Category: NEWS
-
ዋንነታ ናይ ኣሜሪካ ዝኾነት ወታሃደራዊ ኣውሮፕላን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ብስሕተት ተወቂዓ ከምዝወደቐት ተሓቢሩ።

ናይ ኣሜሪካ ወታሃድራዊ መርከብ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ብስሕተት ናይ ባዕሉ አውሮፕላን ወቂዑ ከምዘውደቐ ሰራዊት ኣሜሪካ ኣፍሊጡ። ክልቲኦም ፓይሎታት ድማ ብዘይምንም ጉድኣት ከምዝወፅኡ ገሊፁ። እቲ ክስተት ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኣብ ናይ የመን ርእሰ ከተማ ሰንዓ ዝርከብን ብዕጡቓት ሁቲ ዝውነን መኽዘን ሚሳኤላትን መእዘዚ ጣብያን ተኸታታሊ ደብዳብ ኣየር ድሕሪ ምክያዳ ከምዘጋጠመ ተገሊፁ ። ማእኸላይ እዚ ኣሜሪካ ከምዝገለፆ ኣብ…
-
ኳታር ናብ ኣውሮፓ ዝትልእኾ ነዳዲ ክተቋርፅ ከምእትኽእል ኣጠንቂቓ ።

ኳታር ናብ ኣውሮፓ ዝትልእኾ ነዳዲ ክተቋርፅ ከምእትኽእል ኣጠንቂቓ ። ኳታር ናብ ኣውሮፓ ብበዝሒ ነዳዲ ካብዝልእኻ ሃገራት ሓንቲ እያ ። ሕብረት ኣውሮፓ ቅድሚ ዝተወሰኑ ኣዋርሕ ምስ ሰብኣዊ መሰላትን ከባብያዊ ሓለዋን ዝተትሓሓዘ ሓዱሽ ሕጊ ኣውፂኡ እዩ። እዚ ሕጊ ብፍላይ መሰል ሰራሕተኛታት ዘየኽብሩን ከባብያዊ ፅሬት ብዘይሕሉ መንገዲ ዝተመረቱ ምህርትታት ናብ ኣውሮፓ ከይኣትው ዝኽልክል እዩ። ብሃፍቲ ነዳዲ እትፍለጥ ኳታር…
-
ሩስያ ብ ኣብልዕሊ ላዕለዋይ ጀነራላ ዘተፈፀመ ቅትለት ዝጠርጠረቶ ኤዝባኪስታናዊ መንእሰይ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅራ ከምዘውዕለቶ ገሊፃ።

ሩስያ ብ ኣብ ልዕሊ ላዕለዋይ ጀነራላ ዘተፈፀመ ቅትለት ዝጠርጠረቶ ኤዝባኪስታናዊ መንእሰይ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅራ ኣውዒላቶ። ሃገራዊ ድሕንንነት ሩስያ ኤፍ ኤስ ቢ (FSB) ምስ ቅትለት ጀነራል ኢጎር ኪሪሎቭ ብዝተትሓሓዘ ወዲ 29 ዓመት ኤዝባኪስታናዊ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዘውዓለት ተገሊፁ። ናይ ሩስያ መራሒ ሓይሊ ምክልኻል ኒዩክለር ፣ባዮሎጂን ኬሚካልን ዝነበረ ሌተናል ጀነራል ኢጎር ክሪሎቭ ትማሊ ካብ መንበሪ ገዝኦም እንተወፁ…
-
ናይ ሩስያ ኒክለር ክፍሊ ሓላፊ ኣብ ውሽጢ ሞስኮ ብዝተፈፀመ ናይ ቦምብ መጥቃዕቲ ተቐቲሎም ።

ናይ ሩስያ ኒክለር ክፍሊ ሓላፊ ኣብ ውሽጢ ሞስኮ ብዝተፈፀመ ናይ ቦምብ መጥቃዕቲ ተቐቲሎም ። ላዕለዋይ ጀነራል ሰራዊት ሩስያን ምክትሎምን ኣብ ሞስኮ ብዝተፈፀመ ናይ ተፈንጃሪ መጥቃዕቲ ከምዝተቐተሉ ተገሊፁ። ሌተናል ጀነራል ኢጎር ኪሪሎቭ ሓላፊ ክፍሊ ኒኩለር ፣ባዮሎጂ ኬሚካላትን ነይሮም። እቶም ጀነራል ሎሚ ሰሉስ ንጉሆ ካብ መንበሪ ገዝኦም እንትወፁ ስኩተር ኣብ ዝተብሃለ ተሽከርካሪ ዝተፀመደ ቦምብ ተፈንጂሩ ብዘብፅሖ ሓደጋ…
-
ፕረዚዳንት ፑቲን ምዕራባውያን ንትዕግስቲ ሩስያ ብምፍትታን ናብ ቀይሕ መሰመራ ይደፋፍእዋ ኣለው ክብሉ ከሲሶም።

ፕረዚዳንት ፑቲን ምዕራባውያን ንትዕግስቲ ሩስያ ብምፍትታን ናብ ቀይሕ መሰመራ ይደፋፍእዋ ኣለው ክብሉ ከሲሶም። ፕረዚዳንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ምዕራባውያን ናይ ሩስያ ትዕግስቲ እናተፈታተኑ ናብ ቀይሕ መሰመራ ይደፋፍእዋ ኣለው ክብሉ ከሲሶም። ፑቱን ምስ ናይ ሩስያ ሰራዊት ምክልኻል ኣመራርሓታት ኣብ ዝገበሩዎ ዘተ ሩስያ ንማንም ከምዘይትዕገስን ከምዚ እንተቐፂሉ ስጉምቲ ንምውሳድ ከምእትግደድን ተዛሪቦም። ብተወሳኺ ፕረዚዳንት ፑቲን ሩስያ ኣብ ዩክሬይን ናይ…
-
እስራኤል መንግስቲ ኣየርላንድ ፀረ እስራኤል ፖሊሲ ተኸቲሉ እዩ ብምባል ኣብ ኣየርላንድ ዝርከብ ኢምባሲኣ ከምእትዓፁ ኣፍሊጣ።

እስራኤል መንግስቲ ኣየርላንድ ፀረ እስራኤል ፖሊሲ ተኸቲሉ እዩ ብምባል ኣብ ኣየርላንድ ዝርከብ ኢምባሲኣ ከምእትዓፁ ኣፍሊጣ። እስራኤል መንግስቲ አየርላንድ ንፍልስጤም ናይ ሃገርነት ኣፍልጦ ምሃብ ሓዊሱ ብዝኽተሎ ዘሎ ጫፍ ዝረገፀ ፀረ እስራኤል ፖሊሲ ምኽንያት ኣብ ደብሊን አየርላንድ ዝርከብ ኤምባሲኣ ክትዓፅው ከምእተኽእል ኣፍሊጣ። አየርላንድ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጉንበት ንፍልስጤም ናይ ሃገርነት ኣፍልጦ ምሃባ ስዒቡ እስራኤል ኣምባሳደራ ፀዊዓ እያ።…
-
ቲክቶክ ዝተወሰነሉ ናይ እግድ ወሳነ ንክቕየር ዘቅረቦ ናይ ይግባይ ሕቶ ውድቂ ተገይሩ።

ቲክቶክ ዝተወሰነሉ ናይ እግድ ወሳነ ንክቕየር ዘቅረቦ ናይ ይግባይ ሕቶ ውድቂ ተገይሩ። መሰረቱ ኣብ ቻይና ዝገበረ ኩባንያ ቲክቶክ ኣብ ኣሜሪካ ናይ ድሕንነት ስግኣት ፈጢሩ እዩ ብምባል ንክእገድ ቅድሚ ኣዋርሕ ተወሲኑሉ ምንባሩ ዝዝከር እንትኾን ነዚ ስዓቡ ቲክቶክ ይግባይ ሓቲቱ እንዳተኸራኸረ ፀኒሑ እዩ። ዋንነቱ ናይ ባይት ዳንስ ኩባንያ ዝኾነ ቲክቶክ ኣብ ኣሜሪካ ልዕሊ 170 ሚልዮን ተጠቀምቲ ኣፍሪዩ…
-
ብኣደራዳራይነት ቱርኪ ኢትዮጵያ እና ሶማሊያ ኣብ ስምምዕነት ምብፀሐን ተገሊፁ።

ቅድሚ ሓደ ዓመት ኢትዮጵያ ምስ ዲፋክቶ ስቴት ዝኾነት ሶማሊላንድ ናይ ወደብ ስምምዕነት ምፍርራመን ዝዝከር እንትኾን ነዚ ስምምዕነት ስዒቡ ሶማልያ ሉኣላውነተይ ዝጥሕስ እዩ ብምባል ምስ ኢትዮጵያ ዝነበራ ርክብ በምቁራፅ ንኤርትራን ግብፅን ሓዊሱ ምስ ዝተፈላለዩ ሓይልታት ኣንፃር ኢትዮጵያ ምንቅስቓሳት ክትገብር ምፅንሓ ይፈለጥ። ምስ ክልቲአን ሃገራት ኣንፃራዊ ምሕዝነት ዘለዋ ቱርኪ ኣብ ኣንካራ ናይ ዘተ መድረኽ ብምድላው ቀዳማይ ሚኒስተር…
-
ስርዓት በሽር ኣልዓሳድ ከምዘብቀዐ ዋና ኣዛዚ ሰራዊት ሶርያ ኣፍሊጡ።

ዓመፅቲ ሶርያ ንዋና ከተማ ደማስቆ ምቁፅፃሮም ዕላዊ ገይሮም ነዚ ስዒቡ ድማ ፕረዚዳንት በሽር ኣል ዓሳድ ናብ ዘይተፈለጠ ቦታ ከምዝኮብለሉ ተሓቢሩ። ን24 ዓመታት ዝገዝአ ስርዓት ፕሬዘዳንት በሽር ኣል ዓሳድ ከም ዘብቀዐ ዋና ኣዛዚ ሰራዊት እታ ሃገር ንበብ ብርኩ ዘለው ኣመራርሓ ሰራዊት ከምዘፍለጠ ሮይተርስ ፀብፂቡ። ዓመፅቲ ሓይልታት ሶርያ ፈጣን መጥቃዕቲ ብምኽፋት ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ኣርባዕተ ከተማታት…
-
ቢሮ ጥዕና ክልል ትግራይ ዓለም ለኸ መዓልቲ ኤች ኣይቪ ኤድስ ምኽንያት ብምግባር መድረኽ መዕበዪ ግንዛበ ኣካይዱ።

ቢሮ ጥዕና ክልል ትግራይን ማሕበር ምድሓን ወሎዶ ትግራይን ብሓባር ንሙዃን ዓለም ለኸ መዓልቲ ኤች ኣይቪ ኤድስ ምኽንያት ብምግባር መድረኽ መዕበዪ ግንዝበ ኣካይዶም። ኣብቲ ዋዕላ ተረኺቦም መልአኽቲ ዘሕለፉ ኣብ ቢሮ ጥዕና ክልል ትግራይ ዳይሬክትሬት ዳይሬክተር ምክልኻልን ምቁፅፃርን ሕማም ኤች ኣይቪ ኤድስ ዝኾኑ ኣይተ ፍስሃ ብርሃነ ብምኽንያት ዓለም ለኸ መዓልቲ ኤድስ ኣብ ትግራይ ” ሰብኣዊ መሰል ዘኽበረ…

