እስራኤል መንግስቲ ኣየርላንድ ፀረ እስራኤል ፖሊሲ ተኸቲሉ እዩ ብምባል ኣብ ኣየርላንድ ዝርከብ ኢምባሲኣ ከምእትዓፁ ኣፍሊጣ።
እስራኤል መንግስቲ አየርላንድ ንፍልስጤም ናይ ሃገርነት ኣፍልጦ ምሃብ ሓዊሱ ብዝኽተሎ ዘሎ ጫፍ ዝረገፀ ፀረ እስራኤል ፖሊሲ ምኽንያት ኣብ ደብሊን አየርላንድ ዝርከብ ኤምባሲኣ ክትዓፅው ከምእተኽእል ኣፍሊጣ። አየርላንድ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጉንበት ንፍልስጤም ናይ ሃገርነት ኣፍልጦ ምሃባ ስዒቡ እስራኤል ኣምባሳደራ ፀዊዓ እያ።
ደቡብ ኣፍሪካ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኣብ ዓለም ለኸ ቤትፍረዲ ወንጀለኛታት(ICC) ዝመስረተቶ ናይ ዘርኢ ምጥፋእ ወንጀል ክሲ ኣየርላንድ ኣብዚ ሰሙን ብምድጋፋ እስራኤል ብዝበለፀ ኣቖጢዕዋ ይርከብ።
ሚኒስተር ወፃኢ ጉዳያት እስራኤል ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ኣብ ደብሊን ዝርከብ ኢምባሲ እስራኤል ንምዕፃው ዝወሰንናሉ ቀንዲ ምኽንያት መንግስቲ ኣየርላንድ ይኽተሎ ብዘሎ ጫፍ ዝረገፀ ፀረ እስራኤል ፖሊሲ እዩ ክብል ገሊፁ።
ብተወሳኺ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ እስራኤል ጌድዮን ሳእር መንግስቲ ኣየርላንድ ዝኽተሎ ዘሎ ቅዋምን ስጉምትታትን ፀረ ፅዮናውነት ንኣይሁዳዊት ሃገር እስራኤል ካብምንዕቕ ዝብገስ እዩ ከብሉ ገሊፆም።
ቀዳማይ ሚኒስተር ሃገረ አየርላንድ ስምኦን ሃሪስ ብወገኖም እቲ ውሳነ ዘናስሕ ከምዘይኮነን ሃገሮም ኣየርላንድ ንምኽባር ሰብኣዊ መሰላትን ዓለምለኸ ሕግን ኩሉ ግዜ ጠጠው ከምእትብል ተዛሪቦም። ምስዚ ብዝተትሓዘ እቶም ቀዳማይ ሚኒስተር ” ኣየርላንድ ፀረ እስራኤል እያ ዝብል ክሲ ኣይቅበልን። አየርላንድ ፈታዊት ሰላምን ኣኽባሪት ሰብኣዊ መሰላትን ዓለምለኸ ሕግታትን እያ” ክብሉ ኣብ ናይ ማሕበራዊ ሚድያ ትዊተር ገፆም ኣብ ዘሰፈርዎ ፅሑፍ ገሊፆም።
ካብዚ ብተወሳኺ ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ አየርላንድ ሚካኤል ማርቲን ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ክልቲኤን ሃገራት ከምዝቕፅልን ኣብ እስራኤል ዝርከብ ኢምባሲ አየርላንድ ናይ ምዕፃው መደብ ከምዘይብሎም ገሊፆም።
ኣየርላንድ ኣንፃር ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተኻየደ ዘርኢ ናይ ምፅናት ኲናት ኣብ ዓለምለኸ መድረኻት ድምፂ በምዃን ዘይትካእ ኣስተዋፅኦ ዝገበረት ሃገር ምዃና ዝዝከር እዩ።



Leave a Reply