ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ስምምዕ ኣልጀርስ ዘለወን ተወፋይነት ደጊመን ከረጋግፃ ፀዊዖም ።

ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ስምምዕ ኣልጀርስ ዘለወን ተወፋይነት ደጊመን ከረጋግጻ ጸዊዖም ።

እቶም ዋና ጸሓፊ ነዚ ዝበሉ ብመንገዲ ኣፈኛኦም ስቴፋን ዱጃሪክ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ኮይኑ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዳግማይ ወጥሪ ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን’ዩ።

እቲ ብ3 ታሕሳስ 1993 ዝተኸተመ ስምምዕ ኣልጀርስ፡ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝተኻየደ ደማዊ ኲናት ብወግዒ ዘብቅዐ ኮይኑ፡ ኣብ ርእሲ’ቲ ንዶብ ምሕንጻጽ ዝሕግዝ ማዕቀፍ ምምስራት፡ ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ክልቲአን ሃገራት ኣረጋጊጹ።

እቶም ዋና ጸሓፊ ነቲ ስምምዕ ንርብዒ ዘመን ዝጸንሐ ሰላማዊ ዝምድናታት ዝድግፍ “ወሳኒ ማዕቀፍ” እዩ ክብሉ ገሊፆምዎ ።

ጉተረዝ ብተወሳኺ ቅድሚ 7 ዓመት ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ዘውጽእዎ ሓባራዊ መግለጺ ንሰላም ዝተሓደሰ ተወፋይነት ዘዘኻኸሩ ኮይኖም ፡ እዚ ድማ ዋጋ ዘተን ምትሕብባርን ምዃኑ ሓቢሮም ።

ኣብዚ ደጊስዎ ዘሎ ወጥሪ፡ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ስምምዕ ኣልጀርስ ተሰኒዱ ዘሎ ራእይ ነባሪ ሰላም፡ ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ዳግማይ ከረጋግጻ፡ ከምኡ’ውን ምትሕብባርን ሰናይ ጉርብትናዊ ዝምድናን ንምህናጽ ዝገብርኦ ዘለዋ ጻዕርታት ከሐይላ ፀዊዖም ።

ኢትዮጵያን ኤርትራን ምስ ዞባውን ኣህጉራውን መሻርኽቲ ብምትሕብባር “ንኹሉ ብዝጠቅም” መንገዲ ልምዓታዊ ምትሕብባር ክቕጽላ’ውን ኣተባቢዖም ።

Leave a Reply

Discover more from Tigrai Academy of Sciences and Technology (TAST)

Subscribe now to keep reading and get access to the full archive.

Continue reading