ሰራዊት ሱዳን ምስ ዕጡቓት ወሃብቲ ድጋፍ RSF ድሕሪ ዘካየዶ ውግእ ኣብ ጥቓ ዶብ ኢትዮጵያ ተወሰኽቲ ቦታታት መሊሱ ከምዝተቖፃፀረ ተሓቢሩ።

ሰራዊት ሱዳን ምስ ዕጡቓት ወሃብቲ ድጋፍ RSF ድሕሪ ዘካየዶ ውግእ ኣብ ጥቓ ዶብ ኢትዮጵያ ተወሰኽቲ ቦታታት መሊሱ ከምዝተቖፃፀረ ተሓቢሩ።

ሰራዊት ሱዳን ምስ ሓይልታት ቅልጡፍ ወሃብቲ ደገፍ RSF ደሰሕሪ ዘካየዶ ውግእ ኣብ ጥቓ ምስ ኢትዮጵያ ዘራኽባ ዶብ ሓደሽቲ ቦታታት ከምዝተቖፃፀረ መርበብ ሓበሬታ ዘ-ኣራብ ኒውስ ፀብፂቡ። ሰራዊት ሱዳን ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ቅልጡፍ ውሃብቲ ደገፍ RSF ከምኡ’ውን መሻርኽቱ ምንቅስቓስ ነፃነት ሱዳን – ሰሜን (SPLM-N) ከቢድ ኪሳራ ብምብፃሕ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ብሉ ናይል ክልል ኣብ ጥቓ ከተማ ኣል-ኩርሙክ እትርከብ ኣል ካይሊ ናብ ዝተብሃለት ቦታ ከምኣተወ ተገሊፁ እዩ።


እታ ኣብዚ ሐዚ እዋን ሰራዊት ሱዳን ተቖፃፂሩዋ ዘሎ ኣል ካይሊ ዝተብሃለት ቦታ ሓይልታት ቅልጡፍ ውሃብቲ ደገፍ ኣብ ዝላፈ ወርሒ መጋቢት ተቖፃፂሮማ ምንባሮም ዝዝከር እዩ።
እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ሓይልታት ውሃብቲ ቅልጡፍ ውሃብቲ ደገፍ ድማ ሰራዊት ሱዳን ኣብ ክልል ደቡብ ኮርዶፋን ብዘካየዶ ደብዳብ ድሮን 15 ንፁሃን ሰባት ቀቲሉ እዩ ክብሉ ከሲሶም እዮም። እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ምዕራብ ኮርዶፋን ኣብ ፅርግያ ኣቡ ዛባድ ኣብ ልዕሊ 37 ንፁሃን ዜጋታት ፅዒና እናተጓዓዘት ዝነበረት ተሽከርካሪት ከምዝተፈፀመ ዝተሓበረ ኮይኑ፡ ካብዚኦም እቶም 15 እንትሞቱ ካልኦት ቁፅሮም ዘይተገለፀ ሰባት ድማ ከምዝቖሰሉ ተሓቢሩ እዩ።

ፀብፃብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ከምዘመላኽቶ ድማ ኣብ ሱዳን ይካየድ ብዘሎ ኲናት ሕድሕድ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ ጀሚሩ ክልቲኦም ሓይልታት ብዝፍፅምዎ ደብዳብ ድሮን 700 ንፁሃን ዜጋታት ከምዝተቐተሉ የመላኽት።

ኣርባዕተ ዓመት መሊእዎ ዘሎ ኲናት ሕድሕድ ሱዳን ሕዚ እውን ተጋዲዱ እናቐፀለ ዘሎ እንትኾን፡ ሰራዊት ሱዳን ኣብ ጥቓ ዶብ ኢትዮጵያ ግዝኣት መሊሱ ከምዝተቖፃፀረ እናተገለፀሉ ዘሎ ኣብዚ ሰሙን ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብ ውጥጥ ኣትይሉ ኣብ ዘሎ እዋን እዩ። ሱዳን ኣብዚ ሰሙን ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበረ ኣምባሳደራ ዝፀወዐት እንትኾን፡ እዚ ድማ ብድሕሪ ሓይልታት ቅልጡፍ ውሃብቲ ደገፍ ዝፍፅምዎም ደብዳባት ድሮን ኢድ ኢትዮጵያ ኣሎ እዩ ብዝብል እዩ። ሱዳን ካብዚ ብተወሳኺ ሰራዊታ ናብ ዶባት ኢትዮጵያ ዘፀገዐት እንትትኾን ነዚ ግብረ መልሲ ከምእትህብ ምግላፃ እውን ዝዝከር እዩ።

ሐዚ እውን እቲ ሓደ ዝኾነ ቦታ እንትመንጠል መሊሱ እናመንጠለ ኣብ ቀፃሊ ብረታዊ ጎንፂ ዘላ ሱዳን ዛጊድ ብሰንኪ እዚ ኲናት ሕድሕድ ካብ 150,000 ክሳብ 400,000 ዝበፅሑ ንፁሃን ዜጋታት ከምዝተቐተሉ ዝግለፅ እንትኾን፡ ካብ 12 ክሳብ 13 ሚልዮን ዝኸውን ህዝቢ ተመዛቢሉ፤ ኣስታት 25 ሚልዮን ህዝቢ ሱዳን ድማ ንጥሜት ተሳጢሑ ከምዝርከብ ፀብፃባት ይሕብሩ።

Leave a Reply

Discover more from Tigrai Academy

Subscribe now to keep reading and get access to the full archive.

Continue reading