ካብ ማእኸላይ ኮሚቴ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት)ዝተውሃበ መግለፂ።

ማእኸላይ ኮሚቴ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ካብ 29 መጋቢት ክሳብ 3 ሚያዝያ 2017 ዓ.ም ኣብ ዘካየዶ ስሩዕ ኣኼባ ኣፈፃፅማ መደባት ሕሉፍ ሽዱሽተ ኣዋርሕን ትልሚ ቀፃሊ ሽዱሽተ ኣዋርሕን ገምጊሙ ዘፅደቐ እንትኾን፤ ኣብ ከባቢና ዘሎ ልዑል ቆላሕታን ጥንቃቐን ዝሓትት ዞባዊ ምዕባለን ጂኦ-ፖለቲካዊ ኩነታትን ንትግራይ ብዝህልዎ ፅልዋ ብምግምጋም ኣንፈታት ኣቐሚጡ ኣኼብኡ ብዓወት ዛዚሙ ኣሎ።

ህዝቢ ትግራይ ብሰንኪ ኣብ ልዕሊኡ ዝተፈፀመ ጄኖሳይዳዊ ኲናት ዝበፅሖ ኩለመዳያዊ ጉድኣት ከይኣክል፤ ድሕሪ ምፍራም ስምምዕ ፕሪቶሪያ ‘ውን ነቲ ጉድኣት ብኻልእ መልክዕ ዘቐፅል፤ ካብ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ዝወፀን ንሕገ-መንግስታዊ ስርዓት ዘፍርስን ብውሽጥን ብደገን ዝተዋደደ ሓድነት ህዝቢ ትግራይ ናይ ምብታን ምንቅስቓስ እናተገበረ ፀኒሑ እዮ። ኮይኑ ግና ብሳላ ዝተዋደደ ቃልሲ ኩሎም ስትራቴጂካዊ ዓቕምታት ትግራይ እቶም ሽርሒታት ክፍሽሉ ጀሚሮም ኣለዉ። ስለዝኾነ ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶሪያ ህወሓት፣ ህዝቢ ትግራይን ሓይልታት ፀጥታ ትግራይን ብዝኣመንሉ መንገዲ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብምርድዳእ ኣመራርሓ ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ምትዕርራይ ተጀሚሩ ኣሎ።

በዚ መሰረት ብውድብና ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ፕሬዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ኮይኑ ንኽመርሕ ዝተወከለ ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ መደራድርትና መንግስቲ ኢትዮጵያ እውን ተስማዕሚዑሉ ስርሑ ብዕሊ ጀሚሩ ኣሎ። ስለዚ ዝባኸነ ግዜ ኣከሓሒስና ኣብ ኢድ ወረርቲ ዝሳቐ ዘሎ ህዝብና ሓራ ንምውፃእ፣ ግዝኣታዊ ሓድነትና ንምውሓስ፣ ዝተመዛበለን ዝተሰደደን ህዝብና ድሕንነቱ ተሓልዩ ናብ መረበቱ ንምምላስ፣ ሕውየትን ዳግመ ህንፅትን ንምርግጋፅን ሰላም፣ ፀጥታን ሰናይ ምምሕዳርን ንምንጋስ ዝበለፀ ዕድል ይፍጠር ከም ዘሎ ህወሓት ይኣምን። ካብ’ዚ ብምብጋስ እዞም መሰረታዊ ሕቶታት ህዝብና ንምዕዋት ውድብና መላእ ኣመራርሕኡ፣ ኣባላቱን ህዝብን ኣለዓዒሉን ወዲቡን ተልእኾታት ግዝያዊ ምምሕዳር ንምዕዋት ግቡኡ ንምፍፃም ከም ዝረባረብ እናረጋገፀ፤ በዚ ኣጋጣሚ ዝምልከቶ ኹሉ ግቡኡ ንኽዋፃእ ፃዊዒቱ የቕርብ።

ምኽባር ልዕልነት ሕጊ ናብ ሕቶ ዘይኣቱ ኾይኑ፤ ህዝቢ ትግራይ ንኹሉ ዓይነት ፖለቲካዊ ኣረኣእያታት ብማዕረ ዘተኣናግድ ህዝቢ ከም ዝኾነ ዝፍለጥ እዩ። ስለ ዝኾነ ብምኽንያት ዝተፈጠረ ፖለቲካዊ ኣፈላላይ ካብ ትግራይ ወፂእኻ ምኻድ ይኹን ካብ ሰላማዊ ፖለቲካዊ ቓልሲ ወፃእ ካሊእ መንገዲ ምንዳይ ንህዝቢ ትግራይ ዘይምጥን ተግባር ምዃኑ ብምርዳእ ህወሓት ብሄራዊ ረብሓታት ህዝብና ኣብ ዝምልከቱ ጉዳያት ሓባራዊ ምርድዳእ ንምፍጣር ምስ ኩሎም ኣካላት ተቐራሪቡ ንምስራሕ ቅሩብ ምዃኑ እናረጋገፀ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ዝተንጠብጠቡ ዓቕምታት ብምትእኽኻብ ሰላማዊ ፖለቲካዊ ቃልሱ ኣጠናኺሩ ክቕፅል እዩ።

ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብ ህዝባዊ ኮንፈረንስ ዝተውሃብዎ ተልእኾታት ብግቡእ ክፍፅም ብዘይምኽኣሉ ህዝብና ንተወሳኺ ስቓይን ሓሳረ መከራን ዘሳጠሐ፤ ውዝፍ ስራሕቲ ከም ዘለና ዝፍለጥ እዩ። ስለ ዝኾነ ስቓይ ህዝብና ንኽሓፅር ኣብ ዘለና ዉሱን ግዜ ተረባሪብና ሕሉፍ ድኽመታት ብዘከሓሕስ መልክዑ መደባትና ክንዓምም ከም ዝግባእን ኩሉ ዓይነት ርብብርብ ክግበር ከምዘለዎን ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ወሲኑ ኣሎ። ነዚ ረዚን ውራይ ንምዕዋት ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝተማልአ ቁመና ሃልዩዎ ሓላፍነቱ ብግቡእ ንኽዋፃእን ዕማማቱ ንኽፍፅምን ብዘኽእል መንገዲ ኩሉ ኣመራርሓና፣ ኣባልናን ኣብ ውሽጢ ዓዲን ወፃእን ዝነብር ህዝብናን ዝከኣሎ ኹሉ ንኽገብር ንፅውዕ።

እዚ ከም ዘለዎ ኾይኑ ህወሓት ሕዚ ‘ውን ዝተማልአ ምትእምማንን ሰላምን ተረጋጊፁ ናብ ናይ ልምዓትን ህንፀት ዴሞክራስያዊ ስርዓትን ስራሕቲ ምስግጋር ዝከኣል መስርሕ ሰላም ፕሪቶርያ ብዝግባእ እንትትግበር ምዃኑ ብፅኑዕ ይኣምን። ኣብዚ ሕዚ እዋን ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘተኣሳስረና ብሕታዊ ገመድ ስምምዕ ፕሪቶርያ ስለዝኾነ እቲ ስምምዕ ንምትግባር ተቐራሪብካን ተኣማሚንካን ምስራሕ ከም ዘድሊ ይኣምን። ህወሓት ከም መጠን ፈራምን ተደራዳርን በቲ ስምምዕ መሰረት ዘላቒ ሰላም ንምርግጋፅ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ካብኡ ዝድለ ኹሉ ንምፍፃም ሕዚ እውን ድልው ምዃኑ የረጋግፅ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ስምምዕ ፕሪቶርያ እናጠሓሰን ንህዝቢ ትግራይ እናጓነየን ኣብ ልዕሊኡ ተፈፀምቲ ዝኾኑ ኣዋጃት፣ ደንቢታትን መምርሒታትን በይኑ ዝውሰነሉ ኩነታት ብስፍሓት እናተርኣየ ይመፅእ ኣሎ። እዚ ኣካይዳ ተመሓይሹን ስምምዕ ፕሪቶርያ ተኸቢሩን ክልቴና ፈረምቲ ኣካላት ብፖለቲካዊ ዘተን ምርድዳእን ተሓባቢርና ክንሰርሕ ከም ዝግባእ ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ይኣምን፤ ከም ወትሩ ዘለዎ ቅሩብነት ‘ውን ይገልፅ። ብፍላይ ኣብ ትሕቲ ወረርቲ ዘሎ ህዝብናን ልኡላውነትናን ሓራ ንምውፃእን ዝተመዛበለን ዝተሰደደን ህዝብና ናብ መረበቱ ንምምላስን ናይ ቀዳምነታት ቀዳምነት ተዋሂብዎ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ብኣግባቡ ንኽፍፀም መንግስትን ህዝብን ኢትዮጵያ፣ ማሕበረ-ሰብ ዓለምን ካልኦት ዝምልከተኩም ኣካላትን ግቡእኹም ንኽትዋፃኡ ንፅውዕ።

ስምምዕ ፕሪቶርያ ውሽጣዊ ሰላምና ንምውሓስ ዘለዎ ልዑል ግደ ከም ዘለዎ ኾይኑ፤ ንዞባዊ ሰላምን ምርግጋዕን’ውን ዓብይ ኣበርክቶ ከምዘለዎ ኩሉ ዝርደኦ ሓቂ እዩ። ኣብ ከባቢና ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ዝምዕብሉ ዘለውን ናብ ጎንፂ ክወስዱ ዝኽእሉን ምትፍናናት ነዚ ዞባ ብሓፈሻ፡ ብቐንዱ ድማ ንትግራይ ዘለዎም ኩለመዳያዊ ሳዕቤን ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ብዝርዝር ገምጊሙዎ ኣሎ። ጄኖሳይዳዊ ኲናት ትግራይ ዘብፀሖ በሰላ ገና ኣብ ዘይሓወየሉን እቲ ቅልውላው መልክዑ ቀይሩ እናቐፀለ ኣብ ዘለሉን እዋን፤ እዞም ንከባቢና ዝህውኹን ሰላምና ዝዘርጉን ምንቅስቓሳት ሳዕቤኖም ኣዝዩ ከቢድ ስለ ዝኾነ ብጥንቃቐ ክረኣዩን ብሰላማዊ መንገዲ ንምፍታሕ ዘድሊ ፃዕሪ ክግበር ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት የዘኻኽር። ኣብዚ ኩነታት ዝዋስኡ ዘለዉ ሓይሊታት ፍልልዮም ብሰላማውን ዲፕሎማሲያውን መንገዲ ንኽፈትሑ ኩሎም ዝምልከቶም ኣካላት ኣድላዪ ፃዕሪ ንኽገብሩ ንፅውዕ። ከም ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን እውን ሰላምን ምርግጋዕን እዚ ዞባ ንምውሓስ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ እጃምና ከም እንዋፃእ ነረጋግፅ።

ዝኸበርካ ኣብ ውሽጢ ዓድን ወፃእን እትነብር ህዝብና፣ ዝኸበርካ ኣብ ትሕቲ ወረርቲ ሓይልታት ኮይንካ እትሳቐ ዘለኻ ህዝብና፣ ዝኸበርኩም ካብ ሙዉቕ ገዛኹም ተመዛቢልኩምን ተስዲድኩምን ዘለኹም ወገናትና፣ ኣመራርሓን ኣባላትን ህወሓት፣ ሓይሊታት ፀጥታ ትግራይ፣ ስድራ ስዉኣት፣ ተጋደልትን ነባራት ዓቕምን፣ መናእሰይን ደቂ ኣነስትዮን ብዘካየድኩምዎ ዘይተሓለለ ቃልስን ዘርኣኹምዎ ፅንዓትን እቲ ንቁልፊ ሓላፍነት ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ተቖፃፂሩ ዝፀንሐ ጉጅለ ብሄራዊ ክሕደት ክገልስን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብንቡር ንኽመዓራረን ጥጡሕ ባይታ ፈጢርኩም ኣለኹም። ዘለኩም ኩሉ ዓይነት ፀገማት ተፃዊርኩም ቀዳምነት ክወሃቦ ኣብ ዝግባእ ኣጀንዳ ዓሲልኩም ንዘካየድኩምዎ ቃልሲ ህወሓት ዘለዎ ክብሪ ዝለዓለ ምዃኑ እናገለፀ፤ ተባራዕቲ ሕቶታት ህዝቢ ትግራይ ንምምላስ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብ ዘካይዶ ኩለ-መዳይ ምንቅስቓስ ህወሓት ታሪኻዊ ግቡኡ ከም ዝፍፅም ደጊሙ የረጋግፅ።

ዘለኣለማዊ ክብርን ሞጎስን ንስውኣትና!

ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት

Leave a Reply

Discover more from Tigrai Academy

Subscribe now to keep reading and get access to the full archive.

Continue reading