ቲክቶክ ዝተወሰነሉ ናይ እግድ ወሳነ ንክቕየር ዘቅረቦ ናይ ይግባይ ሕቶ ውድቂ ተገይሩ።
መሰረቱ ኣብ ቻይና ዝገበረ ኩባንያ ቲክቶክ ኣብ ኣሜሪካ ናይ ድሕንነት ስግኣት ፈጢሩ እዩ ብምባል ንክእገድ ቅድሚ ኣዋርሕ ተወሲኑሉ ምንባሩ ዝዝከር እንትኾን ነዚ ስዓቡ ቲክቶክ ይግባይ ሓቲቱ እንዳተኸራኸረ ፀኒሑ እዩ።
ዋንነቱ ናይ ባይት ዳንስ ኩባንያ ዝኾነ ቲክቶክ ኣብ ኣሜሪካ ልዕሊ 170 ሚልዮን ተጠቀምቲ ኣፍሪዩ እዩ። እዚ ማሕበራዊ ሚድያ ናይ ዝተፈላለዩ ትካለትን ዜጋታትን ኣሜሪካ መረዳእታታት ንቻይና ኣሕሊፍ ይህብ ኣሎ ብዝብል ዝተፈላለዩ ቅሬታታት እናቀረቡ ዝነበሩ እንትኾኑ ነዚ ስዒቡ ድማ ምምሕዳር ባይደን ንድሕንነት ኣሜሪካ ስግኣት ፈጢሩ እዩ ብምባል ቲክቶክ ንኣሜሪካውያን ክሽየጥ ወይ ድማ ክእገድ ውሳነ ተመሓላሊፍሉ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።
ቲክቶክ ብወገኑ ዝቀረበሉ ክሲ ሓሶት ምዃኑን ቲክቶክ ናይ ሓበሬታ ማእኸሉ ኣብ ኣሜሪካ ከምዝርከብን እዚ ድማ ከርኢ ከምዝኽእል ኣፍሊጡ እዩ።
ይኹን ድኣ እምበር ብኣሜሪካ ሕጊ መውፅኢ ቤት ምኽሪ ዝተመሓላለፈ ውሳነ ቲክቶክ ኣብ ኣሜሪካ ክሽየጥ ወይ ንክእገድ ዝተውሃቦ ግዜ ናይ መወዳእታ ዕለት 19 ጥሪ 2025 ኣ.ፈ እዩ። ኣብቲ እዋን ነዚ ውሳነ ክላዓለሉ ብሕጊ ከምዝቃለስ ኣፍሊጡ ዝነበረ ቲክቶክ ኣብ ከይዲ ዝነበረ ናይ ይግባይ ሕቶኡ ውድቂ ተጌሩ ኣሎ። በዚ መሰረት ድማ ቲክቶክ ኣብ ኣሜሪካ ክእገድ ወይ ክሽየጥ ካብ ዝተውሃቦ ጊዜ ገደብ ሓደ ወርሒ ቀየሪዎ ኣሎ።
ሐዚ ድማ ቅድሚ ምእጋዱ ቲክታክ ናይ መወዳእታ ውሳነ ክወሃበሉ ናብ ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ኣሜሪካ ተወሳኺ ይግባይ ሓቲቱ ይርከብ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ፕረዚዳንት ዶናልድ ትራምፕ ቲክቶክ ክሽየጥ ወይ ክእገድ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ምኪሩ ከይተሳኽዐሉ ተሪፉ ምንባሩ ይዝከር። ይኹን እምበር ትራምፕ ኣብ እዋን ወፍሪ መረፅኦም ቲክቶክ ከምዘይዓፅው ተዛሪቦም ነይሮም እዮም። ብመሰረት እቲውሳነ ድማ ትራምፕ ሰልጣን ካብ ዝርከበሉ ዕለት ሓደ ማዓልቲ ቀዲሙ ክእገድ የገድድ።
ፍትሒ ቢሮ ኣሜሪካ በሐዚኡ ንከም ጎግል ዝበሉ ናይ ቴክኖሎጂ ኩባንያታት ቲክቶክ ንምዕፃው ክዳለው ከምዘፍለጠ ተገሊፁ።



Leave a Reply