Tag: ማእኸላይ ምብራቕ
-
ዋንነታ ናይ ኣሜሪካ ዝኾነት ወታሃደራዊ ኣውሮፕላን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ብስሕተት ተወቂዓ ከምዝወደቐት ተሓቢሩ።

ናይ ኣሜሪካ ወታሃድራዊ መርከብ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ብስሕተት ናይ ባዕሉ አውሮፕላን ወቂዑ ከምዘውደቐ ሰራዊት ኣሜሪካ ኣፍሊጡ። ክልቲኦም ፓይሎታት ድማ ብዘይምንም ጉድኣት ከምዝወፅኡ ገሊፁ። እቲ ክስተት ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኣብ ናይ የመን ርእሰ ከተማ ሰንዓ ዝርከብን ብዕጡቓት ሁቲ ዝውነን መኽዘን ሚሳኤላትን መእዘዚ ጣብያን ተኸታታሊ ደብዳብ ኣየር ድሕሪ ምክያዳ ከምዘጋጠመ ተገሊፁ ። ማእኸላይ እዚ ኣሜሪካ ከምዝገለፆ ኣብ…
-
እስራኤል መንግስቲ ኣየርላንድ ፀረ እስራኤል ፖሊሲ ተኸቲሉ እዩ ብምባል ኣብ ኣየርላንድ ዝርከብ ኢምባሲኣ ከምእትዓፁ ኣፍሊጣ።

እስራኤል መንግስቲ ኣየርላንድ ፀረ እስራኤል ፖሊሲ ተኸቲሉ እዩ ብምባል ኣብ ኣየርላንድ ዝርከብ ኢምባሲኣ ከምእትዓፁ ኣፍሊጣ። እስራኤል መንግስቲ አየርላንድ ንፍልስጤም ናይ ሃገርነት ኣፍልጦ ምሃብ ሓዊሱ ብዝኽተሎ ዘሎ ጫፍ ዝረገፀ ፀረ እስራኤል ፖሊሲ ምኽንያት ኣብ ደብሊን አየርላንድ ዝርከብ ኤምባሲኣ ክትዓፅው ከምእተኽእል ኣፍሊጣ። አየርላንድ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጉንበት ንፍልስጤም ናይ ሃገርነት ኣፍልጦ ምሃባ ስዒቡ እስራኤል ኣምባሳደራ ፀዊዓ እያ።…
-
አባል ሃገራት ጉጅለ ሸውዓተ ኣብ ጉዳይ ትእዛዝ ማእሰርቲ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንያሚን ኔታንያሁ ተመሳሳሊ ቅዋም ክወስዳ ተሓቲቱ።

አባል ሃገራት ጉጅለ ሸውዓተ ኣብ ጉዳይ ትእዛዝ ማእሰርቲ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንያሚን ኔታንያሁ ተመሳሳሊ ቅዋም ክወስዳ ተሓቲቱ። ዓለም ለኸ ቤት ፍርዲ ወንጀለኛታት ኣብ ልዕሊ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንያሚን ኔታንያሁ ናይ ማእሰርቲ ትእዛዝ ምውፅኡ ስዒቡ ምዕራባውያን ዝተፈላለዩ ሓሳብ እናንፀባረቑ ይርከቡ ። ነዚ ስዒቡ ድማ ኣባል ሃገራት ጉጅለ ሸውዓተ ዓለም ለኸ ቤትፍርዲ ወንጀለኛታት ን ኣብ ልዕሊ ቀዳማይ…

