ክራማት እዚ ዓመት ተስፋ ብዝህብ መልክዕ ኣብ ዝተፈላለየ ከባብታት ትግራይ ብፅቡቕ ሽፋን ዝናብ ጀሚሩ ኣሎ፡፡ እዚ ኩነታት ንሓረስታይና ብሓፈሻ ድማ ንመላእ ህዝብና ዝፈጠሮ ተስፋን ሓጎስን ዓብዪ እዩ፡፡ ኮይኑ ግን እዚ ዝርአ ዘሎ ናይ ተስፋ ደበና ነቲ ንዝሓለፉ ኣርባዕተ ክረምቲ ኣብ ኬንዳ ዘሎ ህዝብና ዘለዎ ፅዕንቶ ድማ ሓጎስና ምሉእ ከይኾን ይገብሮ፡፡
ብሰንኪ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝኣተዎ ውዕል ዘይምፍፃሙ ዝተመዛበሉን ዝተሰደዱን ወገናትና ዛጊድ ናብ መረበቶም ክምለሱ ኣይከኣሉን፡፡ ንዝሓለፈ ኣርባዕተ ክረምቲ ኣደዳ ቁሪ፣ ጥሜትን ስቓይን ዝኾን ዘሎ ህዝብና ቅልጡፍ ፍታሕ ክረክብ ውድብና ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን ብተደጋጋሚ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣደራደርቲ ኣካላትን ማሕበረሰብ ዓለምን ስምዕተኦም ኣብ ምቕራብ ይርከቡ፡፡ እንተኾነ ግና መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ክንዲ ሂወት እቲ በቢመዓልቱ ዝረግፍ ዘሎ ህዝብና ንምድሓን እቲ ዝኣተዎ ውዕል ዝፍፅም ብነባራትን ሓደሽቲ ምልምል ካድረታቱን ኣቢሉ ብዋጋ ተመዛባላይ ህዝብና ካሊእ ፖለቲካዊ ቁማር ኣብ ምፅዋት ተፀሚዱ ይርከብ፡፡
መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብዚ ዘይሓላፍነታውን ካብ ስምምዕ ፕሪቶርያ ወፃእን ዝኾነ ናይ ፕሮፖጋንዳ ሃልኪ ወፅዩ ነቲ ተመዛቢሉን ተሰዲዱን ዘሎ ህዝብና ንሓምሻይ ክረምቲ ኣብ ኣዝዩ ዘስካሕኽሕ ናብራ ኬንዳ ከየሕልፎ ግቡኡ ክዋፃእ ይግባእ፡፡ ተመዛበልና ዘለውዎ ኩነታት ብኣምባሳደራ ዝተዓዘበት ኣሜሪካ ፣ ኣደራደርትን መላእ ማሕበረሰብ ዓለምን እውን እዚ ኣብ ተመዛበልትናን ዝተሰደዱ ወገናትናን ተፈጢሩ ዘሎ ግዘ ዘይህብ ቅልውላው ተረዲኦም እጃሞም ክዋፅኡ ደጊምና ንፅውዕ፡፡
ካብዚ ብተወሳኺ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ክንዲ ስምምዕ ፕሪቶርያ ብምትግባር ምትእምማን ዘዕብዩ ናብ ዘላቒ ሰላም ዝወስዱ ስጉምታት ምውሳድ ኣብ ልዕሊ ደላዪ ሰላም ህዝብና ተወሳኺ ስግኣት ኣብ ምፍጣር ይርከብ፡፡ ህዝቢ ትግራይ ኮነ ውድብና ህወሓት ስምምዕ ፕሪቶርያ ተተግቢሩ ኣብ ትሕቲ ወረርቲ ዝርከብ ህዝብና ሓራ ክወፅእ፣ ዝተመዛበሉን ዝተሰደዱን ወገናትና ናብ መረበቶም ክምለሱ፣ ሉእላዊ መሬት ትግራይ ክረጋገፅ እናተፀበዩ ሕዚ ድማ ናብ ትግራይ ኣቕርቦት ነዳዲን ሸቐጣት ከይሓልፉ ብምትዕንቓፍ፣ ንበፃሕቲ ዓዲ ናብ ትግራይ ከይሓልፉ ብምኽልካል ዝግበር ዘሎ ዘይሓላፍነታዊ ተግባር ተወሳኺ ስግኣት ፈጢሩ ይርከብ፡፡
ነቲ ብውራን ኩናትን ዝዓነወ ቁጠባ ትግራይ ንምህናፅ ዘኽእሉ ስርሓቲ ኣብ ክንዲ ምፍፃም ዳግም ናብቲ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ከም ሓደ ሰልቲ ጀኖሳይድ ዝተተግበረ ዕፅዋን ክባን ምእታው ንስምምዕ ፕሪቶርያ ዝፃባእን ኣብ መንጎ ተወዓዓልቲ ክህሉ ዝግባእ ምትእምማን ዝሽርሽርን ተግባር ምዃኑ ኩሉ ደላዪ ሰላም ብእዋኑ ክርድኦ ይግባእ፡፡
መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ዝግበር ዘሎ ክልከላን ዝፍጠር ዘሎ ዕንቅፋትን ብህፁፅ ክእርሞን ንስምምዕ ፕሪቶርያ ተገዛኢ ብምዃን ነቲ ስምምዕ ንቕድሚት ዝወስድ ኣወንታዊ ግቡኡ ክዋፃእ ይግባእ ንብል፡፡



Leave a Reply