Category: NEWS
-
ኣብ ክልል ዓፋር ልዕሊ 2.6 ሚልዮን ዓመታት ዘቑፀረ ሓዱሽ ናይ ደቂ ሰባት ኣሰር (ቅሪት ኣካል) ተረኺቡ።

ኣብ ክልል ዓፋር ልዕሊ 2.6 ሚልዮን ዓመታት ዘቑፀረ ሓዱሽ ናይ ደቂ ሰባት ኣሰር (ቅሪት ኣካል) ተረኺቡ። ኣብ ክልል ዓፋር ኣብ ዝርከብ ሚሌ-ሎግያ ዝተብሃለ ቦታ ቅድሚ ሐዚ ተረኺቡ ዘይፈልጥ “ፓራንትሮፐስ” (Paranthropus) ዝተብሃለ ዕድመ 2.6 ሚልዮን ዓመታት ዘለዎ ቅሪተ ኣካል ከምዝተረኸበ ተሓቢሩ እዩ። እዚ ኣሰር (ቅሪተ ኣካል) ደቂ ሰባት ፤ ብዓውዲ ምርምር ብደረጃ ዓለም ለኸ ተፈላጢ ብዝኾኑ…
-
“ግድብ ኣባይ ግብፃውያን ንሚልዮን ዓመታት ማይ ብዘይረኽብሉ ኣገባብ እዩ ተሰሪሑ።” ዶናልድ ትራምፕ

ፕረዚዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ዙርያ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ንክዛተዩ ንቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብዪ ኣሕመድን ፕረዚዳንት ሃገረ ግብፂ ኣብዱል ፋታህ ኣልሲሲን ከራኽቡዎም ከምዝደልዩ ተዛሪቦም። ትራምፕ ነዚ ዝገለፁ ኣብ ዳቮስ ኣብ ዝካየድ ዘሎ World Economic Forum ምስ ፕረዚደንት ግብፂ ኣብደልፈ ፋታህ ኣልሲሲ ድሕሪ ዘካየድዎ ክልተኣዊ ዘተ እዩ። “እዚ ግድብ ኣብ ዓለም ካብ ዘለው ዓበይቲ ግድባት…
-
ግዝያያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጀሚርዎ ዘሎ እቶት ናይ ምትእኽኻብ ከይዲ ገና ከይተጀመረ ክፈሽል ብዙሓት ዘመተታት ይግበረሉ ኣሎ ክበሉ ጀነራል ታደሰ ወረደ ገሊፆም።

ግዝያያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጀሚርዎ ዘሎ እቶት ናይ ምትእኽኻብ ከይዲ ገና ከይተጀመረ ክፈሽል ብዙሓት ዘመተታት ይግበረሉ ኣሎ ክብሉ ፕረዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደ ገሊፆም። ፕረዚዳንት ጀነራል ታደሰ ወረደ ሎሚ ኣብ ዝተኻየደ መኽፈቲ መድረኽ መተኣኻኸቢ እቶት ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ እንትኾን እቶም ፕረዚዳንት እዚ ብሄራዊ መድረኽ መተኣኻኸቢ እቶት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ህልውናና ኣብ ሰናይ ድሌትን…
-
ግብፂ ግድብ ህዳሰ ኣብ ልዕሊ ሱዳንን ግብፅን ኣብፂሕዎ እዩ ንዝበሎቶ ጉድኣት ኢትዮጵያ ክትክሕሰን ሓቲታ።

ግብፂ ንጉዳይ ህዳሴ ግድብ ኣመልኪታ እትጥቀመሎም ዝነበረት መከራኸርታት ብምቕያር እቲ ግድብ ኣብ ልዕሊ ግብፅን ሱዳንን ኣብፂሕዎ እዩ ንዝበለቶ ጉድኣት ካብ ኢትዮጵያ ካሕሳ ንክወሃበን ሓቲታ። ሚኒስትሪ ሃፍቲ ማይን መስኖን ግብፂ ዝኾኑ ሀኒ ስዊለም ኣብ ዝሓለፈ ሰምበት ኣብ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ግብፂ ቀሪቦም ከም ዝተዛረብዎ ኣብ ሩባ ኣባይ ከም ግድብ ህዳሴ ዝበሉ ዓበይቲ ህንፀታት ብበየናዊ ኣገባብ…
-
ኣርቲስት ነፃነት ወርቅነህ ካብዚ ዓለም ብሞት ተፈልዩ።

ኣርቲስት ነፃነት ወርቅነህ ብዘጋጠሞ ድንገተኛ ሕማም ምኽንያት ሎሚ ረፋድ ካብዚ ዓለም ብሞት ከምዝተፈለየ ኢቢ ኤስ ቴሌቭዥን ኣፍሊጡ። ኣርቲስት ነፃነት ወርቅነህ ብኣቕራቢ ቴሌቪዥን ፕሮግራም፣ ብተዋሳኢነትን ብካልኦት ናይ ሰነጥበብ ስራሕቱ ኣዝዩ ዝለዓለ ተፈታውነት ዘጥረየ ኣርቲስት እንትኾን ሎሚ ረፋድ ብድንገት ካብዚ ዓለም ብሞት ከምዝተፈለየ ኢቢ ኤስ ቴሌቪዥን ኣፍሊጡ። ንብርክት ዝበሉ ዓመታት ኣብ ኢ ቢ ኤስ ቴሌቪዥን ዝመሓላለፍ “የቤተሰብ…
-
ኢመራት ዓረብ ሰራዊታ ከብ ሶማልያ ተውፅእ ከምዘላ ተሓቢሩ።

ሶማልያ ምስ ኢማራት ዓረብ ዝነበራ ስምምዕነት ምቁራፃ ስዒቡ ኢማራት ዓረብ ሰራዊታ ካብ ቦሳሶ ተውፅእ ኣላ። ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ መንጎ ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ዘሎ ንሕንሕ እናተጋደደ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ ኢማራት ካብ ዝተፈላለዩ ወተሃደራዊ መዓስከራት ሶማልያ ወተሃደራዊ ናውትን ኣባላታን እናውፀአት ከም ትርከብ ተገሊፁ። ከም ፀብፃብ ሚድል ኢስት ኣይ ኣብ ግዝኣት ሶማልያ ዝኾነት ፑንትላንድ…
-
ኣብ ኣዝዩ ዝኸፍአ ናይ ሂወት ሓደጋ ዝርከቡ ተመዛበልቲ ፀገሞም ብዘላቕነት ንምፍታሕ ክንረባረብ ይግባእ” ጀነራል ታደሰ ወረደ

ዘላቒ መፍትሒ ንተመዛበልቲ ትግራይ ኣብ ዝብል ዛዕባ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ጀነራል ታደሰ ወረደ ምስ ዝምልከቶም መዳርግቲ ኣካላት ሎሚ ጥሪ 4/2018 ዓ/ም ዘትዮም። ፕረዚደንት ጀነራል ታደሰ ኣብ ውሽጢ ትግራይ ይኹን ካብ ትግራይ ወፃኢ ብፍላይ ድማ ኣብ ሱዳን ዝርከቡ ተመዛበልቲ ወገናት ከቢድ ናይ ጥምየት ሓደጋ ኣጋጢምዎ ከም ዘሎ ብምግላፅ ዘለዎም ፀገም ብዘላቕነት ኣብ ምፍታሕ መንግስቲ ምስ ዝምልከቶም…
-
መቐመጢኡ ኣብ ፖርት ሱዳን ገይሩ ዝነበረ ወተሃደራዊ መንግስቲ ሱዳን ድሕሪ ኣስታት ሰለስተ ዓመት ናብ ርእሰ ከተማ ካርቱም ተመሊሱ።

መቐመጢኡ ኣብ ፖርት ሱዳን ገይሩ ዝነበረ ወተሃደራዊ መንግስቲ ሱዳን ድሕሪ ኣስታት ሰለስተ ዓመት ናብ ርእሰ ከተማ ካርቱም ተመሊሱ። ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ካሚል እድሪስ ትማሊ ሰንበት ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ናይ “ተስፋ መንግስቲ” ብዕሊ ናብ ካርቱም ተመሊሱ ኣሎ ክብሉ ዝገለፁ እንትኾን ነቶም ብኲናት ዝተሃስዩ ሰዳናውያን ዝተመሓየሸ ኣገልግሎት ንምሃብ ፃዕርታት ክጅምር ምዃኑ ኣፍሊጡ። ብሰራዊት እታ ሃገር ዝምራሕ…
-
“ሞትን ስቓይን ህዝቢ ብመደናገሪ ኣጀንዳታት ንምኽዋል ምፍታን ናይ ገበን ገበን እዩ!” ሰሙናዊ መልአኽቲ ውድብ ህወሓት

ብሰንኪ ወረርቲ ካብ መረበቱ ተመዛቢሉ ኣብ ማእኸላት መዕቖቢ ውሽጢ ዓድን ስደትን ዝነብር ህዝብና ብሕማምን ጥሜትን ይሃልቕ ኣሎ። እዚ ብጥሜትን ሕማምን ዝሃልቕ ዘሎ ህዝብና ኣብ ከመይ ዝበለ ዝኸፍአ ኩነታት ከምዝርከብ ማሕበረሰብ ዓለም ክርዳእን እጃሙ ክዋፃእን ዘኽእል ርብርብ ምድሓን ሂወት ይካየድ ኣሎ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ መቐፀልታ እቲ ንስምምዕ ፕሪቶርያ ብምጥሓስ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዘካይዶ ዘሎ ሰላሕታዊ ጀኖሳይድ፤…
-
ዶናልድ ትራምፕ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ቬንዙዌላ ከበድቲ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ከምዘካየደት ኣፍሊጡ።

ዶናልድ ትራምፕ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ቬንዙዌላ ከበድቲ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ከምዘካየደት ኣፍሊጡ። ነዚ ስዒቡ ድማ ንቢቢሲ ሒዊሱ ዓበይቲ ማዕከናት ዜና ዓለምና ኣብ ርእሰ ከተማ ቬንዙዌላ ካራካስ ከበድቲ ደብዳብ ነፈርቲ ከምዝተፈፀመ እናፀብፀባ ይርከባ። እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ወተሃደራዊ ትካላትን መደበር ሓይሊ ኣየርን ቬንዝዌላ ከም ዝተፈጸመ ዘርእዩ ዝተፈላለዩ ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እናተዘርግሑ ይርከቡ። ኣሜሪካ ንፕረዚደንት ቬንዙዌላ ኒኮላስ ማዱሮን በዓልቲ…

