ሰራዊት መንግስቲ ሱዳን ኣብ ዞባታት ኮርዶፋንን ዳርፉርን መጥቃዕታቱ ኣጠናኺሩ ይቕፅል ኣሎ።

ሰራዊት መንግስቲ ሱዳን ኣብ ዞባታት ኮርዶፋንን ዳርፉርን መጥቃዕታቱ ኣጠናኺሩ ይቕፅል ኣሎ።

ብመሰረት ጸብጻባት ዝተፈላለዩ ወገናት፡ ሰራዊት መንግስቲ ሱዳን፡ ኣብ ዞባ ሰሜን ኮርዶፋንን ዳርፉርን መጥቃዕትታቱ ብምዝያድ፡ ብርክት ዝበላ ከተማታት ኣብ ምቁጽጻር ይርከብ። እቲ ሰራዊት፡ ትማል ንስትራተጂካዊት ከተማ ሰሜን ኮርዶፋን ዝኮነት ባብኖዉዛ (Babnousa) ክቆጻጸር ከሎ፡ ኣብ ዞባ ዳርፉር ዝኸሰረት ከተማታት ከማልስ ዉን፡ ኣብ ሓያል ዉግእ ኣትዩ ይርከብ።

ሰራዊት መንግስቲ ሱዳን፡ ነዚ መልሰ-መጥቃዕቲ ኣብ ርእሲ ሰራዊት ዳዕመል ሰሪዕ፡ ብድሮናት ሃገራት ግብጽን ቱርክን ተሰንዩ የካይዶ ምህላዉ ይግለፅ ኣሎ ።

ዛጊድ ድማ፡ ዕላማታት ዳዕመል ሰሪዕ ምኳኑ ዝተነጸረ፡ ኣብ ርእሲ ከተማታት ኣል-ፋሻር፡ ኤል-ኦቤይድ፡ ባረ ወዘተ ብሓያል ደብዳባት ድሮን ሰራዊት መንግስቲ ሱዳን ይናወጻ ምህላወን፡ ዝተፈላለየ ጸብጻባት የመላኽት።

ብሓገዝ ሕቡራት ዓረብ ኢመራት ፡ ንከተማ ኣል-ፋሻርን ከባቢኣን ተቆጻጺሩ ዝጸንሐ ኣዛዚ ሰራዊት ዕጡቅ ጉጅለ ዳዕመል ሰሪዕ ሌ/ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዶጎል (ሕመቲ)፡ ሃገራት ግብጽን ቱርክን ካብ’ዚ ኲናት ክስሕባ ጸቕጢ ክግበረለን፡ ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ምሕጽንታ የስምዕ ኣሎ። እዚ ኣብ መንጎ ሰራዊት መንግስቲ ሱዳንን ዳዕመል ሰሪዕን ዝግበር ዘሎ ግጥም፡ ነቲ ብኣሜሪካን መሻርኽታን ዝቐረበ ጻዉዒት “ምቁራጽ ተጻብኦ” ዕሽሽ ብምባል እዪ ዝቕጽል ዘሎ።

ኣብ 2023 ዝተወልዐ ኲናት ሓድሕድ ሱዳን፡ ዛጊድ 40-ሽሕ ዝኾኑ ዜጋታት እታ ሃገር ክሃልቁ ከለዉ፡ ኣስታት 12-ሚሊዮን ድማ ካብ መንበረ ኣባይቶም ተመዛቢሎም ይርከቡ።

Leave a Reply

Discover more from Tigrai Academy

Subscribe now to keep reading and get access to the full archive.

Continue reading