ሶማሊያ ስትራተጂካዊ ወደባታ፣ መዕርፎ ነፈርታን ወተሃድራዊ ሰፈራትን ኣሜሪካ ብብትሕታውነት ንክትቆፃፀር ሓሳብ ከምዘቕረበት ሮይተርስ ፀብፂቡ። ሮይተርስ ከምዝፀብፀቦ ፕረዚዳንት ሶማልያ ሓሰን ሼክ ሙሓሙድ ናብ ፕረዚዳንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብዝፃሓፍዎ ደብዳበ ኣሜሪካ ብብሕታውነት ክትቆፃፀሮም እትኽእል ኣማራፅታት ወደብን ወትሃድራዊ ሰፈርን ከምዘቕረበት ተገሊፁ። ፕረዚዳንት ሃሰን ሼክ መሓሙድ ናብ ኣሜሪካ ኣብ ዝልኣኾ ደብዳበ ኣሜሪካ ክትቆፃሮም ካብ ዘቕረቦም ወደባት ቦሊዶግሉ፣ በርበራ ከምኡ ‘ውን ብወትሃድራዊ ሰፈር ድማ ወደባት በርበራን ቦሳሶን ከም ዝረከብዎም ፀብፃብ ሮይቶርስ የመላክት።
ኣሜሪካ ኣብዚ ቀጠና እትገብሮ ተሳትፎ ንምጥንኻር እዞም ስትራተጂካዊ ናቑጣታት ዕድል ይህቡ። ዘይቋረፅ ናይ ወታሃድራውን ሎጅስቲክስን ማእኸል ብሙዃን ንኣሜሪካ ካልኦት ተንሓናሕቲ ኣብዚ ወሳኒ ኮሪደር ከይረከቡ ንምክልኻል ከምዝሕገዝ እቲ ደብዳበ ከምዝገልፅ ሮይተርስ ነቲ ደብዳበ ጠቒሱ ፀብፂቡ።
ሶማልያ ኣሜሪካ ንክትቆፃፀሮም ካብ ዘቕረበቶም ወደባት ሓደ ዝኾነ ቦሳሶ ብኸፊል ልኣላዊት ኣብ ዝኾነት ክልል ፑንትላንድ ዝርከብ እንትኸውን በርበራ ድማ ንባዕላ ከም ነፃ ሃገር ኣብ ዝኣወጀት ሶማሊላንድ ዝርከብ እዩ። እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ንባዕላ ከም ነፃ ሃገር ዝኣወጀት ሶማሊላንድ ድማ ተቓውሞኣ እናገለፅት ትርከብ። ሚኒስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ሶማሊላንድ ኣብዲራህማን ዳሂር ኣዳን ነዚ ኣመልኪቶም ኣብ X ገፆም ከም ዝሓበርዎ ተስፋ ናይ ዝቖረፅ ኣካል ስጉምቲ እዩ ክብሉ ተቓውሞኦም ድሕሪ ምግላፅ ናይ ሶማሊላንድ ናይ ሃገርነት ኣፍልጦ ንምኽልካል ክገብርዎ ዝኽእሉ ምንም ነገር የለን ክብሉ ኣፍልጦም።



Leave a Reply