ኢምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ክምለሱን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ዘካይዶ ዘሎ ደብዳብ ድሮን ከቋርፅን ፀዊዑ።
ኢምባሲ ኣሜሪካ ሎሚ ኣብ ናይ ፊስቡክ ገፅ ኣድራሽኡ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ወሽጣዊ ጎንፅታት ብዘላቕነት ክፍትሑ፡ ህፃናት ግልጋሎት ትምህርትን ጥዕናን ክረኽቡ፡ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ንክምለሱን ኣብ ኢትዮጵያ ዝርአ ዝሎ ሕጊ ኣልቦነት መፍትሒ ክግበረሉን ፃውዒት ኣቕሪቡ።
ብተወሳኺ ኣሜሪካ ንሓይልታት ፋኖ ጭቡጥን ሰላማዊን ዕላማ ሒዙ ክቐርብ ከምእትፅውዕ ብምግላፅ ንሰራዊት ነፃነት ኦሮሞ ድማ ኣብ ኦሮምያ ዘሎ ጎንፂ ንምቁራፅ ናብ ልዝብ ክመፅእ ፤ ፌደራል መንግስቲ እውን ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ዘካይዶ ዘሎ ደብደባት ድሮን ብቁልጥፍ ደው ኣቢሉ መፍትሒ ከምፅእ ከም እትፅውዕ ኣምባሳዶር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኤርቪን ማሲንጋ ኣተሓሳሲቦም።



Leave a Reply