ሰላም ክዓሙቕን ዘላቒ ክኸውንን ውዕሊ ፕሪቶርያ ክትግበር ከምዝሰርሑ ተወካሊ ሕብረት ኣፍሪካ ኮሎኔል ዓብደለጢፍ ራጁ ገሊፆም።

ዝኽሪ መበል 129 ዓመት ዓወት ኲናት ዓድዋ ብዝተፈላለዩ ፅምብላት ተዓጂቡ ኣብ ከተማ ዓድዋ ተኸቢሩ። ኣብቲ በዓል ኣቦ መንበር ወድብ ህወሓት ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል ፣ ሓላፊ ቢሮ ባህልን ቱሪዙምን ክልል ትግራይ ዶ/ር ኣፅብሃ ገ/ሄር ፣ ሚኒስተር ዲኤታ ባህልን ቱሪዝምን ዶ/ር እንደገና ኣበበ ከምኡ እውን ካብ ሕብረት ኣፍሪካ ዝተወከሉ ኮሎኔል ዓብደል ለጢፍ ራጂን ካልኦት ዝተፈላለዩ ሓለፍቲ መንግስቲን ውድብን ኣብ ዝተረኸቡሉ ብድምቀት ተኸቢሩ። ኣብቲ በዓል መልእኽቲ ዘሕለፉ ሓላፊ ቢሮ ባህልን ትሪዙምን ክልል ትግራይ ዶ/ር ኣፅብሃ ገ/ሄር ካብ ዓወት ኲናት ዓድዋ ብሄራዊ ሓድነትን ስምረትን ክንምሃር ክምዝግባእ ገሊፆም።

ዶ/ር ኣፅብሃ ወሲኾም ከምዝገለፅዎ ወለድና ዓዶምን ክብሮምን ንገዛእቲ ኣሕሊፎም ንዘይምሃብ ምስ ዘመናዊ ዕጥቅን ስንቅን ዝወነነ ስልጡን ሰራዊት ብሉዕል ሓቦን ኒሕን፣ ፅንዓትን ጅግንነትን ስምረትን ሕብረትን ተቓሊሶም ስዓራይነት ኣረጋጊፆም እዮም። ከም ብዓል ራእሲ ኣሉላ ፣ራእሲ መንገሻን ባሻይ ኣውዓሎምን ካልኦትን ንመጋጥምቶም ብብልሕን ብጥበብን በሊፆም ናይ ፀላኢ ናይ ውግእ ካርታን ሓበሬታን ኣዛቢዖም፥ ህዝበና እውን ሕብረቱን ሓድነቱን ኣጠናኺሩ ንኽልኦት ኢትዮጵያውያን መቓልስቱ እውን ቀለብ ክኢሉ፣ መንገዲ መሪሑ፣ ዝቖሰሉ ሓኪሙ ኣብ ታሪኽ ዓለም ፍሉይ ትርጉም ዘለዎ ናይ ፀለምቲ ህዝብታት ነፃነት ዘግሃደን ናብ ካልኦት ኩርናዓት ዓለም ኣንፃር ዘርኣዊ ጭቆና ቃልስታት ዘጎሃሃረ ታሪኻዊ በዓል ኮይኑ ክምዝገብ ኣኽኢሉ እዩ ክብሉ ድሕሪ ምግላፅ ክብርታት በዓል ዓወት ዝኽሪ መበል 129 ዓመት ዓወት ኲናት ዓድዋ እንትንዝክር ክብርታትን ጸጋታትን ኲናት ዓድዋ ብምዕቃብን ንማሕበረሰብ ዓለም ምልላይን ክኸውን ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

ብተወሳኺ ኣብቲ ብዓል ዝተረኸቡ ሚኒስትር ዲኤታ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ኢትዮጵያ ዝኾኑ ዶ/ር እንደገና ኣበበ ድማ ኣብ ናይ ፀለምቲ ህዝብታት ታሪኽ ሓዱሽ ምዕራፍ ዝኸፈተን ልዕልነት ፀዓዱ ዘብቀዕሉ ፍሉይ ፍፃመ እዩ ክብሉ ድሕሪ ምግላፅ ንኽብርታትን ፀጋትትን ዓወት ኲናት ዓድዋ ዝዕቅብ ስራሓቲ ትሪዝም ምስ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ክልል ትግራይ ብሓባር ብሙኻን ከምዝሰርሑ ቃል ኣትዮም።

ሕብረት ኣፍሪካ ወኪሎም ኣብቲ ብዓል ዝተሳተፉ ኮሎኒል ዓብደለጢፍ ራጂ ድማ ዓወት ኲናት ዓድዋ ኢትዮጵያውያን ጥራሕ ዘይኮነስ ንናፅነቶም ዝቃለሱ ህዝብታት  ዓለም ኣብነት ኮይኑ ፍልፍል ሓድነት ፣ክብርን ተፃዋርነትን ዘንፀባርቕ እዩ ካብ ኢትዮጵያ ሓሊፉ ምልክት ነፃነትን ክብርን ኣፍሪካ እዩ፤ ንነፃነቶም ንዝቃለሱ ህዝብታት ደማ መርኣያ እዩ። ክብሪ ዓወት ዓድዋ መሰረት ገይርና ድማ ሰላምን ሓድነትን ክነረጋግፅ ይግባእ፥ ሰላም ክዓሙቕ ዘላቒ ክኸውን ድማ ውዕሊ ፕሪቶርያ ክትግበር ክንሰርሕ ኢና ክብሉ ኣመላኺቶም። “ብሕብረት ኣፍሪካ ዝተፈረመ ውዕሊ ሰላም ፕሪቶርያ ኣብ ዘላቒ ሰላም ኢትዮጵያ ዓብዪ ትርጉም ስለ ዘለዎ ንተፈፃምነቱ ክንሰርሕ ኢና” ድሕሪ ምባል ህዝቢ ኢትዮጵያ መራሕቱ ኣብ ክንዲ ጎንፂ ሰላም ክመርፁ ኣብ ምብርትታዕ ናይ ባዕሉ ግደ ከም ዘለዎ ሓቢሮም።

ከንቲባ ከተማ ዓድዋ ኣይተ ተስፋይ ገብረወልድ ብውገኖም ወለድና ቅድሚ 129 ዓመት ዝሰርሕዎ ታሪኽ እንትንዝክር ሓድነት ሓሊዮም ዘመናዊ ኣተሓሳስባ ሒዞም ከምዝነበረ ምዝኽኻር የድልይን ፃዓዱ ኣብ ጸለምቲ ዝነበሮም ኣመለኻኽታ ከስተኻኽሉ ዝገበረ እዩ ኢሎም። ህዝቢ ትግራይ ሰላም ደላዪ እዩ ኣንትብሃል ሐዚ ዝጀመሮ እንተይኮነስ ናይ ቀደሙን ናይ ኣያታቱን ክም ምኳኑ ክንምሃር ይግባእ ድህሪ ምባል ሕዚ ገጢሙና ዘሎ ፈተናን ትግበራ ውዕሊ ፕሪቶርያ ኩሉ ዝምልከቶም ኣካላት ብፍፁም ዲስፕሊን ክትፍፅምዎ ህዝቢ ይፅውዕ ኣሎ ብምባል መልእኽቶም ዘመሓላለፉ እንትኾኑ በዓል ዓወት ኩናት ዓድዋ ንመስሕብ ቱሪዝም ክንጥቀመሉ ክምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።

Leave a Reply

Discover more from Tigrai Academy

Subscribe now to keep reading and get access to the full archive.

Continue reading