Category: NEWS
-
ግብፂ ኣብ ኲናት ሕድሕድ ሱዳን ብቀጥታ ትሳተፍ ከምዘላ ተሓቢሩ።

ግብፂ ኣብ ምዕራባዊ በረኻ ዝሃነፀቶ ወተሃድራዊ መዕርፎ ነፈርቲ ተጠቒማ ኣብ ኲናት ሕድሕድ ሱዳን ብቀጥታ ምስታፍ ከምዝጀመረት ኒውዮርክ ታይምስ ብምርመራ ከምዘረጋገፀ ዕላዊ ገይሩ። ኒውዮርክ ታይምስ ናይ ሳተላይት ምስልታት ተጠቒሙ ፣ናይ በረራ መረዳእታታትን ምዕራባውያን ዲፕሎማሰኛታት ብምፅራሕ ከምዝፀብፀቦ ሰራዊት ግብፂ ኣብ ዝሓለፉ 6ተ ኣዋርሕ ኣብ ልዕሊ ብመሓመድ ሃምዳን ዳጋሎ (ሄሚቲ) ዝምርሑ ዕጡቓት ሓይልታት ቅልጡፍ ወሃብቲ ደገፍ ደብዳብ ድሮን…
-
ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ናይ ሎምዓንቲ ናይ ፓርላማ ውዕሎኡ ብዛዕባ ምዕራብ ትግራይ እንታይ ኢሉ ?

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ጉዳይ ምዕራብ ትግራይ ባዕሉ ይኹን እቲ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ውሳነ ከመሓላልፉ ከምዘይኽእሉ ገሊፁ። ቀዳማይ ሚኒርተር ኣብዪ ነዚ ዝገለፀ ሎምዓንቲ ኣብ ዝተኻየደ 5ይ ዘመን 10ይ መደበኛ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ እንትኾን ” ኣብ ጉዳይ ህልውና ህዝቢ ወልቃይት ክውስን ዝኽእል ኣብቲ ከባቢ ዝነብር ህዝቢ እዩ” ክብል ዝገለፀ እቲ…
-
ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ትግራይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ጨፍጫፍ ድሮን ኣካይዱ ።

ናብ ሎሚ ዘውግሕ ለይቲ ካብ 9:30 ክስብ 10:00 ሰዓት ብዝተፈፀመ ናይ ድሮን መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ክልተ ናይ ፅዕነት ኣይሱዚ ጉድኣት ኣብፂሑ ኣሎ። እቲ ቁምብላ ድሮን ኣብ ጋቢና እተን መካይን ከም ዝዓለበን በቲ ደብዳብ ድማ ሓደ መራሒ መኪና ህይወቱ ክስእን እንከሎ፡ ካልእ ተሓጋጋዚ ድማ ቈሲሉ ሆስፒታል ከም ዝኣተወ ኣዛዚ ፖሊስ እታ ከተማ ዋና ኢንስፔክተር ተስፋይ ኣማረ…
-
ሰራዊት ሱዳን ኣብ ግምባር ደቡባዊ ኮርዳፋን ወሰንቲ ወታሃድራዊ ዓወታት ከምዝሓፈሰ ተሓቢሩ።

ሰራዊት ሱዳን ትማሊ ሶኒ ኣብ ደቡብ ኮርዶፋን ምስ ሓይልታት ቅልጡፍ ወሃብቲ ደገፍ (RSF) ድሕሪ ዘካየዶ ብርቱዕ ኵናት ንስትራቴጂካዊት ከተማ ሃቢላ ከምዝተቖፃፀረ ሱዳን ቱሪቡን ፀብፂቡ። ብጀነራል ኣብደል-ፋታህ ኣልቡርሃን ዝምራሕ ሰራዊት ሱዳን ንከተማ ሃቢላ ንምቁፅፃር ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ ጀሚሩ ኣንፃር ሓይልታት ወሃብቲ ደገፍ (RSF)ን መሻርኽቲ እዚ ዕጡቕ ሓይሊ RSF ከምዝኾነ ዝተገለፀ ምንቅስቓስ ሓርነት ህዝቢ ሱዳን (Sudan…
-
ኣሜሪካ ካብ ውድብ ጥዕና ዓለም( WHO) ከምዝወፀት ተገሊፁ።

ኣሜሪካ ቅድሚ ሓደ ዓመት ኣቢላ ብዝሃበቶ መጠንቀቅታ መስረት ካብ ኣባልነት ኣካል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝኾነ ውድብ ጥዕና ዓለም (WHO) ከምዝወፀት ኣፍሊጣ። ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ንኻልኣይ ግዜ ስልጣን ኣብ ዝሓዝሉ እዋን ኣብ ናይ መጀመርያ ወርሖም ካብ ዝወሰድዎ ፕረዚደንታዊ ውሳኔታት ሓደ ዝኾነ ካብ ኣባልነት ውድብ ጥዕና ዓለም ናይ ምውፃእ ተበግሶ ሎሚ 15 ጥሪ 2018 ዓ/ም ተግባራዊ ኮይኑ…
-
ኣብ ክልል ዓፋር ልዕሊ 2.6 ሚልዮን ዓመታት ዘቑፀረ ሓዱሽ ናይ ደቂ ሰባት ኣሰር (ቅሪት ኣካል) ተረኺቡ።

ኣብ ክልል ዓፋር ልዕሊ 2.6 ሚልዮን ዓመታት ዘቑፀረ ሓዱሽ ናይ ደቂ ሰባት ኣሰር (ቅሪት ኣካል) ተረኺቡ። ኣብ ክልል ዓፋር ኣብ ዝርከብ ሚሌ-ሎግያ ዝተብሃለ ቦታ ቅድሚ ሐዚ ተረኺቡ ዘይፈልጥ “ፓራንትሮፐስ” (Paranthropus) ዝተብሃለ ዕድመ 2.6 ሚልዮን ዓመታት ዘለዎ ቅሪተ ኣካል ከምዝተረኸበ ተሓቢሩ እዩ። እዚ ኣሰር (ቅሪተ ኣካል) ደቂ ሰባት ፤ ብዓውዲ ምርምር ብደረጃ ዓለም ለኸ ተፈላጢ ብዝኾኑ…
-
“ግድብ ኣባይ ግብፃውያን ንሚልዮን ዓመታት ማይ ብዘይረኽብሉ ኣገባብ እዩ ተሰሪሑ።” ዶናልድ ትራምፕ

ፕረዚዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ዙርያ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ንክዛተዩ ንቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብዪ ኣሕመድን ፕረዚዳንት ሃገረ ግብፂ ኣብዱል ፋታህ ኣልሲሲን ከራኽቡዎም ከምዝደልዩ ተዛሪቦም። ትራምፕ ነዚ ዝገለፁ ኣብ ዳቮስ ኣብ ዝካየድ ዘሎ World Economic Forum ምስ ፕረዚደንት ግብፂ ኣብደልፈ ፋታህ ኣልሲሲ ድሕሪ ዘካየድዎ ክልተኣዊ ዘተ እዩ። “እዚ ግድብ ኣብ ዓለም ካብ ዘለው ዓበይቲ ግድባት…
-
ግዝያያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጀሚርዎ ዘሎ እቶት ናይ ምትእኽኻብ ከይዲ ገና ከይተጀመረ ክፈሽል ብዙሓት ዘመተታት ይግበረሉ ኣሎ ክበሉ ጀነራል ታደሰ ወረደ ገሊፆም።

ግዝያያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጀሚርዎ ዘሎ እቶት ናይ ምትእኽኻብ ከይዲ ገና ከይተጀመረ ክፈሽል ብዙሓት ዘመተታት ይግበረሉ ኣሎ ክብሉ ፕረዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደ ገሊፆም። ፕረዚዳንት ጀነራል ታደሰ ወረደ ሎሚ ኣብ ዝተኻየደ መኽፈቲ መድረኽ መተኣኻኸቢ እቶት ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ እንትኾን እቶም ፕረዚዳንት እዚ ብሄራዊ መድረኽ መተኣኻኸቢ እቶት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ህልውናና ኣብ ሰናይ ድሌትን…
-
ግብፂ ግድብ ህዳሰ ኣብ ልዕሊ ሱዳንን ግብፅን ኣብፂሕዎ እዩ ንዝበሎቶ ጉድኣት ኢትዮጵያ ክትክሕሰን ሓቲታ።

ግብፂ ንጉዳይ ህዳሴ ግድብ ኣመልኪታ እትጥቀመሎም ዝነበረት መከራኸርታት ብምቕያር እቲ ግድብ ኣብ ልዕሊ ግብፅን ሱዳንን ኣብፂሕዎ እዩ ንዝበለቶ ጉድኣት ካብ ኢትዮጵያ ካሕሳ ንክወሃበን ሓቲታ። ሚኒስትሪ ሃፍቲ ማይን መስኖን ግብፂ ዝኾኑ ሀኒ ስዊለም ኣብ ዝሓለፈ ሰምበት ኣብ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ግብፂ ቀሪቦም ከም ዝተዛረብዎ ኣብ ሩባ ኣባይ ከም ግድብ ህዳሴ ዝበሉ ዓበይቲ ህንፀታት ብበየናዊ ኣገባብ…
-
ኣርቲስት ነፃነት ወርቅነህ ካብዚ ዓለም ብሞት ተፈልዩ።

ኣርቲስት ነፃነት ወርቅነህ ብዘጋጠሞ ድንገተኛ ሕማም ምኽንያት ሎሚ ረፋድ ካብዚ ዓለም ብሞት ከምዝተፈለየ ኢቢ ኤስ ቴሌቭዥን ኣፍሊጡ። ኣርቲስት ነፃነት ወርቅነህ ብኣቕራቢ ቴሌቪዥን ፕሮግራም፣ ብተዋሳኢነትን ብካልኦት ናይ ሰነጥበብ ስራሕቱ ኣዝዩ ዝለዓለ ተፈታውነት ዘጥረየ ኣርቲስት እንትኾን ሎሚ ረፋድ ብድንገት ካብዚ ዓለም ብሞት ከምዝተፈለየ ኢቢ ኤስ ቴሌቪዥን ኣፍሊጡ። ንብርክት ዝበሉ ዓመታት ኣብ ኢ ቢ ኤስ ቴሌቪዥን ዝመሓላለፍ “የቤተሰብ…

