11 ለካቲት 1967 ዓ/ም ውሑዳት ደቂ ህዝቢ ዝተወደበ ብሄራዊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ እንተበስሩ ብዜካ ዝሓዝዎ ፍትሓዊ ብሄራዊ ሕቶን ንፁር ዕላማን ካሊእ ዝተኣማመንሉ ዓቕሚ ኣይነበሮምን። እቲ ኣብ ህዝብና ዝበፅሕ ዝነበረ ምረት፣ ጭቆናን በደልን ዝፈጠሮ ሕራነ ብዝተወደበ ዓቕምን ታሪኽ ኣይምብርከኽን ህዝቢ ትግራይን እቲ ቓልሲ ብዓወት ከምዝዛም ጥርጥር ኣይነበሮምን። እቶም ፍትሓዊ ሕቶ ህዝቢ ትግራይ ብሸንበቆ ብረት ክዕፍኑ ፣ ሓድነቱ ከፋፊሎም ግዝኣቱ ብምቅርማት ዝተሰኮነ ህዝቢ ኮይኑ ክነብር ዝፈረዱ ፀላእቲ ድማ ሃለዋት ህዝቢ ትግራይ ኣብ ሰናይ ድሌቶም ክሙርኮስ ንዝገብርዎ ርብርብ እቲ እንኮ መተኣማመኒኦም ሓንጨ መንጪ ጥራሕ እዩ። ብሓፈሻ 20 ጉንበት ዕላማ ልዕሊ ኹሉ ዕጥቂ፣ ውዳበ ልዕሊ ኹሉ ሓይሊ፣ ሓድነት ልዕሊ ኹሉ ዓቕሚ ምዃኑ ዘመስከረ ሓደ ምዕራፍ ታሪኽ ፅንዓት ቃልስን ዓወትን ህዝቢ ትግራይ እዩ።
እቲ ታሪኽ መቐፀልታ እቲ ህዝቢ ትግራይ ብቕብብል ወሎዶታት ዘካየዶ ቃልሲ እዩ። ህዝቢ ትግራይ በቢመዋእሉ መሬትና ብምጉባጥ ኣሰር ሃላዋትና ከጥፍኡ ንዝብገሱ ወረርቲ፤ እናመከተ ሃለዋቱን ክብሩን ዓቂቡ ዝቐፀለ ህዝቢ እዩ። ብመስዋእቲን መቑሰልትን ጀጋኑ ደቂ ህዝቢ ብዝተረጋገፀ ዓወት 20 ጉንበት ኲናትን ወረ ኲናትን ይኣኽለና ኢልና ከርፋሕ ናብራ ህዝብና ብልምዓት ክንድብስ ኣንፈት ኣነፂርና ኣብ ንረባረበሉ እዋን እቶም በቢመዋእሉ ዝደግሶም ወረርቲ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ጀኖሳይድ ተኣዊጆም። እምቢ ኣይበርስን ዝበለ ህዝብና ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ከቲቱ ንህልውንኡ መኪቱ። ንኽብርታት ቃልሲን ዓወትን 20 ጉንበት ቀሚሩ በዘካየዶ ንዓለም ዘገረመ መኸተ ድማ ሃለዋቱ ብምቕፃል ናብ ሰለማዊ ፓለቲካዊ ቃልሲ ዘሰጋግሮ ውዕል ክፍፀም ገይሩ እዩ። እንተኾነ ግን እቲ ውዕል ናብ ተግባር ብዘይምስግጋሩ ሕዚ እውን ህዝብና ይበርስ ኣሎ፡፡ መሬትና እውን ኣብ ትሕቲ ወረርቲ ይርከብ። ስለዚ ድማ መልክዕ ቃልስና ተቐይሩ እምበር መኸተና ገና ኣይተዛዘመን።
እዚ ዘይተዛዘመ መኸተ በቲ ኣቲናዮ ዘለና ሰለማዊ ፖለቲካዊ ቃልሲ ረብሓ ትግራይ ንምርግጋፅ ኣብ ምቅላሰ ንርከብ፡፡ እቶም ኩሉ ግዜ ሓድነትን ዝተወደበ ስልቲ ቃልስን ህዝብና ዘባህርሮም ፀላእትና ድማ ሓድነትና ንምድኻምን ዓቕምታትና ንምብታንን ትኹረት ጌሮም ምስ ውሑዳት ተለኣኣኽቲ ባንዳታት ኣብ ምርብራብ ይርከቡ፡፡ መበል 34 ዓመት ዓወት 20 ጉንበት እንትነኽብር እቲ ናይ ቀዳምነት ቀዳማይ ዋኒና ኣብ ውሽጢ ፀላኢ ዘሎ ህዝብና ሓራ ክወፅእ፣ ዝተመዛበለን ዝተሰደደን ህዝብና ናብ መረበቱ ክምለስን ሉኣላውነትና ክረጋገፅን ምቅላስ እዩ። እዚ ዝገሃድ ድማ ብኽብርታት ዓወትን ቃልስን 20 ጉንበት ዓቕምታትና እንትንውድብን ሓድነትና ከምቀደሙ እንትነጠናኽርን እዩ፡፡ እቶም ትማሊ ይኹን ሎሚ ነቶም ንዓወትና ዝውስኑ ሓድነትናን ጥሙር ዓቕምታትናን ብምሸርሻር ሃለዋትናን ሉእላውነትናን ኣብ ሰናይ ድሌቶም ክምስረትን ክንስኮንን ዝረባረቡ ዘለዉ ኣካላት ብምፍሻል ሕሉፍ ዓወታትና ክንደግሞ ይግባእ፡፡ ነዚ እውን እዩ ድማ ዝኽሪ ዓወት 20 ጉንበት እዚ ዓመት “ክብርታት ቃልስን ዓወትን 20 ጉንበት ንምውሓስ ሉእላውነት” ብዝብል መራሒ ሓሳብ ዝኽበር ዘሎ።
ከም ህዝቢ መበል 34 ዓመት ዓወት 20 ጉንበት እንትነኽብር ሕሉፍ ተሞኩሮ ክብርታት ቃልስናን ዓወትናን ብምቕማር እቲ ሕዚ ገጢሙና ዘሎ ፈተና ንምስጋርን ሉእላዊ መሬትና ንምርግጋፅን ቃልስና ክነጠናኽር ይግባእ፡፡
ዘለኣለማዊ ክብርን ሞጎስን ንስውኣትና!
ክብርታት ቃልስን ዓወትን 20 ጉንበት፤ ንምውሓስ ሉእላውነት!



Leave a Reply