Tag: #ኣምባሳደር ኤርቪን ማሲንጋ
-
ኣሜሪካ ናይ ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ናይ ምርካብ ድሌት ከምእትድግፍ ኣፍሊጣ።

ኣሜሪካ ናይ ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ናይ ምርካብ ድሌት ከምእትድግፍ ኣፍሊጣ። ብናይ ንግዲ ስራሕ ከምኡ እውን ሰላማውን ዲምክራስያውን መማረፂታት ክትክተል ከምዘለዋ እውን ኣመላኺታ። ኢትዮጵያ ናይ ባሕሪ በሪ ተበፃሕነት “ብንግዲ”ከምኡ እውን ሰለማዊን ዲሞክራሲያዊን ብዝኾነ ኣገባብ ንምስፋሕ እትገብሮ ፃዕሪ ከምእትድግፍ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኤርቪን ማሲንጋ ገሊፆም። ኣምሳደር ኤርቪን ማሲንጋ ኣጥቢቖም ከምዝጠቐስዎ ” እዚ ጉዳይ ኢኮኖሚያዊ ኣንፈት ኢትዮጵያ…
-
ኣምባስደር ኤርቪን ማሲንጋ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ክምልስን ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ዘካይዶ ዘሎ ደብዳብ ድሮን ከቋርፅን ፀዊዑ።

ኢምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ክምለሱን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ዘካይዶ ዘሎ ደብዳብ ድሮን ከቋርፅን ፀዊዑ። ኢምባሲ ኣሜሪካ ሎሚ ኣብ ናይ ፊስቡክ ገፅ ኣድራሽኡ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ወሽጣዊ ጎንፅታት ብዘላቕነት ክፍትሑ፡ ህፃናት ግልጋሎት ትምህርትን ጥዕናን ክረኽቡ፡ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ንክምለሱን ኣብ ኢትዮጵያ ዝርአ ዝሎ ሕጊ ኣልቦነት መፍትሒ ክግበረሉን ፃውዒት…

