ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኤርቪን ማሲንጋ ሽረ ከምዝኣተዉ ተገሊፁ።

ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኤርቪን ማሲንጋ ብምክትል ፕረዚደንት ግዚያዊ ምምሕዳርትግራይ ኣይተ ኣማኑኢል ኣሰፋ ኣቀባበል ዝተገበረሎም እንትኾን ኣብ ህልዊ ኩነታት ተመዛበልቲ፣ ኣፈፃፅማ ውዕሊ ሰላም ፕሪቶሪያን መሰል ዛዕባታትን ምስ ዝተፈላለዩ ኣመራርሓ ክዘራረቡ ትፅቢት ከም ዝግበር ንምፍላጥ ተኻኢሉ።

እቶም ኣምባሳዶር ህልዊ ኩነታት ተመዛበልቲ ንምዕዛብ ኣብ መዕቆቢ ስደተኛታት ማይ ድሙን ፍረ ስውኣተን ምብፃሕ ከምዝገብሩ ድማ ካብ ቤትፅሕፈት ፕረዚደንት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመላኽት።

Leave a Reply

Discover more from Tigrai Academy

Subscribe now to keep reading and get access to the full archive.

Continue reading