Tag: እስራኤል
-
ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም እስራኤል ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ሰንዓ ደብዳብ እንትተካይድ ኣብቲ ቦታ ከምዝነበሩ ገሊፆም።

ዋና ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም እስራኤል ኣብ ርእሰ ከተማ የመን ሰንዓ መዕርፎ ነፈርቲ ትማሊ ደብዳብ ነፈርቲ እንትተካይድድ ኣብቲ መዕርፎ ነፈርቲ ምንባሮም ገሊፆም። ዶ.ር ቴድሮስ እቲ ደብዳብ እንትትፍፀም ምስ ካልኦት መሳርሕቶም ናብ ኣውሮፕላን ንምእታው ኣብ ዝዳለውሉ እዋን ከምዝነበረ ሓቢሮም። ዶ.ር ቴድሮስ ኣብ “X” ገፆም ከምዝገለፅዎ ናብ የመን ዝተጓዓዝሉ ምኽንያት ዝተኣሰሩ ሰራሕተኛታት ውድብ ሕቡራት…
-
እስራኤል መንግስቲ ኣየርላንድ ፀረ እስራኤል ፖሊሲ ተኸቲሉ እዩ ብምባል ኣብ ኣየርላንድ ዝርከብ ኢምባሲኣ ከምእትዓፁ ኣፍሊጣ።

እስራኤል መንግስቲ ኣየርላንድ ፀረ እስራኤል ፖሊሲ ተኸቲሉ እዩ ብምባል ኣብ ኣየርላንድ ዝርከብ ኢምባሲኣ ከምእትዓፁ ኣፍሊጣ። እስራኤል መንግስቲ አየርላንድ ንፍልስጤም ናይ ሃገርነት ኣፍልጦ ምሃብ ሓዊሱ ብዝኽተሎ ዘሎ ጫፍ ዝረገፀ ፀረ እስራኤል ፖሊሲ ምኽንያት ኣብ ደብሊን አየርላንድ ዝርከብ ኤምባሲኣ ክትዓፅው ከምእተኽእል ኣፍሊጣ። አየርላንድ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጉንበት ንፍልስጤም ናይ ሃገርነት ኣፍልጦ ምሃባ ስዒቡ እስራኤል ኣምባሳደራ ፀዊዓ እያ።…
-
አባል ሃገራት ጉጅለ ሸውዓተ ኣብ ጉዳይ ትእዛዝ ማእሰርቲ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንያሚን ኔታንያሁ ተመሳሳሊ ቅዋም ክወስዳ ተሓቲቱ።

አባል ሃገራት ጉጅለ ሸውዓተ ኣብ ጉዳይ ትእዛዝ ማእሰርቲ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንያሚን ኔታንያሁ ተመሳሳሊ ቅዋም ክወስዳ ተሓቲቱ። ዓለም ለኸ ቤት ፍርዲ ወንጀለኛታት ኣብ ልዕሊ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንያሚን ኔታንያሁ ናይ ማእሰርቲ ትእዛዝ ምውፅኡ ስዒቡ ምዕራባውያን ዝተፈላለዩ ሓሳብ እናንፀባረቑ ይርከቡ ። ነዚ ስዒቡ ድማ ኣባል ሃገራት ጉጅለ ሸውዓተ ዓለም ለኸ ቤትፍርዲ ወንጀለኛታት ን ኣብ ልዕሊ ቀዳማይ…
-
እስራኤል ኣብ ቤይሩት ሊባኖስ ንዝፈነወቶ መጥቃዕቲ ሂዝቦላህ ብልዕሊ 250 ሮኬታት መጥቃዕቲ ግብረ መልሲ ሂቡ ።

እስራኤል ኣብ ቤይሩት ሊባኖስ ንዝፈነወቶ መጥቃዕቲ ሂዝቦላህ ብልዕሊ 250 ሮኬታት መጥቃዕቲ ግብረ መልሲ ሂቡ ። እስራኤል አብ ቤይሩት ንዝፈፀመቶ መጥቃዕቲ ስዒቡ ሂዝቦላህ ልዕሊ 250 ሮኬታት ካብ ጠረፍ ሊባኖስ ምውንጫፉ ሰራዊት እስራኤል ኣፍሊጡ። እስራኤል ኲናት ጋዛ ካብ ዝውላዕ ጀሚሩ ከበድቲ መጥቃዕትታት ኣየር ኣብ ርእሰ ከተማ ሊባኖስ ዝኾነት ቤይሩት ምፍናዋ ስዒቡ ናይ ዕጡቕ ፍልስጤም ዝኾነ ሓማስ ኣጋር…

