ናይ ኣሜሪካ ወታሃድራዊ መርከብ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ብስሕተት ናይ ባዕሉ አውሮፕላን ወቂዑ ከምዘውደቐ ሰራዊት ኣሜሪካ ኣፍሊጡ። ክልቲኦም ፓይሎታት ድማ ብዘይምንም ጉድኣት ከምዝወፅኡ ገሊፁ።
እቲ ክስተት ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኣብ ናይ የመን ርእሰ ከተማ ሰንዓ ዝርከብን ብዕጡቓት ሁቲ ዝውነን መኽዘን ሚሳኤላትን መእዘዚ ጣብያን ተኸታታሊ ደብዳብ ኣየር ድሕሪ ምክያዳ ከምዘጋጠመ ተገሊፁ ።
ማእኸላይ እዚ ኣሜሪካ ከምዝገለፆ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝርከቡ ብዙሓት ናይ ሁቲ ሰብ ኣልቦ ኣውሮፕላናትን ፀረ-መርከብ ክሩዝ ሚሳኤላትን ከምዘዕነወ ኣፍሊጡ። ኣብቲ ዝሃቦ መግለፂ ኣብ ከይዲ እቲ ደብዳብ ብስሕተት ናብ ናይ ባዕሎም ኣውሮፕላን ብዝተቶኮሰ ፀረ አውሮፕላን ከምዝተወቕዐትን ኣብ ልዕሊ እቶም ፓይሎታት ዝበፅሐ ጉድኣት ከምዘየለን ኣመልኪቱ።
ናይ ኣሜሪካ ወታሃድራዊ መርከብ ሃሪ ኤስ ትሩማን ኣካል ዝኾነ ናይ ሑቡራት ሃገራት ጌቲስበርግ ብስሕተት ካብቲ መርከብ እናተልዓለ ዝነበረ ኤፍኤ-18 ከምዝወቕዖ ኣብቲ መግለፂኡ ሓቢሩ።
ኣብ ልዕሊ ኣብ ሰንዓ ዝርከቡ ዒላማታት ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ዕጡቓት ሁቲ ኣብ ናይ ኣሜሪካ መርከባት ሓይሊ ባሕሪ ፣ኣብ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ፣ ባብ አል-መንዳብን ባሕሪ ኤደን ዘለው ናይ ንግዲ መርከባትን ዘብፅሕዎ መጥቃዕቲ ንምክልኻል ዝዓለመ ምንባሩ ሰራዊት ማእኸላይ እዚ ኣሜሪካ ኣፍሊጡ።
ኤፍኤ18 ሓዊሱ ሓይሊ ኣየርን ሓይሊ ባሕሪን ኣሜሪካ ብጥምረት ብዘካየዱዎ መጥቃዕቲ ተሽከርከርቲ፣ ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝርከቡ ክሩዝ ሚሳኤላትን ዕጡቕ ሁቲ ከምዘዕነው ማእኸለይ እዚ ሰራዊት ኣሜሪካ አፍለጡ።
ብኢራን ዝድገፍ ዕጡቕ ሁቲ ሰሜናዊ ምዕራብ የመን ዝቆፃፀር እንትኾን ኣብ መንጎ እስራኤልን ዕጡቕ ሓማስን ዝተወለዐ ኲናት ስዒቡ ኣጋር ዕጡቕ ሓማስ ከምዝኾነ ብምግላፅ ኣብልዕሊ መርከባት እስራኤልን ካልኦት ምዕራባውያን ሃገራትን በዘከየዶ መጥቃዕትታት ክልተ መርከባት ኣሰሚጡ እዩ።
።



Leave a Reply