ዶናልድ ትራምፕ ፕረዚዳንታዊ ስልጣኖም ትማሊ ብዕሊ ምርካቦም ስዒቡ ብዙሓት ውሳነታት እናማሓላለፉ ይርከቡ። ዶናልድ ትራምፕ ትማሊ ካብ ዘመሓላለፉዎም ውሳነታት ኣሜሪካ ካብ ውድብ ጥዕና ዓለምን ካብ ዓለም ለኸ ስምምዕነት ለውጢ ከነታት ኣየር ፓሪስን ክትወፅእ ከምዝኣዘዙ ተሓቢሩ።
መበል 47 ፕረዚዳንት ኣሜሪካ ኮይኖም ትማሊ ስነ ስርዓት ቃለማሕላ ዝፈፀሙ ዶናልድ ትራምፕ ውድብ ጥዕና ዓለም ንኮሮና ቫይረስ ሓዊሱ ካልኦት ጉዳያት ጥዕና ብኣግባቡ ኣይመርሐን ብምባል ኣሜሪካ ካብቲ ውድብ ከምእትወፅእ ትማሊ ኣብ ዝገበርዎ መደረ ኣፍሊጦም።
ትራምፕ ካብዚ ብተወሳኺ ኣሜሪካ ካብ ዓለም ለኸ ስምምዕነት ለውጢ ኩነታት ኣየር ፓሪስ ክትወፅእ ከምዝኣዘዙ ተገሊፁ። ትራምፕ ኣሜሪካ ካብ ኣባልነት ውድብ ጥዕና ዓለም ክትወፅእ ዝኣዘዙሉ ምኽንያት እንትገልፁ ደማ እቲ ውድብ ኣግባብነት ካብ ዘይብሉ ፖለቲካዊ ፅዕንቶ ኣባላቱ ነፃ ኮይኑ ክንቀሳቐስ ከምዘይካኣለን ኣሜሪካ ምስ እን ቻይና ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ሃገራት እንትነፃፀር ብዙሕ ገንዘብ ክተዋፅእ ብምሕታቱን ከምዝኾነ ሓቢሮም። ”ውድብ ጥዕና ዓለም ጎዲኡና እዩ፤ ኣብ ኩሎም ኣሜሪካ ተጎዲኣ እያ ኮይኑ ግን እዚ ከምዚ ኢሉ ኣይቕፅልን” ክብሉ ድሕሪ ስነስርዓት ንግስነኦም ምዝዛሞም ኣብዝገበሩዎ መደረ ከምዝገለፁ ሮይተርስ ፀብፂቡ።
እቲ ውሳነ ኣሜሪካ ኣብ ውሽጢ 12 ኣዋርሕ ካብቲ ትካል ክትወፅእን ንመካየዲ ሰራሕ እቲ ትካል እትኸፍሎ ክፍሊት ክቋረፅን ዝድንግግ ከምዝኾነ ተሓቢሩ እዩ። ካብ ዓመታዊ በጀት ውድብ ጥዕና ዓለም 18 ሚኢታዊ ብኣሜሪካ ዝሽፈን እንትኸውን ውድብ ጥዕና ዓለም መብዛሕትኡ ገንዘብ ንዓለም ለኸ ወፍሪ ምጥፋእ ፖልዮ ንዝሰርሕ ገጅለ ክትባት ከምዝምድቦ ዝተገለፀ እንትኾን ብጠቕላላ ካብ ዘለው ለገስቲ ትካላትን ሃገራትን ድማ ካብ ኣሜሪካ ቀፂሉ ቢል ኤንድ ሚሊንዳ ጌትስ ፋውንዴሽን ከምኡ እውን ኣውሮፓ ሕብረትን ባንኪ ዓለምን ብቅደም ስዓብ ከምዝርከቡዎም ፀብፃብ ግሎባል ሄልዝ ሴኩሪቲ የመላኽት።




Leave a Reply