ውድብና ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ኣብዚ ሕዚ እዋን እቲ ናይ ቀዳምነት ቀዳማይ ዋኒኑ ምርግጋፅ ውሕስና ህዝቢ ትግራይን ምውሓስ ሉእላውነት ትግራይን እዩ፡፡ ነዚ እውን እዩ ንዝሓለለፉ ሰሙናት ኣብ ዘውፆ ሰሙናዊ መልእኽቲ ስምምዕ ፕሪቶርያ ክትግበር ሞትን ሰቓይን ህዝብና ከብቅዕ፣ ልኡላዊነት ትግራይ ክኽበር ኣብ ምፅዋዕ ዝርከብ፡፡ እንተኾነ ግን ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ክንዲ ነቶም ዝቐርቡ ዘለዉ ፃውዒታት ብውነ ተገንዚቡ ዝኣተዎ ውዕል ዝትግብር፤ ትግራይ ሕዚ እውን ማእኸል ዕግርግር ንምግባርን ዝዓነወ ቁጠባ ትግራይ ከየንሳዕርር ዝገብር ክልከላን ኣጠናኺሩ ብምቕፃል ህዝብና ብሰላሕታ ክፀንት ኣብ ምስራሕ ይርከብ፡፡
መንግስቲ ኢትዮጵያ ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶርያ ልኡላዊ መሬት ትግራይ ወሪሮም ዝሓዙ ሓይልታት ከውፅእ ዝኣተዎ ውዕል ንጎኒ ገዲፉ ብዝተፈላለየ መልክዕ ነቶም ዕጡቓት ኣብ ምጥንኻር ይርከብ፡፡ በዚ ድማ ኣብ ትሕቲ ወረርቲ ዝርከብ ህዝብና ሕዚ እውን በቢመዓልቱ ይጭወ፣ ይቕተል፣ ደቂ ኣንስትዮ ብዕጡቓት ይድፈራ፣ ህዝብና ብመንነቱ ይጥቃዕ ኣሎ፡፡ ካብዚ መቕተልትን መከራን ብምህዳም ድማ ብኣንፈት ሸራሮ ጥራሕ ኣብ ወርሒ ብማእኸላይ ካብ 250 ክሳብ 300 ወገናት ናብ ማእኸላት መዕቖቢ ተመዛበልቲ ኣብ ምእታው ይርከብ፡፡ እዚ ተግባር ድማ ነቲ ሎሚ ዶ ፅባሕ ናብ መረበትና ንምለስ ብዝብል ብተስፋ ዝፅበ ዘሎ ህዝብና ተስፋ ዘቑርፅን መንግስቲ ኢትዮጵያ ንስምምዕ ፕሪቶርያ ብዘይምግዝኡ ሰላሕታዊ ፅንታ ህዝቢ ትግራይ ክቕፅል ይሰርሕ ከምዘሎን ተግባራዊ መርትዖ እዩ፡፡
ካብዚ ሓሊፉ እውን መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብ ትግራይ ዘምርሑ መንገድታት ምኽንያታዊ ብዘይኮኑ ኣጀንዳታት ብምዕፃውን ምትዕንቓፍን ዝተረጋገዐ ስርዓት ዕዳጋ ከይህሉ ኣብ ርእሲ ምግባሩ ናብ ትግራይ ነዳዲ ከይኣቱ ብምግባር እተን ካብ ዕንወት ዝተረፋ ትካላት ልምዓት ካብ ስራሕ ክቦኽራ፣ ናይ መስኖ ስርሓቲ ሓዲግ መዲግ ክተርፍ፣ ስርሓቲ ኢንቨሰትመንት ክቋረፅ ይገብር ኣሎ፡፡ በቲ ዘጋጥም ዘሎ ምትዕንቓፍ እተን ዝርካበን ካብ ለገስቲ ትካላት ዝመፃ ሓገዛት ብእዋኑ ናብ ፅጉማት ወገናትና ክይበፀሓ ዓብዪ ዕንቅፋት ኣብ ምፍጣር ይርከብ፡፡ እዚ ክልከላን ምትእጉጓልን ኣብ ኩለ መዳያዊ ምንቅስቓስ ብወረርቲ ዝዓነወት ትግራይ ተወሳኺ ፀገም ኣብ ምፍጣር ይርከብ። ስለዚ ናብ ትግራይ ክኣቱ ዝግበኦ ነዳዲ ኣብ ሰናይ ድሌት ዝተፈላለዩ ኣካላት ዝምርኮስ ዘይኮነስ ስረዓትን ኣሰራርሓን ብዝተኸተለ መልክዑ ክኾን ይግባእ ንብል፡፡
ብሓፈሻ መንግስቲ ኢትዮጵያ ስምምዕ ፕሪቶርያ ብዘይምትግባሩ ጥራሕ ዘይኮስ ሓደሽቲ ክልከላታትን ሜላታት ምድኻም ትግራይን ብምትእትታው ህዝብና ብቑጠባ ከይሓዊ ሰላም ትግራይ ናብ ንቡሩ ከይምለስ ዝገብር ኣካይድኡ ኣሪሙ ንሓምሻይ ክረምቲ ኣብ ቅዳድ ኬንዳ ምሕላፍ ዝጀመሩ ዝተመዛበሉን ዝተሰደዱን ወገናትና ውሕስንኦም ተሓልዩ ብህፁፅ ናብ መረበቶም ክምለሱ ግቡኡ ክዋፃእ ንፅውዕ፡፡
በዚ ኣጋጣሚ መላእ ህዝብና እቲ ብሕታዊ ቀፃሊ መዋፅኦኻ ሓድነትካን ምጥንኻር ውሽጣዊ ዓቕምኻን ምዃኑ ኣሚንካ ነንባዕልኻ ክትደጋገፍን ሓድነትካ ንምሽርሻር ዝንዝሑ ኣጀንዳታት ክትቃለስን ብምዝኽኻር ኣብዚ ክረምቲ ኩሎም ዓቕምታትና ብምውፋር ዝሓሸ ምህርቲ ንምሕፋስ ኣብ ዝግበር ርብርብ ወሳኒ እጃምካ ከምትዋፃእ ብምትእምማን እዩ።
ብሄራዊ ሓድነት ንምውሓስ ሉእላውነት!
ዘለኣለማዊ ክብርን መጎስን ንስውኣትና!



Leave a Reply