ኣብ ጥቅምቲ 2013 ብፌደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን መላፍንቱን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተኸፍተ ናይ ፅንተት ኲናት ብጅግንነት መኪቱ ንፅላእቱ ኣገዲዱ ናብ ስምምዕ ደው ምባል ተፃብኦ እኳ እንተምፅኦም፣ እቲ ተስፋ ዘንበረሉ ውዕል ፕሪቶሪያ ብሽርሒ መንግስቲ ኢትዮጵያን ብሕመቕ ነቲ ውዕል ኸተግብሩ ሓላፍነት ዝተዋህቦም መራሕቲ ትግራይን እንተይተተግበረ ክልተ ዓመት ሓሊፍዎ፣ ህዝብና ኣብ ሰንፈለልን ቅልውላውን ወዲቑ ኣብዝነበረሉ ኩነታት፣ ሓይልታት ሰላምን ፀጥታን ትግራይ ህዝባዊ ሓላፍነቶምን ሕድሪ ስውኣት ብፆቶምን ምርኩስ ገይሮም ንህዝቢ ትግራይ ካብ ቅልውላውን ሰንፈላልን ዘውፅን ነቲ ቅጥዒ ዝሰኣነ ፀገማት ክፈትሕ ዝኽእል ውሳነታት ዕላዊ ኣብዝገበረሉ እዋን ነቲ ዝተወሰነ ውሳነ ብምድጋፍ፣ ብቕልጡፍ ተግባራዊ ንኽኸውን ፃዊዒት ከምዘቕረብና ይፍለጥ እዩ።
እዚ ዝለዓለ ህዝባዊ ደገፍ ዝረኸበ ውሳነ ሓይልታት ሰላምን ፀጥታን ትግራይ ቀልጢፉ ኣብ ግብሪ ብዘይምውዓሉ ፀገም ህዝብና እናተጋደደ ኣብልዕሊ ምኽያዱ ህዝቢ እውን መረረቱን ቅሬትኡን ብዝተፈላለየ መልክዕ እናገለፀ ይርከብ። ከም መርኣያ ድማ ኣብ መጋቢት 1 2017 ካብ ተፈናቐልቲ ምዕራብ ትግራይ ዝተወከሉ ሽማግለታት ናብ ቤት ፅሕፈት ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ከይዶም ሰማዒ ብዘይምርካቦም ዘቕረብዎ መረረት ተኸታቲልናዮ ኢና።
እዚ ህዝቢ ፀገመይ ከፈትሐለይ እዩ ኢሉ ተስፋ ዘንበረሉን ምሉእ ህዝባዊ ደገፍ ዝረኸበን ውሳነታት ሓይልታት ሰላምን ፀጥታን ትግራይ ምትግባሩ ናይ ግድን ከም ምዃኑ ንሱ ንኸይትግበር ዝግበር ዝኾነ ይኹን ሽርሕን ዕንቅፋትን ብፅኑዕ እናኾነንና፣ ኣብ ከምዚ ዝበለ ኣሉታዊ ተግባራትን ናይቲ ክቡር ሰራዊት ትግራይ ስም ኣብ ምፅላምን ዝሳተፉ ኣካላት ኩሎም ካብዚ ተግባራቶም እዚ ንኽዕቀቡ ብኣፅንኦት ንፅውዕ። ብኻልእ ገፅ እቲ ውሳነታት ሓይልታት ሰላምን ፀጥታን ትግራይኣተገባብርኡ ውሕሉልን ንናይ ህዝብና ሰላምን ድሕንነትን ዕለታዊ ሰላማዊ ምንቅስቓስን ውሑስ ብዝገብር ኣገባብ ከምዝፍፀም እምነትና ፅኑዕ እኳ እንትኾነ፣ ኣብዚ ኣፈፃፅማ እዚ ዝሳተፉ ኹሎም ሰላምን ደህንነትን ህዝቢ ትግራይ ብዘረጋግፅ ስልቲ ንኸኸዱ ሓደራ ንብል።
ኣንቱም ኣብ እዋን ጭንቂ ቤዛ ህዝብኹም ንኽትኮኑ ሰገጥ ዘይትበሉ ውሉዳት ህዝቢ ትግራይ ዝኾንኹም ሓይልታት ሰላምን ፀጥታን ትግራይ ሕዚ እውን ምእንቲ ህዝብኹም እትኸፍልዎ ንዘለኹም ሰፍ ዘይብል መስዋእትነት ዘለና ዝለዓለ ኣድናቖትን ክብርን እናገለፅና፣ ውሳነታትኩም ንምትግባር ኣብ እትገብርዎ ፃዕሪ ድማ ካባና ዝድለ ዘበለ ሓገዝ ኩሉ ንምፍፃም ድልዋት ምዃና ከነረጋግፅ ንፈቱ።
ፍትሕን ርትዕን ንህዝብና!!!
ሓይሊ ሰላምን ፀጥታን ትግራይ ዋሕስ ህዝብና እዩ!!!
ዘለኣለማዊ ክብርን ሞገስን ንሰማእታትና!!!
ማሕበር ተጋሩ ሰሜን ኣሜሪካ (ማተሰኣ)
ዋሽንግቶን ዲሲ መጋቢት 2, 2017 ዓ.ም



Leave a Reply