ኢመራት ዓረብ ሰራዊታ ከብ ሶማልያ ተውፅእ ከምዘላ ተሓቢሩ።

ሶማልያ ምስ ኢማራት ዓረብ ዝነበራ ስምምዕነት ምቁራፃ ስዒቡ ኢማራት ዓረብ ሰራዊታ ካብ ቦሳሶ ተውፅእ ኣላ። ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ መንጎ ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ዘሎ ንሕንሕ እናተጋደደ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ ኢማራት ካብ ዝተፈላለዩ ወተሃደራዊ መዓስከራት ሶማልያ ወተሃደራዊ ናውትን ኣባላታን እናውፀአት ከም ትርከብ ተገሊፁ።

ከም ፀብፃብ ሚድል ኢስት ኣይ ኣብ ግዝኣት ሶማልያ ዝኾነት ፑንትላንድ ዝርከብ መዕርፎ ኣውሮፕላን ቦሳሶ ዓበይቲ ኣውሮፕናት ኢመራት ዓረብ ክለዓላን ክዓርፋን ከቢድ ድምፂ እናስመዓ ከምዝርከባ ዘመላኸተ እንትኾን ፤ ከምዚ ዓይነት በረራታት ኣብ ካልእ እዋን እውን ዝተለመደ ዋላ እኳ እንተኾነ ኣብዚ ሰሙን ግን ኣብ መዐርፎ ኣየር ቦሳሶ ዝዓርፋን ዝለዓላን ኣውሮፕላናት ኢመራት ዓረብ ብቁፅርን ቅልጣፈን እናወሰኸ ከምዝመፀን ኣብዚ ሐዚ እዋን ድማ መሉእ ብሙላእ ኣባላት ድሕንነታን ከበድቲ ኣፅዋራታን ኣብ ምውፃእ ከምዘትኮረት ሓቢሩ።

ኢመራት ዓረብ ሰራዊታ ንክተውፅእ ዝወሰነትሉ ምኽንያት ድማ ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ሶማልያ ሪፐብሊክ “ምሕላው ልኣላውነትን ሕገ-መንግስታዊ ስርዓትን ሶማልያ” ብዝብል ምስ ኢመራት ዓረብ ዝነበሮም ኩሎም ክልተኣዊ ናይ ፀጥታን ሓይሊ ምክልኻልን ስምምዕነታት ሶማልያ ብዕሊ ከምዘቋረፀት ብምግላፃ ከምዝኾነ እናተሓበረ እዩ።

ቤትምኽሪ ሚኒስተራት ሶማልያ ብዘመሓላለፎ ውሳነ መሰረት እዚ ስጉምቲ ዝተወሰደሉ ምኽንያት ድማ ናይ ሶማልያ ፌደራላዊ ሪፐብሊክ ግዝኣታዊ ሓድነትን ሕገ-መንግስታዊ ሰርዓትን ንምሕላው ዝዓለመ ከምዝኾነ ተሓቢሩ እዩ።

እዚ ድማ ብመሰረት ውሳነ ቤትምኽሪ ሶማልያ ቅድሚ ሐዚ ምስ ኢመራት ዓረብ ዝተገበሩ ኩሎም ዓይነት ናይ ፀጥታን ምክልኻልን ስምምዕነታት ድሕሪ ሕዚ ከምዝፈረሱ ከምዝኾኑ ኣፍሊጡ እዩ።

እዚ ምዕባለታት ዝካየድ ዘሎ ድማ ኣብ መንጎ ስዑዲ ዓረብን ኢመራት ዓረብን ኣብ ዙርያ ቀይሕ ባሕሪ ዘካይደኦ ዘለዋ ንሕንሕ ኣብ ዝነሃረሉን እስራኤል ን ሶማሊላንድ ናይ ሃገርነት ኣፍልጦ ምሃባ ስዒቡ ቀጠናዊ ወጥርታት እናወሰኹ ኣብዘለውሉን ኩነታት እዩ።

Leave a Reply

Discover more from Tigrai Academy

Subscribe now to keep reading and get access to the full archive.

Continue reading