ኣርቲስት ነፃነት ወርቅነህ ካብዚ ዓለም ብሞት ተፈልዩ።

ኣርቲስት ነፃነት ወርቅነህ ብዘጋጠሞ ድንገተኛ ሕማም ምኽንያት ሎሚ ረፋድ ካብዚ ዓለም ብሞት ከምዝተፈለየ ኢቢ ኤስ ቴሌቭዥን ኣፍሊጡ። ኣርቲስት ነፃነት ወርቅነህ ብኣቕራቢ ቴሌቪዥን ፕሮግራም፣ ብተዋሳኢነትን ብካልኦት ናይ ሰነጥበብ ስራሕቱ ኣዝዩ ዝለዓለ ተፈታውነት ዘጥረየ ኣርቲስት እንትኾን ሎሚ ረፋድ ብድንገት ካብዚ ዓለም ብሞት ከምዝተፈለየ ኢቢ ኤስ ቴሌቪዥን ኣፍሊጡ።

ንብርክት ዝበሉ ዓመታት ኣብ ኢ ቢ ኤስ ቴሌቪዥን ዝመሓላለፍ “የቤተሰብ ጨወታ” ናይ ዝብል ፕሮግራም ኣዳላውን ኣቕራብን ዝነበረ ኣርቲስት ነፃነት ወርቅነህ በዓል ሓዳርን ኣቦ ሰለስተ ቆልዑን ከምዝነበረ ኢቢኤስ ቴሌቪዥን ገሊፁ እዩ።

Leave a Reply

Discover more from Tigrai Academy of Sciences and Technology (TAST)

Subscribe now to keep reading and get access to the full archive.

Continue reading