ኢትዮጵያ ብሕማም ፍንጣጣ ህበይ/Mpox ምኽንያት ህይወቱ ዝሓለፈ ናይ መጀመርያ ሰብ ከምዝመዝገበን ብጠቕላላ በቲ ሕማም ዝተትሓዙ ሰባት ሸድሽተ ከምዝበፅሑ ኣፍሊጡ። እቲ ሚንስትሪ ምስ ኢንስቲትዩት ጥዕና ሕብረተሰብ ኢትዮጵያ ብሓባር ብምኻን ኣብ ዘቕረቦ መዓልታዊ ሪፖርት ክሳብ ሐዚ ኣብ ኢትዮጵያ ሽዱሽተ ሰባት በቲ ሕማም ዝተትሓዙ ከምዝመዝገበ ዝገለፀ እንትኾን ካብዚኦም ድማ እቶም ሓሙሽተ ኣብ መወሸቢ ማእኸል ከምዘለው ገሊፁ።

እቲ ፀብፃብ ዛጊድ ሓደ ሰብ ከምዝሞተ ዘመላኸተ እንትኾውን እዚ ድማ እቲ ሕማም ኣብ ኢትዮጵያ ምእታው ካብ ዝረጋገፅ ናይ መጀመርያ ሞት ከምዝኸነ ኣመላኺቱ።

እቲ ሚኒስተር ኣብ ኢትዮጵያ እቲ ቫይረስ ካብ ዝተረኸበሉ ዕለት ጀሚሩ ብጠቕላላ 15 ናይ ላብራቶሪ ምርመራታት ከምዝገበረ ዝገለፀ ኮይኑ በዚ ድማ ኣብ ክልል ኦሮምያ ሞያሌ ከተማ ወዲ 27 መዓልቲ ህፃን ከምዝተትሓዘን ከምኡ እውን ኣብ ኣዲኡ ብዝተገበረ ተወሳኺ ምርመራ ኣዲኡ እውን በቲ ቫይረስ ከምዝተትሓዘት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን 17 ግንቦት 2017 ዓ/ም ምስ ኢንስትቲዩት ጥዕና ሕብረተሰብ ኢትዮጵያ ብሓባር ብምዃን ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ምሕባሮም ይዝከር።

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ኣቦ እቲ ህፃን ብዝተገበረ ምርመራ እውን በቲ ቫይረስ ተታሒዙ ከምዝተረኸበን ኣብ ቀረባ እዋን ካብ ሃገር ወፂኡ ከምዝነበረን ብምግላፅ ዝተንቀሳቐሰሎም ከባብታትን ምስኡ ዝተራኸቡ ሰባትን ይምርምሩን ይከታተሉን ከምዘለው ምግላፆም ዝዝከር እዩ።

Leave a Reply

Discover more from Tigrai Academy

Subscribe now to keep reading and get access to the full archive.

Continue reading