ምምሕዳር ፍልስጤም ንኣልጀዚራ ኣብ ዌስትባንክ ፈነወ ከየካይድ ብግዝያውነት ኣጊዱ። ሰፊሕ ተደማፅነት ዘለዎ ቴሌቭዥን አልጀዚራ ብምኽንያት ጎንፂ ቀስቀስትን ዝንቡዓት ሓበሬታታት ብምቕራብን ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ፍልስጤም ጣልቃ ብምእታውን ብዝብል ምምሕዳር ፍልስጤም ከምዝኣገዶ ዝተፈላለያ መራኸብቲ ሓፋሽ እናፀብፀባ ይርከባ።
በዚ መሰረት ዝኾነ ይኹን ጋዜጠኛ አልጀዚራ ኣብ ግዝኣታት ፍልሰጤም ኣትዩ ከይሰርሕ ዝኣገደ እንትኾን ኣብ ራማላህ ዝርከብ ቴሌቭዥን ጣብይኡ እውን ክዕፆ ከምዝተወሰነ አሶሼትድ ፕረስ ንጋዜጠኛታት እቲ ጣብያ ጠቒሱ ፀብፂቡ። ርክብ አልጀዚራን ምምሕዳር ፍልስጤምን ናብ ዘይምርድዳእ ዝበፅሑሉ ምኽንያት ድማ ሓይልታት ፀጥታ ፍልስጤም ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀኒን ኣብ ዝተብሃለ ቦታ ምስ ዕጡቓት ከምዝተዋግኡ ብምፅብፃቡ ክኾውን ከምዝኽእል ቡዝሓት ተንተንቲ ፖለቲካ እቲ ዞባ ግምታቶም እናገለፁ ይርከቡ።
ኣብ ኳታር ዶሃ ዝርከብ ዋና ቤትፅሕፈት አልጀዚራ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ድማ ንውሳነ ምምሕዳር ፍልስጤም ብምኩናን እዚ ውሳነ “ኣብ ጀኒን ዘሎ ሓቂ ተሸፊኑ ክተርፍ ንምግባር ዝዓለመ እዩ” ክብል ገሊፁ። ብተወሳኺ ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታት እቲ ትካል ዝተፈላለዩ ምፍርራሓት እናብፀሐ ምፅንሑ ብምጥቃስ ንቲ ምምሕዳር ምያዊ ስነ ምግባር ኣኽቢሩ ከምዝሰርሕ ብተደጋጋሚ ከምዘረጋገፀሉ ኣለጀዚራ ኣብ መግለፂኡ ጠቒሱ እዩ።
ኣብ ፍልስጤም ዝርከብ ተጣባቒ መሰል ጋዜጠኛታት ብወገነኑ ነቲ እግድ ኣብ ልዕሊ ነፃነት ፕረስ ዘነፃፀረ መሕፈሪ ውሳነ ክብል ገሊፅዎ። ምስ እስራኤል ኣብ ኲናት ዝርከብ ዕጡቕ ሓማስ ብግድኡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ኣልጀዚራ ዝተወሰነ ናይ እግድ ውሳነ ኢ-ሕጋውን ኢ-ምኽንያታውን ከብል ከምዝኮነኖ ሮይተረስ ፀብፂቡ።
ብተመሳሳሊ እስራኤል ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጉንበት ኣፈኛ ዕጡቕ ሓማስ ኮይኑ ኣብ ልዕሊ ብሄራዊ ድሕንነት እስራኤል ስግኣት ፈጢሩ እዩ ብምባል ኣለጀዚራ ኣብ እስራኤል ዝርከብ ቤትፅሕፈቱ ክዕፆን ካብ ሳተላይት እታ ሃገር ክወርድን ምግባራ ዝዝከር እዩ።
ኳታር ኣብ 1996 ኣቆፃፅራ አውሮፓውያን ዝመስረተቶ አልጀዚራ ንጉዳያት ማእኸላይ ምብራቕ ሰፊሕ ሸፋን ብምሃብ ዝፍለጥ እንትኾን ኣብ ዓለምና ኣለው ካብ ዝበሃሉ ፅዕንቶ ፈጠርትን ሰፊሕ ሸፋን ውሃብትን ሚድያታት ሓደ እዩ። ኣብ እዋን ኲናት ምፅናት ዓሌት ትግራይ ንኩነታት ትግራይ ብዝምልከት ንዓለም ካብ ዘቃልሑ ዓለምለኻዊ ሚድያታት ሓደ እንትኾን inside story ኣብ ዝብል ፕሮግራሙ በብእዋኑ ኩነታት ትግራይ ዝምልከቱ ከም በዓል ማርቲን ፕላውትን ዮውሃንስ ኣብርሃን ዝበሉ ጉዳይ ትግራይ ብቅርበት ዝከታተሉ ሙሁራን ብምቕራብ ፀገም ትግራይ ንህዝቢ ዓለም ብምቅላሕ ዓብዪ አሰተዋጽኦ ኣበርኪቱ እዩ።



Leave a Reply