ትግራይ ናብ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ 12,210 ኪሎግራም ወርቂ ብምቕራብ ቀዳመይቲ ከምዝኾነት ተሓቢሩ።

ትግራይ ናብ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ 12,210 ኪሎግራም ወርቂ ብምቕራብ ቀዳመይቲ ከምዝኾነት ተገሊፁ። ሚኒስትሪ መዓድን ኢትዮጽያ ኣብ በጀት ዓመት 2017 ዓ/ም ኣብ ውሽጢ ዓሰርተ ኣዋርሕ ጥራሕ ትግራይ ዘቕረበቶ ወርቂ ካልኦት ክልላት ካብዘቕረብኦ መጠን ወርቂ እቲ ዝበዝሐ ሙኻኑ ኣፍሊጡ። ሚኒስትሪ መዓድን ኣብ ወሽጢ ዓሰርት ወርሒ ብጠቕላላ ልዕሊ 29,396 ኪሎ ግራም ወርቂ ናብ ብሄራዊ ባንኪ ቀሪቡ 2.57 ቢልዮን ዶላር ኣታዊ ከምዝተረኸበ ኣብ መዓድን ሚኒስተር ሚኒስሪ ዲኤታ ዝኾኑ ኣይተ ሚልዮን ማቴዎስ ተዛሪቦም።

በዚ መሰረት ትግራይ 12,210 ኪሎግራም ወርቂ ብምቕራብ ካብ ኩለን ክልላት ኢትዮጵያ ቀዳመይ ደረጃ ዝሓዘት እንትትኾን ኦሮምያ ክልል 6910 ኪ.ግ ፣ ጋምቤላ 4590 ኪ.ግ ቤንሻንጉል ጉምዝ 3689 ኪ.ግ ወርቂ ናብ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ከምዘቕረባ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።

ብተወሳኺ ኣይተ ሚልዮን ከምዝገለፅዎ ምምሕያሽ ፖሊሲ ማክሮ ኢኮኖሚ ኣብ መንጎ ባንክታትን ፀሊም ዕዳጋን ዝነበረ መሸጢ ዋጋ ዶላር ክፀብብ ብምግባሩ ናብ ብሄራዊ ባንኪ ዝቐርብ ወርቂ ክውስኽ ዝለዓለ አስተዋጽኦ ከምዝገበረ ገሊፆም።

Leave a Reply

Discover more from Tigrai Academy

Subscribe now to keep reading and get access to the full archive.

Continue reading