Tag: #እዋናዊ ዛዕባታት
-
ኢትዮጵያን ቱርክን ስምምዕነት ኣንካራ ተግባራዊ ንምግባር ኣብ ቀፃሊ ብዛዕባ ዝካየድ ናይ ቴክኒክ ድርድር ከምዝተዛተዩ ተገሊፁ።

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ዶ/ር ጌድዮን ጢሞቲዎስ ብምክትል ወፃኢ ጉዳይ ሚኒስትር ቱርኪ ቡርሃንቲን ዱራን ዝተመርሐ ላዕለዋይ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ቤት ፅሕፈቶም ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡ ተገሊፁ። እቶም ሚኒስተራት ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያን ቱርክን ኣብ ዝርያ ኣብ መንጎ ሶማልያን ኢትዮጵያን ዝተኸተመ ስምምዕነት ኣንካራ ከምዝተዛተዩ ተሓቢሩ። ዶ/ር ጌድዮን ምስ እቲ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ስምምዕነት ኣንካራ ተግባራዊ ንክግበር ኣብ…
-
ካብ ቤት ፅሕፈት ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ዝተውሃበ እዋናዊ መግለፂ።

ባህጊ ህዝቢ ትግራይ ሓቀኛ ሰላም’ዩ!! ህዝቢ ትግራይ ሕዚ ዘለዎ ግዝያዊ ኩነታት ከምዘሎ ኮይኑ፤ ኣብ መዋእል ታሪኽ ዓለም ዘኹርዕን ነዊሕ ዘበን ዘቑፀረ ስልጣነ ዘለዎን ንዝኾነ ይኹን መግዛእቲ ርኡሱ ኣድኒኑ ዘይቕበል ታሪኽ ዝወነነ ህዝቢ እዩ። ህዝቢ ትግራይ ኣብ ታሪኹ ንሉኡላውነቱን መንነቱን ዝፃብኡ ወረርትን ጨቆንቲ ገዛእትን ተቓሊሱ ዝመከተ ህዝቢ ምዃኑ ኩሉ ዝምስክሮ ሓቂ እዩ። ናይ ቀረባ ታሪኽ ኲናት…
-
ፅልዋታት ምቁራፅ ሓገዝ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ተመዛበልቲ ዜጋታትን ኣብ ቅልውላው ዘላ ኢትዮጵያን።

ፕረዚዳንት ዶናልድ ትራምፕ ስልጣኖም ካብ ዝተረከቡሉ ዕለት ጀሚሩ ብዙሓት ውሳነታት እናመሓላለፉ ይርከቡ ካብኣቶም ሓደ ኣብ እዋን ጎስጓስ መረፅኦም ጀሚሮም ብተደጋጋሚ ቃል ካብ ዝኣተውሎም ዛዕባታት ሓደ ሕጋዊ ፍቓድ ዘይብሎም ስደተኛታት ምብራር እዩ። እዚ ድማ ብተግባር ሕጋዊ ሰነድ ወይ እውን ፍቓድ ዘይብሎም ስደተኛታት ኢትዮጵያውያን ሓዊሱ ካብታ ሃገር ናይ ምውፃእ ሰራሕቲ እናተኻየደ ይርከብ። በዚ ድማ ሕጋዊ ሰነድ ዘይብሎም…
-
ዶናልድ ትራምፕ ኣሜሪካ ካብ ናይ ውድብ ጥዕና ዓለምን ካብ ዓለም ለኸ ስምምዕነት ለውጢ ከነታት ኣየር ፓሪስን ክትወፅእ ከምዝኣዘዙ ተገሊፁ።

ዶናልድ ትራምፕ ፕረዚዳንታዊ ስልጣኖም ትማሊ ብዕሊ ምርካቦም ስዒቡ ብዙሓት ውሳነታት እናማሓላለፉ ይርከቡ። ዶናልድ ትራምፕ ትማሊ ካብ ዘመሓላለፉዎም ውሳነታት ኣሜሪካ ካብ ውድብ ጥዕና ዓለምን ካብ ዓለም ለኸ ስምምዕነት ለውጢ ከነታት ኣየር ፓሪስን ክትወፅእ ከምዝኣዘዙ ተሓቢሩ። መበል 47 ፕረዚዳንት ኣሜሪካ ኮይኖም ትማሊ ስነ ስርዓት ቃለማሕላ ዝፈፀሙ ዶናልድ ትራምፕ ውድብ ጥዕና ዓለም ንኮሮና ቫይረስ ሓዊሱ ካልኦት ጉዳያት ጥዕና…
-
ዶናልድ ትራምፕ ፆቶኦም ዝቐየሩ ኣትሌታት ኣብ ናይ ደቂ ኣነስትዮ ስፖርት ከይሳተፍ ከምዝእግዱ ኣፍሊጦም።

ዶናልድ ትራምፕ ፆቶኦም ዝቐየሩ ኣትሌታት ኣብ ናይ ደቂ ኣነስትዮ ስፖርታዊ ውድድራት ከይሳተፍ ከምዝእግዱ ኣፍሊጦም። መበል 47 ፕረዚዳንት ኣሜሪካ ብሙዃን ኣብዚ ዕለት መንበረ ስልጣኖም ብዕሊ ዝርከቡ ዶናልድ ትራምፕ ፆቶኦም ዝቐየሩ ስፖርተኛታት ኣብ ናይ ደቂ ኣነስትዮ ስፖርታዊ ውድድራት ከይሳተፉ ከምዝእግዱ ኣፍሊጦም። ፕረዚዳንት ትራምፕ ትማሊ ኣብ ዝገበሩዎ መደረ ፕረዚዳንታዊ ስልጣኖም ምስተረከቡ ደቂ ተባዕትዮ ካብ ናይ ደቂኣነስትዮ ስፖርታዊ ውድድራት…
-
ሎስ ኣንጀለስ ኣጋጢሙዋ ዝርከብ ባርዕ ሓዊ ንምቁፅፃር ብኣማኢት ዝቑፀሩ እሱራት ኣዋፊራ።

ኣብ ታሪኽ ኣሜሪካ እቲ ዝዓበየ ዕንወት ከም ዘስዐበ እናተገለፀ ዝርከብ ባርዕ ሓዊ ንምጥፋእ ኣብ ዝግበር ርብርብ ክሳተፉ 939 ዝኾኑ እሱራት ካብ ቤትህንፀት ካሊፎርንያ ኣብ ትሕቲ CDCR ዝተብሃለ ገበሪ ሰናይ ትካል ተሓቍፎም እናተሳተፉ ከምዝርከቡ ተገሊፁ።ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ ታሕሳስ 29/ 2017 ዓ.ም ኣብ ሎስ ኣንጀሎስ ዘጋጠመ ባርዕ ሓዊ ብዝለዓለ ቅልጣፈ እናተስፋሕፈሐ ምቕፃሉ ስዒቡ ነቲ ባርዕ ንምቁፅፃር ኣብዝግበር…
-
ፓርላማ ኢትዮጵያ ፍልፍሉ ዘይተፈለጠ ሃፍቲ መንግስቲ ክወርስ ዘኽእል ኣዋጅ ኣፅዲቑ።

ሎሚ ዕለት መበል 14 መደበኛ ኣኼብኡ ዘካየደ ቤትምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ መንግስቲ ፍልፍሉ ብዘይፍለጥ ኣገባብ ዝተፈጠረ ሃፍቲ ከምልስ ዘኽእሎ ኣዋጅ ኣፅዲቑ። ብሰፊሑ ኣዘራረቢ ኮይኑ ዝፀንሐ እዚ ኣዋጅ ሰባት ብወንጀልን ክራይኣካብነትን ብኻልኦት ፍልፍሎም ዘይፍለጥ ኣገባባትን ዝተፈጠረ ንብረት መንግስቲ ከምልስ ዝኽእል ከምዝኾነ ተገሊፁ። ብተወሳኺ እቲ ኣዋጅ ዓሰርተ ዓመት ንድሕሪት ብምኻድ ንብረት መንግስትን ህዝብን ዘምልስን ናይ ሕጊ-ተሓታትነት ዘስዕቡ…
-
ኣብ ታሪክ ኢትዮጵያ ንመጀመርያ ግዜ ዋጋ ሓደ ሊትሮ ቤንዚን ካብ 100 ሓሊፉ።

ኣብ ታሪክ ኢትዮጵያ ንመጀመርያ ግዜ ዋጋ ሓደ ሊትሮ ቤንዚን ካብ 100 ሓሊፉ። ሚኒስትረ ንግድን ቀጠናዊ ምትእስሳርን ኢትዮጵያ ትማሊ ታሕሳስ 29/ 2017 ዓ.ም መሸጢ ዋጋ ነዳዲ ወሰኽ ከምዝገበረ ኣፍሊጡ። ነዚ ወሰኽ ሰዒቡ 91 ብር ብሊትር ዝሽወጥ ዝነበረ ቤንዚን 101.47 ብር በፂሑ በዚ መሰረት ዋጋ ሓደ ሊትሮ ቤንዚን ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ንመጀመርያ ግዜ ካብ ሓደ ሚኢቲ ወሰኽ…
-
ምምሕዳር ፍልስጤም ኣብ ልዕሊ ኣልጀዚራ ግዝያዊ እግድ ኣንቢሩ።

ምምሕዳር ፍልስጤም ንኣልጀዚራ ኣብ ዌስትባንክ ፈነወ ከየካይድ ብግዝያውነት ኣጊዱ። ሰፊሕ ተደማፅነት ዘለዎ ቴሌቭዥን አልጀዚራ ብምኽንያት ጎንፂ ቀስቀስትን ዝንቡዓት ሓበሬታታት ብምቕራብን ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ፍልስጤም ጣልቃ ብምእታውን ብዝብል ምምሕዳር ፍልስጤም ከምዝኣገዶ ዝተፈላለያ መራኸብቲ ሓፋሽ እናፀብፀባ ይርከባ። በዚ መሰረት ዝኾነ ይኹን ጋዜጠኛ አልጀዚራ ኣብ ግዝኣታት ፍልሰጤም ኣትዩ ከይሰርሕ ዝኣገደ እንትኾን ኣብ ራማላህ ዝርከብ ቴሌቭዥን ጣብይኡ እውን ክዕፆ…

