Tag: #እዋናዊ ዛዕባታት
-
ግብፅን ጁቡቲን ኣብ ጉዳይ ምምሕዳር ቀይሕ ባሕሪ ብሕታዊ ሓላፍነት መዳውውቲ እቲ ባሕሪ ናይ ዝኾና ሃገራት ጥራሕ ምዃኑ ኣብ ስምምዕነት ምብፅሐን ገሊፀን።

ግብፅን ጁቡቲን ኣብ ጉዳይ ምምሕዳር ቀይሕ ባሕሪ ብሕታዊ ሓላፍነት መዳውውቲ እቲ ባሕሪ ናይ ዝኾና ሃገራት ጥራሕ ምዃኑ ኣብ ስምምዕነት ምብፅሐን ገሊፀን። ክልቲኤን ሃገራት ምምሕዳራዊ ሓላፍነት ባሕርታት ኤደንን ቀይሕ ባሕርን ናይ ገማግማት እቶም ባሕርታት ዘዋስና ሃገራት ከምዝኾነ ኣብ ምርድዳእ ምብፅሐን ፕረዚዳንት ሃገረ ግብፂ ኣብደልፋታሕ ኣልሲሲ ተዛሪቦም ክብል ቢቢሲ ፀብጺቡ። ፕረዚዳንት ኣልሲሲ ትማሊ ሮቡዕ 15/2027 ዓ/ም ንዕላዊ…
-
ርእሰ-ሊቃነ ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ሮም ፖፕ ፍራንሲስ ካብዚ ዓለም ብሞት ተፈልዮም።

ንነዊሕ እዋን ኣብ ከቢድ ናይ ጥዕና ፀገም ኮይኖም ብሕክምና እናተሓገዙ ዝፀንሑ ሊቀ ጳጳስ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ሮም ፖፕ ፍራንሲስ ሎሚ ዕለተ ሶኒ 13 ሚያዝያ 2017 ዓ/ም ኣብ 88 ዓመቶም ካብዚ ዓለም ብሞት ከምዝተፈለዩ ቫቲካን ኣፍሊጣ። ፖፕ ፍራንሲስ ናብ መንበረ ጵጵስና ቅድሚ ምምፅኦም ካርዲናል ጆርጅ ማርዮ ቤርጎልዮ ተባሂሎም ዝፍለጡ ዝነበሩ እንትኾኑ መበል 16 ጳጳስ ካቶሊካዊት ቢተክርስትያን ዝነበሩ…
-
“ኣብ ትሕቲ ወረርቲ ዘሎ ህዝብና ሓራ ይውፃእ! ዝተመዛበሉን ዝተሰደዱን ወገናትና ውሕስንኦም ተሓልዩ ሕዚ ይመለሱ!!” ካብ ውድብ ህወሓት ዝተውሃበ ሰሙናዊ መልአኽቲ።

ስምምዕ ፕሪቶርያ ካብ ዝፍረም ክልተ ዓመትን መንፍቕን ኣቑፂሩ ኣሎ። እንተኾነ ግን እቲ ህዝቢ ትግራይ፣ ህወሓት ኮነ ደላይ ሰላም ዝኾነ ማሕበረሰብ ዓለም ትፅቢት ዝገበረሉ ስምምዕ፤ ናብ ተግባር ብዘይምስግጋሩ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተኣወጀ ጀኖሳይድ መልክዑ ቀይሩ ሞት ፣ ስቓይን ሕሰምን ህዝብና ይቕፅል ኣሎ። ሉእላዊ መሬት ትግራይ ኣብ ትሕቲ ወረርቲ ሓይልታት ይርከብ ፣ ኣብ ትሕቲ ወረርቲ ዝነብር…
-
ካብ ማእኸላይ ኮሚቴ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት)ዝተውሃበ መግለፂ።

ማእኸላይ ኮሚቴ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ካብ 29 መጋቢት ክሳብ 3 ሚያዝያ 2017 ዓ.ም ኣብ ዘካየዶ ስሩዕ ኣኼባ ኣፈፃፅማ መደባት ሕሉፍ ሽዱሽተ ኣዋርሕን ትልሚ ቀፃሊ ሽዱሽተ ኣዋርሕን ገምጊሙ ዘፅደቐ እንትኾን፤ ኣብ ከባቢና ዘሎ ልዑል ቆላሕታን ጥንቃቐን ዝሓትት ዞባዊ ምዕባለን ጂኦ-ፖለቲካዊ ኩነታትን ንትግራይ ብዝህልዎ ፅልዋ ብምግምጋም ኣንፈታት ኣቐሚጡ ኣኼብኡ ብዓወት ዛዚሙ ኣሎ። ህዝቢ ትግራይ ብሰንኪ…
-
ኣይተ ጌታቸው ረዳ ኣማኻሪ ሚኒስተር ጉዳያት ምብራቕ ኣፍሪካ ኮይኖም ተሾይሞም።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብዪ ኣሕመድ ንክልተ ዓመት ፕረዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኮይኖም ንዝመርሑ ነበር ፕረዚዳንት ኣይተ ጌታቸው ረዳ ካብ 3 ሚያዝያ 2017 ዓ/ም ጀሚሩ ኣማኻሪ ሚንስተር ጉዳያት ምብራቕ ኣፍሪካ ኮይኖም ክሰርሑ ከምዝሸየሙዎ ቤት-ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣፍሊጡ።
-
ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኣሜሪካ “ኢድኹም ኣልዕሉ“ ብዝብል መፎክር ዝተመርሑ ናይ ተቓውሞ ሰልፈታት ተኻይዶም።

ኣብ ከተማታት ቦስተን ፣ቺካጎ ፣ሎስ ኣንጀለስ ፣ኒውዮርክን ዋሽንግተን ዲሲን ሓዊሱ ኣብ ካልኦት ከተማታት ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ሰባት ዝተሳተፉሉ ንትራምፕ ዝቃወሙ ሰልፊታት ትማሊ ቀዳም ተኻይዶም። እቶም ሰልፈኛታት ትራምፕ ኣብ ማሕበራውን ኢኮኖምያውን ጉዳያት ኣብ ዝወስዱዎም ዘለዉ ስጉምትታት ዘለዎም ቅሬታታቶም ዝገለፁሉ ሰልፊ ከም ዘካየዱ ቢቢሲ ፀብፂቡ። እቲ ሰልፊ ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ፖሊሲ ወፃኢ ጉዳይ ኣሜሪካ ዝገበሩዎም ለውጢታት ብምጥቃስ “ካብ…
-
“ንስምምዕ ፕሪቶሪያ ዝፃብኡ በይናዊ ውሳነታትን ተግባራትን ደው ክብሉ ይግባእ!!”ህወሓት

ካብ ህወሓት ዝተውሃበ እዋናዊ መግለፂ ንስምምዕ ፕሪቶሪያ ዝፃብኡ በይናዊ ውሳነታትን ተግባራትን ደው ክብሉ ይግባእ! ስምምዕ ፕሪቶሪያ ካብ ዝፍረም ክልተ ዓመትን መንፈቕን ኮይንዎ ኣሎ። ብወገን ህወሓትን ትግራይን እቲ ስምምዕ ብቕልጡፍ ንክፍፀም ተሰሪሑ እዩ። ምእንተ ሰላም ክብሃል ትግራይ ክትሽከሞም ዘይግብኣ ግፍዕታት ተሸኪማ ፀኒሓ እያ። ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ክፍፀሙ ዝግብኦም ብፍላይ ንመሰልን ሃለዋትን ትግራይ ዝምልከቱ ወሰንቲ ትሕዝቶታት እቲ…
-
ሚኒስተር ንግድን ቀጠናዊ ምትእስሳርን ኢትዮጵያ መሸጢ ዋጋ ችርቻሮ ነዳዲ ንመበል ሳላሳይ ግዜ ወሰኽ ከምዝገበረ ተገሊፁ።

ሚኒስተር ንግድን ቀጠናዊ ምትእስሳርን መሸጢ ዋጋ ነዳዲ ንሳላሳይ ዙር ወሰኽ ከምዝገበረ ኣፍሊጡ። ሚኒስትሪ ንግድን ቀጠናዊ ምትእስሳርን ትማሊ ኣብ ዘውፅኦ ሓዱሽ ናይ ነዳዲ ችርቻሮ ዋጋ ንሓደ ሊትሮ ቤንዚን 112.67 ብር ንሓደ ሊትሮ ናፍጣ ድማ 107.93 ብር ከምዝኾነ ኣፍሊጡ። እዚ ወሰኽ ካብ ትማሊ ሰንበት 14.07.2017 ዓ.ም ምሸት ጀሚሩ ተግባራዊ ዝተገበረ እንትኸውን እዚ ድማ ንመበል ሳልሳይ ግዜ ዝተገበረ…
-
ፕረዚዳንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ጉዳይ ጠጠው ምባል ኲናት ዩክሬይን ንምዝታይ ምስ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ከምዝራኸቡ ተገሊፁ።

ፕረዚዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኲናት ዩክረይን ጠጠው ንምባል ኣብ ዝግበር ፃዕሪ መሰረት ብምግባር ምስ ፕረሲደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ፅባሕ ከምዝዛተዩ ተገሊፁ። እዚ ዝተገለፀ ልኡኻት ኣሜሪካ ምስ ፕረዚዳንት ፑቲን ውፅኢታዊ ምይይጥ ምክያዶም ስዒቡ እዩ። ትራምፕ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ ከም ዝገለፅዎ “እቲ ኲናት ጠጠው ንምባል ንምኩር ኣለና ክሳኻዕን ዘይክሳኻዕን ይኽእል እዩ፤ ግን ዝሰፍሐ ናይ ምስኻዕ ዕደል…
-
ኢምባስታት ምዕራባውያንን ኣባል ሃጋራት ኣውሮፓ ሕብረትን ኣብ ትግራይ ዘሎ እዋናዊ ኩነታትን ዘለው ምዕባለታትን ይከታተሉዎ ከምዘለው ገሊፆም።

ጉጅለ ኤምባሲታት ምዕራባውያንን ኣባል ሃገራት ሕብረት ኣውሮፓን ሎሚ ብሓባር ኣብ ዘውፅእዎ መግለፂ ኣብ ትግራይ “እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ወጥሪን ቀፃሊ ምዕባለታን ” ዝበልዎ ኩነታት ይከታተሉዎ ከምዘለው ገሊፆም። ኣብቲ ሎሚ ዕለት ዘውፅኦ’ኦ መግለፂ ሃገራት ኣሜሪካ፣ ኢንግሊዝ፣ ኖርወይ ፣ጀርመን ፣ጃፓን ፣ኒውዝሊንድ ፣ቤልጀም ፣ቡልጋርያ ፣ቼክ ሪፐብሊክ ፣ዴንማርክ ፣ኣየርላንድ ፣ግሪክ ፣ስፔን ፣ፈረንሳይ ፣ጣልያን ፣ሉክዘምበርግ ፣ሃንጋሪ ፣ኔዘርላንድ ፣ኦስትሪያ ፣ ሮማንያ፣ ፖርቹጋል…

