Tag: #እዋናዊ ዛዕባታት
-
ኣብ ኣዝዩ ዝኸፍአ ናይ ሂወት ሓደጋ ዝርከቡ ተመዛበልቲ ፀገሞም ብዘላቕነት ንምፍታሕ ክንረባረብ ይግባእ” ጀነራል ታደሰ ወረደ

ዘላቒ መፍትሒ ንተመዛበልቲ ትግራይ ኣብ ዝብል ዛዕባ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ጀነራል ታደሰ ወረደ ምስ ዝምልከቶም መዳርግቲ ኣካላት ሎሚ ጥሪ 4/2018 ዓ/ም ዘትዮም። ፕረዚደንት ጀነራል ታደሰ ኣብ ውሽጢ ትግራይ ይኹን ካብ ትግራይ ወፃኢ ብፍላይ ድማ ኣብ ሱዳን ዝርከቡ ተመዛበልቲ ወገናት ከቢድ ናይ ጥምየት ሓደጋ ኣጋጢምዎ ከም ዘሎ ብምግላፅ ዘለዎም ፀገም ብዘላቕነት ኣብ ምፍታሕ መንግስቲ ምስ ዝምልከቶም…
-
“ብዛዕባ ፅባሕ ምምላስ ተመዛበልቲ እናሓሰብና ቅልጡፍ ስራሕቲ ሂወት ምድሓን ክንሰርሕ ኣለና” ፕረዝደንት ለ/ጀነራል ታደሰ ወረደ

ብፕረዚደንት ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ ዝተመርሐ ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብ መዓስከር ተመዛበልቲ ዘካየዶ ዑደት ማእኸል ገይሩ ሎሚ ታሕሳስ 19/2018 ዓ/ም ኣብ ከተማ ሽረ ዘተ ተሳሊጡ። ኣብ ኩለን ማእኸላት መዕቖቢ ተመዛበልቲ ወገናትምውሓድ ሓገዝ፣ ዝርካቡ ሓገዝ እውን ፅሬት ዘይብሉ ምዃኑ፣ ፀገም ሕክምናን መጎዓዝያን፣ ጠዋሪ ዘይብሎም ኣረጋውያንን ህፃናትን ቀንዲ ግዳያት እቲ ፀገም ምኳኖም፣ ስእነት ክዳንን…
-
“ህዝቢ ካብ መረበቱ ምምዝባል ከይኣኽሎ ንማእለያ ዘይብሉ ጥሜትን ዓፀቦን ተሳጢሑ ይርከብ።” ቢሮ ጉዳያት ከሙዩኒኬሽን ትግራይ

ህዝቢ ካብ መረበቱ ምምዝባል ከይኣኽሎ ንማእለያ ዘይብሉ ጥሜትን ዓፀቦን ተሳጢሑ ይርከብ። ናይዚ መርኣያ እውን ኣብ ማእኸል መዕቖቢ ተመዛበልቲ ምዕራብ ትግራይ ፍሉይ ቦታ ሕፃፅ ወገናትና ንዝኸፍአ ጥሜትን ሞትን ይቃልዑ ኣለዉ። ህዝብና ንምድሓን ብሕታዊ መማረፂ ናብ መረበቱ ምምላስ ከም ዝኾነ እናሓበርና ኣብ ውሽጢ ዓድን ወፃእን ብዝነብሩ ዝተፈላለዩ ውልቀ ሰባት ዝተጀመረ ወገን ናይ ምድሓን ተበግሶ ንንእድ። ኣብ ሕፃፅ…
-
ኣብ እዋናዊ ኩነታት ኣድሂቡ ብቢሮ ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ዝተውሃበ መግለፂ

መሰል ምንባር መንጢልካ ዝፀንዕ ስልጣን ክሳብ መዓዝ? – ቃንዛ ተመዛበልቲ ምዕራብ ትግራይ ብስንኪ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ መሰካሕከሒ ደማዊ ኩናት ንልዕሊ ኣርባዕተ ዓመታት ህዝቢ ትግራይ ብሓፈሻ ተመዛበልቲ ምዕራብ ትግራይ ድማ ብፍላይ ብዘይተፈተንዎ ዓይነት መከራ ዳርጋ የለን እንተተብሃለ ምግናን ኣይኸውንን ። እቲ ኩናት ጠጠው ንክብል ስምምዕ ሰላም ተፈሪሙ ተባሂሉ እፎይታ ዝተገብረሉ ግዜ ዋላ እኳ እንተነበረ ንተመዛበልቲ ምዕራብ…
-
“ውሽጣዊ ተቐላዓይነትና ብምንካይ ንምውሓስ ህልውናና ንረባረብ!” ሰሙናዊ መልእኽቲ ህወሓት

ውድብና ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ከምኡ እውን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ተኸታታሊ መድረኻት ምድላው ፈፀምቲ ዓቕምታት ከካይዱ ቀንዮም ትማሊ 5 ታሕሳስ 2018 ዓ/ም ብዓወት ዛዚሞም ኣለዉ፡፡ እዞም መድረኻት ብዋናነት ኣብቲ ከም ህዝቢ ገጢሙና ዘሎ ሓደጋ ህልውና ትኹረት ጌሮም ብምዝታይ መላእ ኣመራርሓ ትግራይ ነዚ ሓደጋ ዝምጥን ቃልሲ ክገብር ብምርድዳእን ብምውሳንን ተዛዚሞም ኣለዉ፡፡ እዚ ቃልሲ ዝዕወት እቲ ወሳናይ…
-
ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ስምምዕ ኣልጀርስ ዘለወን ተወፋይነት ደጊመን ከረጋግፃ ፀዊዖም ።

ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ስምምዕ ኣልጀርስ ዘለወን ተወፋይነት ደጊመን ከረጋግጻ ጸዊዖም ። እቶም ዋና ጸሓፊ ነዚ ዝበሉ ብመንገዲ ኣፈኛኦም ስቴፋን ዱጃሪክ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ኮይኑ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዳግማይ ወጥሪ ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን’ዩ። እቲ ብ3 ታሕሳስ 1993 ዝተኸተመ ስምምዕ ኣልጀርስ፡ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝተኻየደ ደማዊ ኲናት ብወግዒ…
-
ፕረዚዳንት ኤርትራ ኢሳያስ ኣፍወርቂ ሱዕዲ ዓረብ ኣብ ቀጠናታት ተፋሰስ ሩባ ናይልን ቀይሕ ባሕርን ዘለዋ ተሳትፎ ክተዕቢ ሓቲቱ።

ፕረዚዳንት ኤርትራ ኢሳያስ ኣፍወርቂ ሱዕዲ ዓረብ ኣብ ቀጠናታት ተፋሰስ ሩባ ናይልን ቀይሕ ባሕርን ዘለዋ ተሳትፎ ክተዕቢ ሓቲቱ። ኢሳያስ ኣፍወርቂ ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ ንኣርባዕተ መዓልቲ ፃንሒት ዘለዎ ናይ ስራሕ ዑደት ናብ ሱዕዲ ዓረብ ዝተጓዓዘ እንትኾን፡ ትማሊ ረቡዕ ታሕሳስ 2/ 2018 ዓ/ም ምስ ኣልጋ ወራሽ መሓመድ ቢን ሳልማን ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ፕረዚዳንት ኢሳያስ ሱዕዲ ዓረብ ኣብ ቀጠናታት…
-
ኣብ ዞባ ጅማ ከተማ ኣሰንዳቦ ናይ ተቛውሞ ሰልፊ ይካየድ ኣሎ።

ኣብ ዞባ ጅማ ከተማ ኣሰንዳቦ ናይ ተቛውሞ ሰልፊ ይካየድ ኣሎ።ኣብ ዞባ ጅማ ከተማ ኣሰንዳቦ ካብ ንግዲ በርበረ ዝእከብ ቀረፅ ብብዙሕ ዕፅፊ ከውሰኽ ተጌሩ እዩ ብምባል ነጋዶ እቲ ከባብን ነበርትን ናይ ተቛውሞ ሰልፊ ኣብ ምክያድ ይርከቡ። እቶም ሰልፈኛታት ከምዝገለፅዎ ንሓደ በርበረ ዝፅዓነ መኪና ኣብ ዝሓለፈ ይኽፈል ካብ ዝነበረ 8000 ቀረፅ ሐዚ ብዘይ ዝኾነ ቅድመ መጠንቀቕታ ናብ…
-
“ፈፀምቲ ገበን ፅንተት ትግራይ ኩሉሻብ ብስሞም ክፅርሑን ፍትሕን ተሓታትነትን ክሳብ ዝነግስ ዘየቋርፅ ቃልሲ ይጠልብ” ሳልሳይ ወያነ ትግራይ

መግለፂ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ…….. ብጥምረት ሓይልታት ፅንተት ኣብ ትግራይ ዝተፈፀመ ፅንተት ንደቒቕ እውን ክርሳዕን ክነኣኣስን የብሉን። ፈፀምቲ ገበን ፅንተት ትግራይ ኩሉሻብ ብስሞም ክፅርሑን ፍትሕን ተሓታትነትን ክሳብ ዝነግስ ዘየቋርፅ ቃልሲ ይጠልብ። ብምዃኑ እውን ባርባራዊ ጨፍጫፍ መግለፂኦምን ምስሎምን ዝኾኑ ስርዓታት ህግዴፍን ብልፅግናን ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝፈፀምዎ ዘስካሕክሕ ፅንተታዊ ጨፍጫፍ ኣይንርስዖን፤ ናብ ቆስልና ግራጭ ዝሰዱን ነዞም ገበነኛታት ኣብ…
-
ኣብ ናይ ሎሚ ዓመት ብዓል ሕዳር ፅዮን ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ሰባት ክርከቡ ትፅቢት ከምዝግበር ቤት ፅሕፈት ባህልን ትሪዝምን ከተማ ኣክሱም ገሊፁ።

ኣብ ናይ ሎሚ ዓመት ብዓል ሕዳር ፅዮን ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ሰባት ክርከቡ ትፅቢት ከምዝግበር ቤት ፅሕፈት ባህልን ትሪዝምን ከተማ ኣክሱም ገሊፁ። በቢዓመቱ ብዝለዓለ ድምቀት ኣብ ከተማ ኣኹሱም ዝኽበር ብዓል ማርያም ፅዮን ካብ መላእ ዓለም ብዝመፁ ቱሪስት ዝርከብሉ እንትኾን፡ ኣብዚ ዓመት እውን ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ኣጋይሽ ነዚ ብዓል ንምኽባር ናብ ከተማ ኣክሱም ክጓዓዙ ትፅቢት ከምዝግበር ሓላፊ…

