ብመርበብ ሓበሬታ ኣፍሪካን ኢንተለጀንስን ኦሮሚያ ሚድያ ኔትዎርክን (OMN) መራሕቲ ትግራይ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ሕቡእ ርክብ ይገብሩ ኣለዉ ብዝብል ንዘውፅእዎ ሓበሬታ ህወሓት ሓሶት ከም ዝኾነ ኣፍሊጡ።

ብመርበብ ሓበሬታ ኣፍሪካን ኢንተለጀንስን ኦሮሚያ ሚድያ ኔትዎርክን (OMN) መራሕቲ ትግራይ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ሕቡእ ርክብ ይገብሩ ኣለዉ ብዝብል ንዘውፅእዎ ሓበሬታ ህወሓት ሓሶት ከም ዝኾነ ኣፍሊጡ።

መርበብ ሓበሬታ ኣፍሪካን ኢንተለጀንስ ብዕለት 16.6.2017 ዓ.ም ኣብ ዘውፅኦ ዜና ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ትግራይ ኣብ መወዳአታ ጥሪ ምስ ፕረዚደንት ኤርትራ ኢስያስ ኣፍወርቂ ከምዝተራኸቡ ብምግላፅ ብዕለት 6 የካቲት ናብ መቐለ ዑደት ዝገበሩ ናይ ዝተፈላለዩ ሃገራት ኣምባሳደራትን ዲፕሎማትን ቀንዲ ምኽንያት ከምዝነበረን ኣብቲ እዋን ኣምባሳደር ፈረንሳይ ዝኾኑ ኣሌክሲስ ላሜክ ሓዊሱ ኣብቲ እዋን ዝተጉዓዙ ዲፕሎማት ንኣቦ መንበር ውድብ ህወሓት ዶ.ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ኣዛሪቦሞ ከምዝነበሩ ብምጥቃስ ዶ.ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ምስ ኤርትራ ዝኽነ ዓይነት ርከብ ከምዘይተገበረ ገሊፅሎም ምንባሩ ብምጥቃስ ምፅብፃቡ ዝዝከር እዩ።

ካብዚ ብተወሳኺ OMN ላዕለዎት ኣመራርሓ ህወሓት “ናብ ኣስመራ ከይዶም ንግዝያዊ ምምሕዳር ካብ ስልጣን ከመይ ከምዘውሩድዎ ተዛትዮም” ብምባል ፀብፂቡ ምንባሩ ዝዝከር እንትኸውን እዚ ጉዳይ ብከም እን ነበር ፕረዚደንት ኢትዮጽያ ዶ.ር ሙላቱ ተሾመ፣ ጀነራል ሳሞራ ዮንስ፣ ተጋዳላይ ስየ ኣብራሃ፣ ዶ.ር ኣብራሃም በላይን ካልኦት ብኣክትቪስትታትን እናተልዓለ ዝነበረ ምዃኑ ዝፍለጥ እዩ። እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ምክትል ኣቦ መንበር ውድብ ህወሓት ዝኾኑ ኣይተ ኣማኒኤል ኣሰፋ ነዚ ኣመልኪቶም ንመርበብ ሓበሬታ Wegahta Facts ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ ላዕለዎት ኣመራርሓ ህወሓት ምስ ሰበ-ስልጣናት ኤርትራ ተራኺቦም ብዝብል ዝውዛዕ ዘሎ ሓበሬታ “ፍፁም ሓሶት” ክብሉ ገሊፆሞ።

ኣይተ ኣማኒኤል ኣስፋ ወሲኾም ከም ዝገለፅዎ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ትግራይን ኣመራርሓ ህወሓትን ምስ መንግስቲ ኤርትራ ሕቡእ ርክብ ይገብሩ ኣለዉ ብዝበል ብማዕኸናት ዜና ዝወፅእ ዘሎ ሓበሬታ መሰረት ዘይበሉ ከምዝኾነ ብምግላፅ “ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ዝገለፅናዮ ኣፈላላያትና ብፖሎቲካውን ሕጋውን መስርሕ ብዝሰልጠነ ኣገባብ ክንፈትሖም ኢና” ዝበሉ እንትኾን ኣይተ ኣማኒኤል ወሲኾም ድማ ህወሓት ኣብ ስምምዕነት ፕሪቶርያ ዘለዋ ውፉይነት ብምግላፅ ህወሓት ኣብ ሙሉእ ተፈፃምነት እቲ ስምምዕነት ቱኽረት ብምግባር ዘላቒ ሰላም ንምርግጋፅ ከም እትሰርሕ ኣረጋጊፆም።

ኣይተ ኣማኑኤል “ኣብ ትሕቲ ስምምዕነት ፕሪቶሪያ ዘለና ዕማምን ሓላፍነትን ሙሉእ ብሙሉእ ንርዳእ፥ ዝኾነ ይኹን ዞባዊ ምዕባለታትን ዝቀያየር ፖሎቲካዊ ዳይናሚክስን ዋላ ይሃሉ ናይዚ ኣካል ኣይኮንናን ኣይንኸውንን እውን” ድሕሪ ምባል ኣብዚ ፀግዒ እንሕዘሉ ይኹን ኣብ ተወሳኺ ጎንፂ እንሳተፈሉ ምኽንያት የብልናን። ካብ ሙሉእ ተፈፃምነት ውዕሊ ፕሪቶርያን ካብ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ንዝተፈፀሙ ግፍዕታት ምርግጋፅ ተሓታትነትን ፍትሕን ወፃኢ ካልእ ድሌት የብልናን ክብሉ ኣረጋጊፆም።

ብተወሳኺ ውድብ ህወሓት ነዚ እመልኪቱ ትማሊ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ክምዚ ዝስዕብ ኣቐሚጥዎ ኣሎ…… ሓሶት ብምድግጋም ሓቂ ክኸውን ኣይኽእልን!

ኣብ ትግራይ ዝቦቐለ ጉጅለ ብሄራዊ ክሕደት ቅድሚ ኣዋርሕ ዝጠጅኦ ሓሶትን ፀለመን፤ ሕዚ ሃገራውን ዓለም ለኻውን መልክዕ ንምትሓዝ ብምፍታን ህወሓትን ሰራዊት ትግራይን ምስ መንግስቲ ኤርትራ ሕቡእ ርክብ ከም ዝጀመሩ ኣምሲልካ ምግዋሕ ፍፁም ካብ ሓቂ ዝረሓቐን ዝኾነ ዓይነት መረዳእታ ክቐርበሉ ዘይኽእልን ጥራሕ ዘይኮነስ፤ ተቐባልነት ዘይብሉ ጠቐነ እዩ።

ብሽም ኣፍሪካ ኢንተሊጀንስ፣ ኦሮሚያ ሚድያ ኔትዎርክ (OMN) ከምኡ ‘ውን ብላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ ኢትዮጵያን ኣብ ርሑቕን ቀረባን ዘለዉ ኣባላት ጉጅለ ብሄራዊ ክሕደትን፤ ህወሓትን ሰራዊት ትግራይን ኣንፃርመንግስቲ ኢትዮጵያ ንምስላፍ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ይራኸቡ ኣለዉ ዝብል መቋረፂ ዘይብሉ ጠቐነታት ብምግዋሕ ኣንፃር ዝተጀመረ መስርሕ ሰላም ቅሉዕ ምንቅስቓስ ክገብሩ ይርኣዩ ኣለዉ። “ክበልዕዋ ዝደለዩ ኣባ ጉምባሕ ዛግራ ይብልዋ” ከም ዝብሃል፤ እቲ ጠቐነ ሕቡእ ሽርሒ ዝተሰከመ ኣንፃር ስምምዕ ፕሪቶሪያ ምዃኑ ህዝቢ ትግራይ፣ ህዝቢ ኢትዮጵያን ማሕበረ ሰብ ዓለምን ብግቡእ ክግንዘቦ ይግባእ።

ህወሓት፣ ሰራዊት ትግራይ ኮነ ህዝቢ ትግራይ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ብምሉእነት ብምፍፃም ኣብ ፍትሕን ልዕልነት ሕግን ዝተሰረተ ውሑስ ሰላም ካብ ምርግጋፅ ወፃእ፤ ካልእ ሕቡእ ድልየት ኣይብሎምን። እንተኾነ ግና ንስምምዕ ፕሪቶሪያ ብግቡእ ብምፍፃም ሃገራውን ከባብያውን ውሑስ ሰላም ዘምፅእ ዕድል ኣብ ክንዲ ምፍጣር “ብዕራይወለደ” ዝኾነ ጠቐነ ብምግዋሕ ንህዝብን ማሕበረ ሰብ ዓለምን ብምድንጋር ካልእ ሕቡእ ድልየትካ ክትፍፅም ምፍታን ፍፁም ሓላፍነት ዝጎደሎ ኣካይዳ ምዃኑ ህወሓት ከዘኻኽር ይደሊ።

ህወሓት፣ ሰራዊትን ህዝብን ትግራይ ካብ ምፍራም ስምምዕ ፕሪቶሪያ ክሳብ ሕዚ፤ ንሰላም ዘለዎም ባህግን ቆራፅነትን ብተግባር ንምርኣይ ንኹሉ ዓይነት በደላትን ፀገማትን ተፃዊሮም ብተስፋ እዮም ዝፅበዩ ዘለዉ። “ኣብ መስርሕ ሰላም ተስፋ ኣይንቖርፅን” ኢልና ንውሽጣውን ግዳማውን ሽርሕታት ተፃዊርና ኣብ እንሰርሐሉ ኩነታት እናሃለና፤ ሎሚ ‘ውን ከም ትማሊ ዘይኮነ ምስሊ ብምትሓዝ ኣንፃር መስርሕ ሰላም ምንቅስቓስ ቀልጢፉ ክእረም ይግባእ።

ከም ውድብ፤ ሕዚ ‘ውን ንሰላም ዘለና መትከላዊ መርገፂ ብዝኾነ መልክዕ ኣይልወጥን። ካብ’ዚ ብምብጋስ ምስ ኩሎም ናይ ጎረባብቲ ክልላትን ሃገራትን ህዝብታት ሰላምና ንምርግጋፅን ንምውሓስን ፃዕርና ክቕፅል እዩ። ክልላዊ፣ ሃገራውን ከባብያውን ፀገማትና ንምፍታሕ እቲ ቁልፊ ነገር ድማ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ብኣግባቡ ምፍፃም ስለ ዝኾነ፡ ኩሎም ዝምልከቶም ኣካላት ብዕቱብ ንኽሰርሑ ፃዊዒትና ነቕርብ።

Leave a Reply

Discover more from Tigrai Academy

Subscribe now to keep reading and get access to the full archive.

Continue reading