Category: NEWS
-
ዕድመ ስልጣን ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ንተወሳኺ ሓደ ዓመት ንምንዋሕ ዘኽእል ረቂቕ ኣዋጅ ፀዲቑ።

ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ሎሚ ዕለት ኣብ ዘካየዶ መበል 22 መደበኛ ኣኼብኡ ዕድመ ስልጣን ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ንተወሳኺ ሓደ ዓመት ዘናውሕ ዝተመሓየሸ ኣዋጅ ኣፅዲቑ። እቲ ኣዋጅ ክሳብ ሐዚ እናሰርሐ ዝፀንሐ ኣዋጅ ቁፅሪ 359/1995 ዝትክእ ኣዋጅ ቁፅሪ 1373/2017 ኮይኑ ብክልተ ድምፀ ተኣቅቦ ብኣብዝሓ ድምፂ ፀዲቑ። እቲ ኣዋጅ ፥ ግዜያዊ ምምሕዳራት ክሳብ ክልተ ግዜ ንሓደ ዓመት…
-
ሶማሊያ ወደባታን መዕርፎ ነፈርታን ኣሜሪካ ብብሕታውነት ክትቆፃፀሮም ዘኽእል ሓሳብ ኣቅሪባ።

ሶማሊያ ስትራተጂካዊ ወደባታ፣ መዕርፎ ነፈርታን ወተሃድራዊ ሰፈራትን ኣሜሪካ ብብትሕታውነት ንክትቆፃፀር ሓሳብ ከምዘቕረበት ሮይተርስ ፀብፂቡ። ሮይተርስ ከምዝፀብፀቦ ፕረዚዳንት ሶማልያ ሓሰን ሼክ ሙሓሙድ ናብ ፕረዚዳንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብዝፃሓፍዎ ደብዳበ ኣሜሪካ ብብሕታውነት ክትቆፃፀሮም እትኽእል ኣማራፅታት ወደብን ወትሃድራዊ ሰፈርን ከምዘቕረበት ተገሊፁ። ፕረዚዳንት ሃሰን ሼክ መሓሙድ ናብ ኣሜሪካ ኣብ ዝልኣኾ ደብዳበ ኣሜሪካ ክትቆፃሮም ካብ ዘቕረቦም ወደባት ቦሊዶግሉ፣ በርበራ ከምኡ ‘ውን…
-
“ንስምምዕ ፕሪቶሪያ ዝፃብኡ በይናዊ ውሳነታትን ተግባራትን ደው ክብሉ ይግባእ!!”ህወሓት

ካብ ህወሓት ዝተውሃበ እዋናዊ መግለፂ ንስምምዕ ፕሪቶሪያ ዝፃብኡ በይናዊ ውሳነታትን ተግባራትን ደው ክብሉ ይግባእ! ስምምዕ ፕሪቶሪያ ካብ ዝፍረም ክልተ ዓመትን መንፈቕን ኮይንዎ ኣሎ። ብወገን ህወሓትን ትግራይን እቲ ስምምዕ ብቕልጡፍ ንክፍፀም ተሰሪሑ እዩ። ምእንተ ሰላም ክብሃል ትግራይ ክትሽከሞም ዘይግብኣ ግፍዕታት ተሸኪማ ፀኒሓ እያ። ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ክፍፀሙ ዝግብኦም ብፍላይ ንመሰልን ሃለዋትን ትግራይ ዝምልከቱ ወሰንቲ ትሕዝቶታት እቲ…
-
ሚኒስተር ንግድን ቀጠናዊ ምትእስሳርን ኢትዮጵያ መሸጢ ዋጋ ችርቻሮ ነዳዲ ንመበል ሳላሳይ ግዜ ወሰኽ ከምዝገበረ ተገሊፁ።

ሚኒስተር ንግድን ቀጠናዊ ምትእስሳርን መሸጢ ዋጋ ነዳዲ ንሳላሳይ ዙር ወሰኽ ከምዝገበረ ኣፍሊጡ። ሚኒስትሪ ንግድን ቀጠናዊ ምትእስሳርን ትማሊ ኣብ ዘውፅኦ ሓዱሽ ናይ ነዳዲ ችርቻሮ ዋጋ ንሓደ ሊትሮ ቤንዚን 112.67 ብር ንሓደ ሊትሮ ናፍጣ ድማ 107.93 ብር ከምዝኾነ ኣፍሊጡ። እዚ ወሰኽ ካብ ትማሊ ሰንበት 14.07.2017 ዓ.ም ምሸት ጀሚሩ ተግባራዊ ዝተገበረ እንትኸውን እዚ ድማ ንመበል ሳልሳይ ግዜ ዝተገበረ…
-
ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ክልል ትግራይ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኣብ ልዕሊ ጀነራል ምግበይ ሃይለ ንዘቐረቦ ክሲ መልሲ ሂቡ።

ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ክልል ትግራይ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኣብ ልዕሊ ጀነራል ምግበይ ሃይለ ንዘቐረቦ ክሲ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ከምገለፆ “ናይ ህዝቢ ትግራይ ሰላምን ጥቕምን ዝረጋገፅ ብሰላማዊ ቃልስን ዘተን እምበር ብኲናት ኣይኮነን ዝብል ፅኑዕ እምነትና ናይ ትማሊን ናይ ሎምን ፅባሕን መትከል እዩ” ዝበለ እንትኾን ህዝቢ ትግራይ ብረት ኣልዒሉ ዘጋጦሞ ፅንተታዊ ኲናት እንትጋፈጥ ዘጋጥሞ ኩለመዳያዊ ኪሳራ…
-
ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ከምብሓዱሽ ከም ዝጣየሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ኣመላኺቶም።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ከምዝገለፅዎ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ከምብሓዱሽ ተጣይሹ ክሳብ ቀፃሊ መረፃ ከመሓድርን ቀፃሊ መረፃ ናይ ምምችቻውን ህዝቢ በዓል ዋና ስልጣን ናይ ምግባርን ከይዲ ከረጋግፅ ትፅቢት ከም ዝግበረሉ ሓቢሮም። ድሕሪ ስምምዕነት ፕሪቶርያ ዝተጣየሸ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ናይ ስልጣን ዘመኑ ምዝዛሙ ስዒቡ ኣብ ቀፃሊ ሓዱሽ ግዝያዊ ምምሕዳር ከም ዝጣየሽ ሎሚ ዕለት 11. 07.…
-
ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ኣብ ቀረባ እዋን ብዘይ ናይ ቀበሌ መለለዪ መንነት ምንቅስቓስ ጠጠው ክም ዝብል ብምግላፅ ኩሉ ነባራይ ካብ ቀበሌኡ መለለዪ መንነት ክወሰድ ኣተሓሳሲቡ።

ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ክልል ትግራይ ኣብ ቀረባ እዋን ናይ ቀበሌ መለለዪ መንነት ከይሓዝካ ምንቅስቓስ ጠጠው ክም ዝብል ብምግላፅ ኩሉ ነባራይ ካብ ቀበሌኡ መለለዪ መንነት ክወሰድ ኣተሓሳሲቡ። ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ናይ ኩለን ዞባታት ጠለብ መሰረት ዝገበረ ሕትመት መለለዪ መንነት ተዛዚሙ ንዕደላ ከም ዝተዳለወ ዝሓበረ እንትኾን በዚ መሰረት ድማ ኣብ ዞባታት ሰሜን ምዕራብ፣ ምምሕዳር ከተማ መቐለ፣ ዞባ…
-
ፕረዚዳንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ጉዳይ ጠጠው ምባል ኲናት ዩክሬይን ንምዝታይ ምስ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ከምዝራኸቡ ተገሊፁ።

ፕረዚዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኲናት ዩክረይን ጠጠው ንምባል ኣብ ዝግበር ፃዕሪ መሰረት ብምግባር ምስ ፕረሲደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ፅባሕ ከምዝዛተዩ ተገሊፁ። እዚ ዝተገለፀ ልኡኻት ኣሜሪካ ምስ ፕረዚዳንት ፑቲን ውፅኢታዊ ምይይጥ ምክያዶም ስዒቡ እዩ። ትራምፕ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ ከም ዝገለፅዎ “እቲ ኲናት ጠጠው ንምባል ንምኩር ኣለና ክሳኻዕን ዘይክሳኻዕን ይኽእል እዩ፤ ግን ዝሰፍሐ ናይ ምስኻዕ ዕደል…
-
ኢምባስታት ምዕራባውያንን ኣባል ሃጋራት ኣውሮፓ ሕብረትን ኣብ ትግራይ ዘሎ እዋናዊ ኩነታትን ዘለው ምዕባለታትን ይከታተሉዎ ከምዘለው ገሊፆም።

ጉጅለ ኤምባሲታት ምዕራባውያንን ኣባል ሃገራት ሕብረት ኣውሮፓን ሎሚ ብሓባር ኣብ ዘውፅእዎ መግለፂ ኣብ ትግራይ “እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ወጥሪን ቀፃሊ ምዕባለታን ” ዝበልዎ ኩነታት ይከታተሉዎ ከምዘለው ገሊፆም። ኣብቲ ሎሚ ዕለት ዘውፅኦ’ኦ መግለፂ ሃገራት ኣሜሪካ፣ ኢንግሊዝ፣ ኖርወይ ፣ጀርመን ፣ጃፓን ፣ኒውዝሊንድ ፣ቤልጀም ፣ቡልጋርያ ፣ቼክ ሪፐብሊክ ፣ዴንማርክ ፣ኣየርላንድ ፣ግሪክ ፣ስፔን ፣ፈረንሳይ ፣ጣልያን ፣ሉክዘምበርግ ፣ሃንጋሪ ፣ኔዘርላንድ ፣ኦስትሪያ ፣ ሮማንያ፣ ፖርቹጋል…


