Tag: #እዋናዊ ዛዕባታት
-
“ዝቐፀለ ፅንታ ብሰላሕታ፤ የብቅዕ!” ሰሙናዊ መልእኽቲ ህወሓት

ውድብና ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ኣብዚ ሕዚ እዋን እቲ ናይ ቀዳምነት ቀዳማይ ዋኒኑ ምርግጋፅ ውሕስና ህዝቢ ትግራይን ምውሓስ ሉእላውነት ትግራይን እዩ፡፡ ነዚ እውን እዩ ንዝሓለለፉ ሰሙናት ኣብ ዘውፆ ሰሙናዊ መልእኽቲ ስምምዕ ፕሪቶርያ ክትግበር ሞትን ሰቓይን ህዝብና ከብቅዕ፣ ልኡላዊነት ትግራይ ክኽበር ኣብ ምፅዋዕ ዝርከብ፡፡ እንተኾነ ግን ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ክንዲ ነቶም ዝቐርቡ ዘለዉ ፃውዒታት ብውነ…
-
ኣብ ኢትዮጵያ ንመጀመርያ ግዜ ብሕማም ፍንጣጣ ህበይ/Mpox ዝሞተ ሰብ ተመዝጊቡ።

ሚኒስትሪ ጥዕና ኢትዮጵያ ብሕማም ፍንጣጣ ህበይ/Mpox ምኽንያት ህይወቱ ዝሓለፈ ናይ መጀመርያ ሰብ ከምዝመዝገበን ብጠቕላላ በቲ ሕማም ዝተትሓዙ ሰባት ሸድሽተ ከምዝበፅሑ ኣፍሊጡ። እቲ ሚንስትሪ ምስ ኢንስቲትዩት ጥዕና ሕብረተሰብ ኢትዮጵያ ብሓባር ብምኻን ኣብ ዘቕረቦ መዓልታዊ ሪፖርት ክሳብ ሐዚ ኣብ ኢትዮጵያ ሽዱሽተ ሰባት በቲ ሕማም ዝተትሓዙ ከምዝመዝገበ ዝገለፀ እንትኾን ካብዚኦም ድማ እቶም ሓሙሽተ ኣብ መወሸቢ ማእኸል ከምዘለው ገሊፁ።…
-
“ዝተመዛበሉን ዝተሰደዱን ወገናትና ናብ መረበቶም ይመለሱ ክልከላ ነዳዲ፣ ሸቐጣትን በፃሕቲ ዓድን ጠጠው ይበል” ሰሙናዊ መልእኽቲ ህወሓት።

ክራማት እዚ ዓመት ተስፋ ብዝህብ መልክዕ ኣብ ዝተፈላለየ ከባብታት ትግራይ ብፅቡቕ ሽፋን ዝናብ ጀሚሩ ኣሎ፡፡ እዚ ኩነታት ንሓረስታይና ብሓፈሻ ድማ ንመላእ ህዝብና ዝፈጠሮ ተስፋን ሓጎስን ዓብዪ እዩ፡፡ ኮይኑ ግን እዚ ዝርአ ዘሎ ናይ ተስፋ ደበና ነቲ ንዝሓለፉ ኣርባዕተ ክረምቲ ኣብ ኬንዳ ዘሎ ህዝብና ዘለዎ ፅዕንቶ ድማ ሓጎስና ምሉእ ከይኾን ይገብሮ፡፡ ብሰንኪ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝኣተዎ ውዕል…
-
ትግራይ ናብ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ 12,210 ኪሎግራም ወርቂ ብምቕራብ ቀዳመይቲ ከምዝኾነት ተሓቢሩ።

ትግራይ ናብ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ 12,210 ኪሎግራም ወርቂ ብምቕራብ ቀዳመይቲ ከምዝኾነት ተገሊፁ። ሚኒስትሪ መዓድን ኢትዮጽያ ኣብ በጀት ዓመት 2017 ዓ/ም ኣብ ውሽጢ ዓሰርተ ኣዋርሕ ጥራሕ ትግራይ ዘቕረበቶ ወርቂ ካልኦት ክልላት ካብዘቕረብኦ መጠን ወርቂ እቲ ዝበዝሐ ሙኻኑ ኣፍሊጡ። ሚኒስትሪ መዓድን ኣብ ወሽጢ ዓሰርት ወርሒ ብጠቕላላ ልዕሊ 29,396 ኪሎ ግራም ወርቂ ናብ ብሄራዊ ባንኪ ቀሪቡ 2.57 ቢልዮን ዶላር…
-
“ሓድነትና ብምዕቃብን ዓቕምታትና ብምውዳብን ንምውሓስ ሉእላውነትና ንረባረብ!”ሰሙናዊ መልእኽቲ ህወሓት

11 ለካቲት 1967 ዓ/ም ውሑዳት ደቂ ህዝቢ ዝተወደበ ብሄራዊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ እንተበስሩ ብዜካ ዝሓዝዎ ፍትሓዊ ብሄራዊ ሕቶን ንፁር ዕላማን ካሊእ ዝተኣማመንሉ ዓቕሚ ኣይነበሮምን። እቲ ኣብ ህዝብና ዝበፅሕ ዝነበረ ምረት፣ ጭቆናን በደልን ዝፈጠሮ ሕራነ ብዝተወደበ ዓቕምን ታሪኽ ኣይምብርከኽን ህዝቢ ትግራይን እቲ ቓልሲ ብዓወት ከምዝዛም ጥርጥር ኣይነበሮምን። እቶም ፍትሓዊ ሕቶ ህዝቢ ትግራይ ብሸንበቆ ብረት ክዕፍኑ ፣…
-
ኣምባስደር ኤርቪን ማሲንጋ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ክምልስን ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ዘካይዶ ዘሎ ደብዳብ ድሮን ከቋርፅን ፀዊዑ።

ኢምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ክምለሱን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ዘካይዶ ዘሎ ደብዳብ ድሮን ከቋርፅን ፀዊዑ። ኢምባሲ ኣሜሪካ ሎሚ ኣብ ናይ ፊስቡክ ገፅ ኣድራሽኡ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ወሽጣዊ ጎንፅታት ብዘላቕነት ክፍትሑ፡ ህፃናት ግልጋሎት ትምህርትን ጥዕናን ክረኽቡ፡ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ንክምለሱን ኣብ ኢትዮጵያ ዝርአ ዝሎ ሕጊ ኣልቦነት መፍትሒ ክግበረሉን ፃውዒት…
-
ህወሓት መበል 34 ዓመት ዝኽሪ ዓወት 20 ጉንበት “ክብርታት ቃልስን ዓወትን 20 ጉንበት ንምውሓስ ሉእላውነት” ብዝብል መሪሕ ሓስብ ብዝተፈላለዩ ምድላዋት ተዓጂቡ ከምዝኽበር ሓቢሩ።

ውድብ ህወሓት መበል 34 ዓመት ዓወት 20 ጉንበት “ክብርታት ቃልስን ዓወትን 20 ጉንበት ንምውሓስ ሉእላውነት” ብዝብል መራሒ ሓሳብ ብዝተፈላለለዩ ምድላዋት ከም ዝኽበር ኣፍሊጡ። ህወሓት ትማሊ ምሸት ኣብ ዕላዊ ፌስ ቡክ ገፁ ከምዝሓበሮ መበል 34 ዓመት ዓወት 20 ጉንበት ኣካል ንሓደ ዓመት ብዝተፈላለዩ ምድላዋት ክበዓል መደብ ዝተተሓዘሉ መበል ሓምሳ ዓመት ወርቃዊ ኢዮቤልዩ ልደት ውድብ ህወሓትን ምጅማር…
-
አምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኤርቪን ማሲንጋ ኣብ ሽረ ኣብ ዝርከቡ መዕቖቢ ተመዛበልቲ ዑደት ኣካይዶም።

ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኤርቪን ማሲንጋ ሎሚ 12 ጉንበት 2017 ዓ/ም ተመዛበልቲ ወገናት ዘለዉዎ ኩነታት ንምዕዛብ ኣብ ሽረ ኣብ ዝርከቡ መዕቖቢ ተመዛበልቲ ዑደት ኣካይዶም። እቶም ኣምባሳደር ብምክትል ፕረዚደንት ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ኣማኑኢል ኣሰፋ ኣቀባበል ዝተገበረሎም እንትኾን ኣብ ህልዊ ኩነታት ተመዛበልቲ፣ ኣፈፃፅማ ውዕሊ ሰላም ፕሪቶሪያን ተዛመድቲ ዛዕባታትን ምስ ዝተፈላለዩ ኣመራርሓ ግዝያዊ መንግስትን ውድብ ህወሓትን ከምዝዘተዩ…
-
ቤት ፅሕፈት ፕረዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብያተ ፍርዲ ሸውዓቲአን ክፍለ ከተማታት መቐለን ማእኸላይ ቤት ፍርዲ ዞባ መቐለን ግልጋሎት ዳይነት ከምዘቋረፃ ኣፍሊጡ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ 08 ግንቦት 2017 ዓ/ም ማእኸላይ ቤት ፍርዲ ዞባ መቐለ ኣብ ቕትለት ንእስቲ ዘዉዱ ሃፍቱ ኣመልኪቱ ኣብ ዝወዓለ መጋበአያ፣ እቲ ከይዲ ስርዓት ዳይነት ብሓይሊ ተረብሹ ክቋረፅ ተገይሩ እዩ። ሎሚ ግንቦት 12/2017 ዓ/ም ድማ ማእኸላይ ቤት ፍርዲ ዞባ መቐለን ናይ ሽውዓቲአን ክፍላተ ከተማን ኣብያተ ፍርዲ ተፈጢሩ ብዘሎ ስግኣት ምኽንያት፣ መፍትሒ ክሳዕ ዝግበረሉ ግልጋሎት ዳይነት…
-
ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኤርቪን ማሲንጋ ሽረ ከምዝኣተዉ ተገሊፁ።

ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኤርቪን ማሲንጋ ብምክትል ፕረዚደንት ግዚያዊ ምምሕዳርትግራይ ኣይተ ኣማኑኢል ኣሰፋ ኣቀባበል ዝተገበረሎም እንትኾን ኣብ ህልዊ ኩነታት ተመዛበልቲ፣ ኣፈፃፅማ ውዕሊ ሰላም ፕሪቶሪያን መሰል ዛዕባታትን ምስ ዝተፈላለዩ ኣመራርሓ ክዘራረቡ ትፅቢት ከም ዝግበር ንምፍላጥ ተኻኢሉ። እቶም ኣምባሳዶር ህልዊ ኩነታት ተመዛበልቲ ንምዕዛብ ኣብ መዕቆቢ ስደተኛታት ማይ ድሙን ፍረ ስውኣተን ምብፃሕ ከምዝገብሩ ድማ ካብ ቤትፅሕፈት ፕረዚደንት ዝረኸብናዮ…

