Tag: #ፍንጣጣ ህበይ/Mpox
-
ኣብ ኢትዮጵያ ንመጀመርያ ግዜ ብሕማም ፍንጣጣ ህበይ/Mpox ዝሞተ ሰብ ተመዝጊቡ።

ሚኒስትሪ ጥዕና ኢትዮጵያ ብሕማም ፍንጣጣ ህበይ/Mpox ምኽንያት ህይወቱ ዝሓለፈ ናይ መጀመርያ ሰብ ከምዝመዝገበን ብጠቕላላ በቲ ሕማም ዝተትሓዙ ሰባት ሸድሽተ ከምዝበፅሑ ኣፍሊጡ። እቲ ሚንስትሪ ምስ ኢንስቲትዩት ጥዕና ሕብረተሰብ ኢትዮጵያ ብሓባር ብምኻን ኣብ ዘቕረቦ መዓልታዊ ሪፖርት ክሳብ ሐዚ ኣብ ኢትዮጵያ ሽዱሽተ ሰባት በቲ ሕማም ዝተትሓዙ ከምዝመዝገበ ዝገለፀ እንትኾን ካብዚኦም ድማ እቶም ሓሙሽተ ኣብ መወሸቢ ማእኸል ከምዘለው ገሊፁ።…

