ኣብ ክልል ዓፋር ልዕሊ 2.6 ሚልዮን ዓመታት ዘቑፀረ ሓዱሽ ናይ ደቂ ሰባት ኣሰር (ቅሪት ኣካል) ተረኺቡ።

ኣብ ክልል ዓፋር ልዕሊ 2.6 ሚልዮን ዓመታት ዘቑፀረ ሓዱሽ ናይ ደቂ ሰባት ኣሰር (ቅሪት ኣካል) ተረኺቡ። ኣብ ክልል ዓፋር ኣብ ዝርከብ ሚሌ-ሎግያ ዝተብሃለ ቦታ ቅድሚ ሐዚ ተረኺቡ ዘይፈልጥ “ፓራንትሮፐስ” (Paranthropus) ዝተብሃለ ዕድመ 2.6 ሚልዮን ዓመታት ዘለዎ ቅሪተ ኣካል ከምዝተረኸበ ተሓቢሩ እዩ።

እዚ ኣሰር (ቅሪተ ኣካል) ደቂ ሰባት ፤ ብዓውዲ ምርምር ብደረጃ ዓለም ለኸ ተፈላጢ ብዝኾኑ ኣብ ኣሜሪካ ፡ ዩኒቨርሰቲ ቺካጎ ተመራማሪ ዝኾኑ ፕሮፌሰር ዘርአሰናይ ዓለምሰገድ ብዝተመርሐ ጉጅለ ምርምር ዝተረኽበ እንትኾን እዚ ቅሪተ ኣካል ቅድሚ ሐዚ ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዝተረኸቡ ዓሌታት ዝተፈለየን ሓዱሽን ሙዃኑ እቶም ተመራመርቲ ከምዘረጋገፁ ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ ፀብፂቡ።

እቲ ብፕሮፌሰር ዘርኢሰናይ ኣለምሰገድ ዝተመርሐ ጕጅለ ምርምር ኣብ ክልል ዓፋር ኢትዮጵያ 2.6 ሚሊዮን ዓመታት ዘቑፀረ ቅሪት ኣካል ዓሌት “ሆሚኒን” ንፈለማ እዋን ከም ዝረኸበ እዩ ገሊፁ።

እቲ ቅሪት ኣካል “ፓራንትሮፐስ” ዝብል ስያመ ዝተውሃቦ ኾይኑ ፤ ፕሮፌሰር ዘርኢሰናይ ኣለምሰገድ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ከምዝሓበርዎ ድማ “ፓራንትሮፐስ” ኣብ ዓፋር ዘይምህላዉ ንነዊሕ እዋን ንተመራመርቲ ኣደናጊሩ ከም ዝነበረን ብዙሓት ድማ ናብ ዓፋር ኣይመፅአን ኢሎም ከም ዝደምደሙን ድማ ገሊፆም።

ፕሮፌሰር ዘርአሰናይ ወሲኾም ከምዝገለፅዎ ድማ እዚ “ፓራንትሮፐስ” ዝተብሃለ ዓሌት ከባብታት ናይ ምልማድ ዝለዓለ ክእለት ዝነበሮ ብሙዃኑ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ይነብር ከምዝነበረ ብመፅናዕቶም ከምዘረጋገፁ ጠቒሶም እዮም።

ምክትል ዳይሬክተር ሓለዋ ሓድጊ (ቅርሲ) ኢትዮጵያ ኣይተ ኤልያስ ሽኩር ነዚ ኣመልኪቶም ኣብዝሃብዎ ርኢቶ ድማ እዚ ኣሰር (ቅሪተ ኣካል) ኣብ ኢትዮጵያ ብምርካቡ ኢትዮጵያ ናይ ወድሰብ ሰብ ዘርኢ መቦቀል ሙኻና ዘረጋግፅ እዩ ዝበሉ እንትኾን እዚ ድማ ንዕብየት ቱሪዝምን ዲፕሎማሲያዊ ምንቅስቓስን ኢትዮጵያ ዝለዓለ እጃም ከምዝህልዎ ብምግላፅ ፤ ኣብዚ ዓውዲ ተመራመርቲ መናእሰይ ንምፍራይ እውን ምልዕዓል ዝፈጥር እዩ ኢሎም።

ብተወሳኺ ንፕሮፌሰር ዘርኢሰናይ ኣለምሰገድ “እንኳዕ ደስ በለካ” ብምባል፥ ከምዚኦም ዝበሉ ኣጋጣምታት ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ኣሜሪካን ዘሎ ዓሚቕ ትምህርታዊን ባህላዊን ምትእስሳር ከምኡ’ውን ንሳይንስን ሓዱሽ ውፅኢት ምርምርን እንህቦ ሓበራዊ ዋጋ ዘጠናኽር እዩ ክብል ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዕላዊ ናይ ፌስቡክ ኣድራሽኡ ገሊፁ እዩ።

Leave a Reply

Discover more from Tigrai Academy

Subscribe now to keep reading and get access to the full archive.

Continue reading