ፕረዚዳንት ኤርትራ ኢሳያስ ኣፍወርቂ ሱዕዲ ዓረብ ኣብ ቀጠናታት ተፋሰስ ሩባ ናይልን ቀይሕ ባሕርን ዘለዋ ተሳትፎ ክተዕቢ ሓቲቱ።

ፕረዚዳንት ኤርትራ ኢሳያስ ኣፍወርቂ ሱዕዲ ዓረብ ኣብ ቀጠናታት ተፋሰስ ሩባ ናይልን ቀይሕ ባሕርን ዘለዋ ተሳትፎ ክተዕቢ ሓቲቱ።

ኢሳያስ ኣፍወርቂ ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ ንኣርባዕተ መዓልቲ ፃንሒት ዘለዎ ናይ ስራሕ ዑደት ናብ ሱዕዲ ዓረብ ዝተጓዓዘ እንትኾን፡ ትማሊ ረቡዕ ታሕሳስ 2/ 2018 ዓ/ም ምስ ኣልጋ ወራሽ መሓመድ ቢን ሳልማን ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ፕረዚዳንት ኢሳያስ ሱዕዲ ዓረብ ኣብ ቀጠናታት ተፋሰስ ሩባ ናይልን ቀይሕ ባሕርን ዘለዋ ተሳትፎ ክተዕቢ ከም ዝሓተተ ሚኒስትሪ ሓበሬታ ኤርትራ ኣይተ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ዕላዊ ናይ “X” (Twitter)ኣድራሽኡ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ኣመላኺቱ።

ከም ሓበሬታ ኣይተ የማነ ገብረመስቀል ሱዕዲ ዓረብ ኣብዞም “ወሰንቲ ቀጠናዊ ዛዕባታት” ተወሳኺ ዘተ ንምክያድ ኣብ ቀረባ እዋን ጉጅለ ልኡኽ ናብ ኤርትራ ከምእትሰድድ ተገሊፁ።

ፕረዚዳንት ኢሳያስ ምስ ኣልጋ ወራሽ መሓመድ ቢን ሳልማን ኣብ ዝነበሮ ፃንሒት ሰፊሕ ዘተ ከምዘካየደ ዝተሓበረ ኮይኑ፡ እቲ ዘተ ድማ “ኣብ ክልተኣዊ ጉዳያትን ንክልቲአን ሃገራት ቁልፊ ረብሓ ኣብ ዘለዎም ካልኦት ዛዕባታትን” ዘተኮረ ከም ዝነበረ ኣይተ የማነ ኣመላኺቱ እዩ።

ካብዚ ብተወሳኺ ክልቲኦም መራሕቲ ቀጠናዊ ዛዕባታት ኣመልኪቶም ዝገበረዎ ዘተ እውን ኣብ ዙርያ “እዋናዊ ኩነታት ብዝምልከት ዘለዎም ርድኢት ምልውዋጥ” ከምዝነበረ ዝተገለፀ እንትኾን እቶም ቀጠናዊ ጉዳያት ተባሂሎም ዝተጠቐሱ ድማ “ተፋሰስ ሩባ ናይል ፣ቀርኒ ኣፍሪካ ፣ ቀይሕ ባሕርን ባሕረ ሰላጤ ዓረብን ዝምልከቱ ከምዝኾኑ ኣይተ የማነ ገሊፁ።

Leave a Reply

Discover more from Tigrai Academy of Sciences and Technology (TAST)

Subscribe now to keep reading and get access to the full archive.

Continue reading