ቻይና ክብደት ሰውነቶም ትሕቲ 50 ኪሎ ግራም ዝኾኑ ዜጋታታ ካብ መንበሪ ገዝኦም ከይወፅኡ ኣታሓሳሲባ።

ኣብ ሰሜናዊ ግዝኣት ቻይና ዝናብ ዝተሓወሶ ኣውሎ ንፋስ ምኽሳቱ ስዒቡ መንግስቲ ቻይና ክብደት ሰውነቶም ትሕቲ 50 ኪሎ ግራም ዝኾኑ ሰባት ካብ መንበሪ ገዝኦም ከይወፅኡ ከምዘተሓሳሰበ ተገሊፁ። እቲ ሓያል ንፋስ ካብ ናይ ቻይና ደቡባዊ ዶብ ሞንጎልያ ከም ዝተበገሰ ዝተገለፅ እንትኾን ኣብ ሓደ ስዓት 150 ኪሎሜተር ብምሽፍን ንከተማታት ቤጂንግ ፣ ቲያንጂንን ሄበይን ሓዊሱ ሰሜናዊ ክፋል ቻይና እናጥቀዐ ከምዝርከብ ተገሊፁ።

ጥንካረ እቲ ንፋስ ካብ 1 ክሳብ 17 ብዘሎ ደረጃ ዝልካዕ ከምዝኾነ ዝተገለፀ እንትኾን ካብ ኣብ ዝሓለፉ 10 ዓመታት ካብ ዝተመዝገቡ ኣጋጣምታት ብዚ ደረጃ እንተጋጥም ንፈለማ እዋን ከምዝኾነ እናተገለፀ ይርከብ። መጠን እቲ ንፋስ ብደረጃ 13 ዝተዓቀነ ኮይኑ በረድን ነጎድጓድን ዝሓወሰ ከምዝኾነ ኤጀንሲ ትንበያ ኩነታት ኣየር ቻይና ዝገለፀ እንትኾን ዛጊድ ኣብ ሰባት ዝበፅሐ ጉዳት ከምዘይለ ኣፍሊጡ።

ነዚ ስዒቡ ክብደት ሰዉነቶም ትሕቲ 50 ኪሎግራም ዝኾኑ ሰባት ብንፋስ ከይውሰዱ ብምሕሳብ ካብ ገዝኦም ከይወፅኡ ዘጠንቀቐ እንትኾን ካብዚ ብተወሳኺ እቲ ንፋስ ተወሳኺ ጉድኣት ከየስዕብ ፓርክታት ክዕፀዉ ከምኡ እውን ወሰንቲ ዘይኮኑ በረራታት ምሰራዝን ዘካተቱ ህፁፅ ስጉምትታት ይወሰዱ ከምዘለዉ ተገሊፁ።

Leave a Reply

Discover more from Tigrai Academy

Subscribe now to keep reading and get access to the full archive.

Continue reading