ብሰንኪ እቲ ኣብ መንጎ ኢራንን እስራኤልን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ዝተፈጠረ ምኽባር ዋጋ ነዳዲ፡ ኩባንያታት ነዳዲ ኣሜሪካ ዘይተሓሰበ ትርፊ ክረኽባ ከምዝገበረ ተሓቢሩ።
ኣብዚ ሐዚ እዋን ካብተን ዝለዓለ መጠን ነዳዲ ናብ ዕዳጋ ዓለም ዘቕርባ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ዝመፅእ ዝነበረ ነዳዲ ብሰንኪ እቲ ኲናት ምቁራፁ ስዒቡ ዝለዓለ ናህሪ ዋጋን ሕፅረት ቀረብን ከምዘጋጠመ እናተሓበረ ዘሎ እንትኾን፥ ከም ውፅኢቱ ድማ ነዳዲ ብ47 ሚኢታዊ ወሲኹ ይርከብ።
ብዚ ምኽንያት ድማ ነዳዲ ኣም ምሻጥ ዝሰርሓ ኩባንያታታት ኣሜሪካ ዝለዓለ ትርፊ ክረኽባ ከምዝኸኣላ ዝተገለፀ ኮይኑ፤ ከም መረዳእታ ባንኪ ኢንቨስትመንት እታ ሃገር ድማ ኩባንያታታት ነዳዲ ኣሜሪካ ኣብዚ ወርሒ ጥራሕ ኣስታት 5 ቢልዮን ዶላር ኣታዊ ክረኽባ ከምዝኽእላ ተንብዩ ኣሎ።
እቲ ዘሎ ምቁርራፅ ቀረብ ነዳዲ እንድሕር ዝቕፅል ኮይኑ ድማ ይብል እቲ ትንበያ፤ ኩባንያታት ኣፍረይቲ ነዳዲ ኣሜሪካ ኣብዚ ዓመት ኣስታት 60 ቢልዮን ዶላር ኣታዊ ዝረኽባሉ ዕድል ከምዘሎ ይገልፅ።
ራይስታድ ዝተብሃለ ኣብ መፅናዕቲታት ኢነርጂ ዝነጥፍ ትካል ከምዘመላኽቶ ድማ ኣብዚ ሐዚ እዋን ንሓደ በርሚል ነዳዲ ዝሽየጠሉ ዘሎ 100 ድላር ዋጋ እንድሕር ዝቕፅል ኮይኑ እተን ኩባንያታት መፍረይቲ ነዳዲ ኣሜሪካ ኣብዚ ዓመት ክረኽብኦ ዝኽእላ ኣታዊ ኣስታት 63.4 ቢልዮን ዶላር ክበፅሕ ከምዝኽእል የመላኽት።
ኣብዚ ሐዚ እዋን ዋጋ ሓደ በርሚል ነዳዲ 100 ዶላር በፂሑ ዝርከብ ኮይኑ፤ ፕረዚዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራም ነዚ ኣመልኪቶም ኣብ ናይ ማሕበራዊ መራኸቢ ኣድራሽኦም ከምዝገለፅዎ ድማ ” ኣሜሪካ ካብ ዓለምና እታ ዝዓበየት መፍረዪት ነዳዲ እያ ዝበሉ ኮይኖም፡ እንድሕር ዋጋ ነዳዲ ዝውስኽ ኮይኑ ድማ ብዙሕ ኣታዊ ክንረኽበሉ ኢና” ክብሉ ገሊፆም እዮም።
ብዚን ካልኦት ምኽንያታትን ኩባንያታት ነዳዲ ኣሜሪካ ተጠቀምቲ እናኾና ከምዘለዋ እናተገለፀ ዘሎ ኮይኑ እዚ ድማ ቅልውላው ማእኸላይ ምብራቕ ኣብ ዓበይቲ መፍረይቲ ነዳሐ ኩባንያታት ዓለም ፈጢሩዎ ዘሎ ዝተሓላለኸ ምስሊ ዘርኢ እዩ።
እቶም ኣብ ዓለምና ብስፍሓት ዝፍለጡ ኣፍረይቲ ነዳዲ ኩባንያታት ቶታል ኢነርጂስ፣ ኤክሶንሞቢል፣ ቼቭሮንን ሼልን ድማ መብዛሕትኡ ሃፍቶም ኣብ ሃገራት ሜእኸላይ ምብራቕ ብሙኻኑ ብሰንኪ ምዕፃው መስመር ንግዲ ወሽመጥ ሆርሙዝ ዝለዓለ ሃሰያ ከምዝበፅሐን እናተሓበረ ይርከብ።
ብፍላይ ኩባንያ መፍረዪ ነዳዲ ሼል ኣብ ኳታር ዝነበሩዎ ሓሙሽተ ዓበይቲ ኩባንያታት መፃረዪ ነዳዲ ምዕፃዎም ስዒቡ ካብ ኳታር ዘቕርቦም ዝነበሩ ዝተፃረዩ ተፈጥሮኣዊ ጋዝን ነዳዲን ንምቕፃል ካብ ዓቕሙ ንላዕሊ ከምዝኾኖ ኣፍሊጡ እዩ።
ማርቲን ሁስቶን ዝተብሃለ ስራሕ መካየዲ OMEGA OIL AND GAS ዝተብሃለ ኩባንያ ንመርበብ ሓበሬታ ፋይናንሻል ታይምስ ከምዝተዛረቦ ድማ “ኣብዚ ኩነተታት እዚ ዋላ ሓደ ተዓዋቲ የለን ዝበለ ኮይኑ” ብቲ ተፈጢሩ ዘሎ ናህሪ ዋጋ ዝጥቀም ኩባንያ የለን ብምባል ፤ ብሰንኪ ቅልውላው ካብ ዝተፈጠረ ናህሪ ዋጋ ካብ ዝርከብ ትርፊ ንላዕሊ ኣብ ዝተረጋግዐ ፍሰት ዕዳጋ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ማለት እውን ቅድሚ እቲ ኲናት ዝነበረ ኩነታት ከምዝበልፅ ሓቢሩ።
ኣብዚ ሐዚ እዋን ብሄራዊ ኩባንያታት ሃገራት ማእኸላይ ምብራቕ ብሰንኪ መጥቃዕቲ ኢራን ዝበፅሐን ዕንወት እናፀገና ዘለዋ ኮይነን፤ ምዕፃው መስመር ንግዲ ወሽመጥ ሆርሙዝ ዝምልከት ግን ሐዚ እውን ዘተሓሳስብ ኣጀንዳ እዘን ሃገራት ኮይኑ እናቐፀለ እዩ።
እዚ ከምዘሎ ኮይኑ ኣብ ቀረባ እዋን ንምውት ኣቡኡ ተኪኡ ዝተመረፀ መንፈሳዊ መራሒ ኢራን ምጅታባ ኻሜኒ ከም ዝገለፆ ድማ ሐዚ እውን ኢራን ንመስመር ንግዲ ወሽመጥ ሆርሙዝ ምዕፃው ከምእትቕፅልን ዝገለፁ ኮይኖም፤ ኢራን ሕዚ እውን ነዚ ጎሮሮ ብዙሓት ሃገራት ኣዕራብ ዝኾነ መሰመር ንግዲ ብምዕፃው ከም መደራደሪ ዓቕሚ ንምጥቃም እናፈተነት ትርከብ።
ብሰንኪ ቅልውላው ማእኸላይ ምብራቕ ተቛሪፁ ዘሎ ቀረብ ነዳዲ እንትረአ ድማ ኣስታት20 ሚኢታዊ ዝበፅሕ ፍርያት ነዳዲ ማለት እውን ካብ ሃገራት ኳታር፣ ኢመራት ዓረብ፣ ኢራቕ ዝቐርብ ፍርያት ነዳዲ ኣሰናኺሉ ከምዝርከብ ኣብ ዝግለፀሉ ዘሎ እዋን እዩ ፋይናንሻል ታይምስ ኩባንያታት ነዳዲ ኣሜሪካ ትርፋማ ዝኾናሉ ኩነታት ተፈጢሩ ከምዘሎ ዝፀብፀበ።
እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ድማ RBC capital Market ዝተብሃለ ተካል ዘውፀኦ ትንበያ ከምዘመላኽቶ ድማ እቲ ኩነታት ከምዘለዎ እንድሕር ዝቕፅል ኮይኑ ኣብዞም ቀፀልቲ 3ተ ወይ 4ተ ሰሙናት ዋጋ ሓደ በርሚል ነዳዲ ክሳብ 128 ዶላር ክበፅሕ ከምዝኽእል ኣመላኺቱ እዩ።



Leave a Reply