ዘላቒ መፍትሒ ንተመዛበልቲ ትግራይ ኣብ ዝብል ዛዕባ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ጀነራል ታደሰ ወረደ ምስ ዝምልከቶም መዳርግቲ ኣካላት ሎሚ ጥሪ 4/2018 ዓ/ም ዘትዮም። ፕረዚደንት ጀነራል ታደሰ ኣብ ውሽጢ ትግራይ ይኹን ካብ ትግራይ ወፃኢ ብፍላይ ድማ ኣብ ሱዳን ዝርከቡ ተመዛበልቲ ወገናት ከቢድ ናይ ጥምየት ሓደጋ ኣጋጢምዎ ከም ዘሎ ብምግላፅ ዘለዎም ፀገም ብዘላቕነት ኣብ ምፍታሕ መንግስቲ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምዃን ይሰርሕ ኣሎ ኢሎም።
እቶም ፕረዚደንት ከም ዝገለፅዎ ኣብ ዝተፈላለዩ መዓስከራት ዝርከቡ ተመዛበልቲ ወገናት ክረምቲ ቅድሚ ምእታው ናብ መረበቶም ክምለሱን ንቐፃሊ ምግቢ ውሕስነኦም ንምርግጋፅ ናይ ክረምታዊ ማእቶት ኣቐዲሞም ብምውጋን ካብ ቀፃሊ ተሓጋዛይነት ክላቐቑ ክስራሕ እዩ።
ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ምምላስ ጥራሕ ዘላቒ መፍትሒ ከምዘይኮነ ዝገለፁ ፕረዚደንት ጀነራል ታደሰ ወረደ ዘይመንግስታዊ ትካላት፣ ትካላት ገበርቲ ሰናይ ሓዊሱ ዝምልከቶም ኣካላት ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ምስተመለሱ እግሪ ናይ ምትካል ስራሕቲ ኣብ ምፍፃም ክዋስኡ ከም ዝግባእ ሓቢሮም።
ፕረዚደንት ጀነራል ታደሰ ኣብ ምሕደራ ብትካላት ሕቡራት መንግስታት ይኹን ካልኦት ዘይመንግስታዊ ትካላት ዝወሃብ ፋይናንሳዊ ሓገዝ ዝምልከት ብዝምልከቶ ናይ ግዝያዊ ምምሕዳር ትካላት ክመሓደርን ፌደራል መንግስቲ ዝደለዮ ናይ ኦዲትን ክትትልን ስራሕ ንምፍፃም በሪ ክፍቲ ከም ዝኾነሉን ገሊፆም።
ብተመሳሳሊ ብዛዕባ ኣብ ሱዳን ዘለው ተመዛበልቲ ዝምልከት ብወርሒ ዝወሃቦም ራሽን ትሕቲ እኹል (2 ነጥቢ 5 ኪሎ ብወርሒ) ብምዃኑ ብሂወት ናይ ምቕናይ ዕድሎም ኣብ ሓደጋ ከምዘሎ ፕረዚደንት ታደሰ ገሊፆም። ብምዃኑ ድማ ዘላቒ መፍትሒ ክሳብ ዝግበረሎም ማሕበረሰብ ዓለም ድጋፍ ንክገብረሎም ፀዊዖም። መንግስቲ ፌደራል እውን ኣብ ምምላስ ተመዛበልትን ምቕራብ እኹል ሰብኣዊ ሓገዝን ምስ ግዝያዊ ምምሕዳር ኮይኑ ሓላፍነቱ ንክዋፃእ መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም።
ኣብቲ ዘተ ኮሚሽን ሓደጋ ስግኣት ትግራይ፣ UNHCR, IOM, OCHA ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ትካላት ኣብ ዝተረኸብሉ ትልሚ ዘላቒ መፍትሒ ኣብ ከቢድ ማሕበራዊ ሂወት ዝርከቡ ተመዛበልቲ ትግራይ ከምዝተዘተየሉ ቤቶፅሐፈት ፕረዚደንት ሓቢሩ።



Leave a Reply