ናይ ሩስያ ኒክለር ክፍሊ ሓላፊ ኣብ ውሽጢ ሞስኮ ብዝተፈፀመ ናይ ቦምብ መጥቃዕቲ ተቐቲሎም ።

ናይ ሩስያ ኒክለር ክፍሊ ሓላፊ ኣብ ውሽጢ ሞስኮ ብዝተፈፀመ ናይ ቦምብ መጥቃዕቲ ተቐቲሎም ።

ላዕለዋይ ጀነራል ሰራዊት ሩስያን ምክትሎምን ኣብ ሞስኮ ብዝተፈፀመ ናይ ተፈንጃሪ መጥቃዕቲ ከምዝተቐተሉ ተገሊፁ። ሌተናል ጀነራል ኢጎር ኪሪሎቭ ሓላፊ ክፍሊ ኒኩለር ፣ባዮሎጂ ኬሚካላትን ነይሮም። እቶም ጀነራል ሎሚ ሰሉስ ንጉሆ ካብ መንበሪ ገዝኦም እንትወፁ ስኩተር ኣብ ዝተብሃለ ተሽከርካሪ ዝተፀመደ ቦምብ ተፈንጂሩ ብዘብፅሖ ሓደጋ ሂወቶም ከምዝሓለፈ መርማሪ ኮሚቴ ሩስያ ኣፍሊጡ።

ሮይተርስ ንሰበ ስልጣን ሩስያ ጠቒሱ ከምዝፀብፀቦ ድማ እቲ ቦምብ ካብ ክሪምሊን ሸውዓተ ኪሎሜትር ርሕቀት ኣብ ዝርከብ አፓርትመንት ተፀሚዱ ምንባሩ ሓቢሩ።

ብተወሳኺ እቲ ቦምብ ብርሕቀት ቁፅፅር ዝሰርሕ እንትኾን 300 ግራም ዝምዘን ፈንጂ ኣብውሽጡ ዝሕዝ ከምዝኾነ ድማ መራኸብቲ ሓፋሽ ሩስያ ፀብፂበን።

በቲ መጥቃዕቲ ስሞም ዘይተጠፈለጠ ረዳት እቶም ጀነራል ዝነበሩ ከምዝሞቱ ዝተገለፀ እነሰትኾን ናይ ሩስያ ምርመራ ኮሚቴ ምርመራ ምጅማሩ ኣፍሊጡ። ሰብ ሞያ ፎረንሲክ ምርመራ እውን ኣብቲ ቦታ ተረኺቦም ይምርምሩ ምህላዎምን ኣብ ውሽጢ ሓፂር እዋን ውፅኢቱ ዕላዊ ከምዝግበርን ሓቢሮም።

ጀነራል ክሪሎቭ ዝመርሕዎ ዝነበሩ ሓይሊ ናይ ኒዩክለር ኬሚካልን መጥቃዕትታት እንተጋጥሙ ዜጋታት ህፁፅ ሓገዝ ብምሃብ ንምድሓንን ንሙቅፅፃርን ዝሰርሕ ምድብ ፍሉይ ሓይሊ አዩ። ይኹን እምበር ካብ ምክልኻል ብዝዘለለ ኣብ ዩክሬይን ይካየድ ኣብ ዘሎ ኲናት ተሳቲፉ እዩ ብምባል ዩክረይን ክስታት ከተቕርብ ፀኒሓ እያ። ነዚ ስዒቡ ድማ SBU ዝተባሃለ ትካል ድሕንነት ዩክሬይን ነቶም ሎሚ ዕለት ህይወቶም ዝሓለፈ ጀነራል ኢጎር ክሪሎቭ ዝተኸልከሉ ኬሚካላዊ ኣፅዋር ኲናት ክትኮሱ ኣዚዞም እዮም ብዝብል ትማሊ ኣብ ዘይለውሉ ክሲ ከም ዝመስረተሉ ተገሊፁ እዩ።

ብተወሳኺ ብሪታንያ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ናይ ክሪምሊን ዝተዛብዐ ሓበሬታ ዘመሓላለፍ ኣፈኛ እዮም ብምባል ኣብ ልዕሊ ጀነራል ኢጎር ማዕቀብ ገይራትሎም ምንባራ ይዝከር።

ይኹን እምበር ሩስያ ኣብ ዩክሬይን እተካይዶ ኣብ ዘላ ኲናት ኬሚካላዊ ኣፅዋራት ኲናት ክትጥቀም ከምእትኽእል ክሳብ እዚ እዋን ኣይገለፀትን። ብኣንፃሩ ግን ምዕራባውያን ንዩክረይን ዝገብርዎ ድጋፍ ኣጠናኺሮም ብምቕፃሎም ኬሚካላዊ ኣፅዋራታ ኣብ ተጠንቀቕ ክፅንሑ ክትፅበ ከምዝተገደደት ሩስያ ብተደጋጋሚ ክትገልፅ ፀኒሓ እያ።

ፕሬዘዳንት ፑቲን ትማሊ “ምዕራባውያን ንትዕግስቲ ሩስያ እናተፈታተኑ ናብ ቀይሕ መስመራ ይደፋፍእዋ ኣለው ሩስያ ንማንም ኣይትዕገስን ምባሎም ይዝከር።

Leave a Reply

Discover more from Tigrai Academy

Subscribe now to keep reading and get access to the full archive.

Continue reading