ሎስ ኣንጀለስ ኣጋጢሙዋ ዝርከብ ባርዕ ሓዊ ንምቁፅፃር ብኣማኢት ዝቑፀሩ እሱራት ኣዋፊራ።

ኣብ ታሪኽ ኣሜሪካ እቲ ዝዓበየ ዕንወት ከም ዘስዐበ እናተገለፀ ዝርከብ ባርዕ ሓዊ ንምጥፋእ ኣብ ዝግበር ርብርብ ክሳተፉ 939 ዝኾኑ እሱራት ካብ ቤትህንፀት ካሊፎርንያ ኣብ ትሕቲ CDCR ዝተብሃለ ገበሪ ሰናይ ትካል ተሓቍፎም እናተሳተፉ ከምዝርከቡ ተገሊፁ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ ታሕሳስ 29/ 2017 ዓ.ም ኣብ ሎስ ኣንጀሎስ ዘጋጠመ ባርዕ ሓዊ ብዝለዓለ ቅልጣፈ እናተስፋሕፈሐ ምቕፃሉ ስዒቡ ነቲ ባርዕ ንምቁፅፃር ኣብዝግበር ርብርብ ዝሳተፉ በዝሒ እሱራት እናወሰኸ ከምዝርከብ ተሓቢሩ።

እቲ ባርዕ ሓዊ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ጥራሕ ልዕሊ 37ሽሕ ሄክታር መሬት ዝሽፈነ እንትኾን ልዕሊ ዓሰርተ ሽሕ ህንፃታት ከምዘዕነወ ድማ ፀብፃብ ቢቢሲ የመላኽት። ነዚ ንምቁፅፃር ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ሰራሕተኛታት ዋላ እኳ እንዳተረባረቡ እንተኾኑ ዛጊድ ግን እቲ ባርዕ ምቁፅፃር ኣይተኻእለን።

መንግስቲ ነቶም ኣብ ምጥፋእ እቲ ባርዕ ሓዊ እናተሳተፉ ዝርከቡ እሱራት መዓልታዊ ካብ 5 ክሳብ 10 ዶላር ብመደበኛነት ኣብ ድንገተኛ ልኡኽ እንትሳተፉ ድማ ተወሳኺ 1ዶላር እናተኸፈሎም ኣብምስታፍ ከምዝርከቡ ፀብፃብ ቢቢሲ የመላኽት። መጠን ክፍሊት እቶም መደበኛ ሰራሕተኛታት ድማ ኣብ ዓመት ልዕሊ 100 ሽሕ ዶላር ከምዝበፅሕ እቲ ፀብፃብ የመላኽት።

ብሓፈሻ ፓሊሳድሰ ዝብል ስያመ ዝተውሃቦ አሰዚ ባርዕ ሓዊ ኣብ ከተማ ሎስ አንጀለስ ብሰሉስ ዘጋጠመ እንትኾን ኣብታ ግዝኣት ካብዘጋጠሙ ለበዳ ባርዕ ሓዊ እቲዝዓበየ ኮይኑ ተመዝጊቡ ኣሎ።

Leave a Reply

Discover more from Tigrai Academy

Subscribe now to keep reading and get access to the full archive.

Continue reading