Category: NEWS
-
ጉግል ዓለምና ካብ ዘለዋ ጠቕላላ መጠን ገንዘብ ንላዕሊ ክቕፃዕ ተፈሪድዎ ።

ጉግል ዓለምና ካብ ዘለዋ ጠቕላላ መጠን ገንዘብ ንላዕሊ ክቕፃዕ ተፈሪድዎ ።ቤት ፍርዲ ሩስያ ቴሌቭዥን ጣብያታት እታ ሃገር ኣብ ዩትዩብ ከይራአዩ ብምእጋዱ ጉግል ክልተ ዲስሊዮን ሩብል ክኸፍል ወሲኑሉ።(ሓደ ዲስሊዮን 36 ዜሮታት ዘለዎ ቁፅሪ እዩ ።)ልዕሊ ክልተ ትሪልዮን ዝግመት ሃፍቲ ከም ዝውንን ዝንገረሉ ጉግል ዋላ እኳ ካብ ዓለምና ብጣዕሚ ሃፋትም ካብ ዝብሃሉ ኩባንያታት ሓደ እንተኾነ ክንድዚ ዝኣክል…
-
ብሰንኪ ነታጒ ሂወት ሰለስተ ሰባት ጠፊኡ።

ሎሚ ዕለት 21 ጥቅምቲ 2017 ዓ/ም ኣብ ወረዳ ኣበርገለ የጭላ ጣብያ ስምረት ኣብ ገዛ ዉሽጢ ብዝተፈንጀረ ነታጒ ወዲ ሓሙሽተ ዓመት ህፃን ዝርከቦም ሂወት ሰለስተ ሰባት ሓሊፉ ። እቶም ግዳያት ዝወዳደቑ ተተኮስቲ ናብ ገዝኦም ሒዞም ብምኻድ ክቃፀል ብምግባር ኣብ ገዝኦም ዉሽጢ ብምፍንጃሩ ሂወቶም ክስእኑ ዝኸኣሉን ኣባላት ሓደ ስድራ ከምዝኾኑን ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ዘፈር ፀጥታ ምምሕዳር ወረዳ…
-
ኤለን መስክ መንግስት ብዘይ ኣግባብ ዘውፅኦ ክልተ ትሪልዮን ዶላር ምትራፍ ከምዝኽእል ገሊፁ ።

ኣብ ስልጣን ዘሎ ናይ ባይደን ምምሕዳር ልዕሊ 6ተ ትሪልዮን ዶላር ከም ዘባኸነ ተገሊፁ። ኣሜሪካ ድሕሪ ዝተወሰኑ መዓልትታት ፕሬዚደንታዊ መረፃ ክተካይድ እያ እዚ መረፃ ኣብ ፖለቲካ ዓለም ዝለዓለ ተፅዕኖ ከምዘለዎ ዝንገረሉ ፕሬዚደንታዊ መረፃ ኣሜሪካ ሕፁያት ናይ ምረፁኒ ቅሰቀሶኦም እናካየዱ ይርከቡ። ደጋፊ ዶናልድ ትራምፕ ከምዝኾኑ ዝኣወጁ ቢልዮነር ኤለን መስክ ገንዘብ ኣሜሪካውያን ብዘይኣግባብ ይባኽን ኣሎ ክብል ገሊጹ። ኣብ…
-
ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ትግራይ ትማሊ ምሸት ብኣሰና ቴሌቭዥኝ ላዕለዎት ኣመራርሓ ውድብ ህወሓትን ጀነራላትን ይእሰሩ ኣለዉ ብዝብል ዘውፅኦ ሓበሬታ ካብ ሓቂ ዝራሓቐ ምዃኑ ኣፍሊጡ ።

ቢሮሰላምን ፀጥታን ትግራይ ብቴሌቪዥን ኣሰና ብፍላጥ ካብ ለይቲ ጀሚሩ “ሰበር ዜና”ብዝብል ጀነራላትን ፖለቲከኛታትን ይእሰሩ ኣለዉ ብምባል ኣሽማት ፀሪሑ ክፍንዎ ዝሓደረ ልሙድ ፃዕዳ ሓሶት ህዝቢ ትግራይ ራዕዲ ክስምዖን ክሕመስን ተፈጢሩ ዘሎ ፓለቲካዊ ውጥጥውን ተወሳሲቡ ናይ ሓባር ጥፍኣት ከስዕብን ኮነ ተባሂሉ ዝንዛሕ ዘሎ ፀሊም ፕሮፓጋንዳ እዩ ክብል ኮኒኑዎ። ህዝቢ ትግራይ ውሽጣዊ ፀገማቱ ብባዕሉ ብሰላማዊን ፖለቲካዊን መንገዲ ከምዝፈትሕን…
-
ቤተክርስቲያን ተዋህዶ ኦርቶዶክስ ትግራይ ዕውት ጉባኤ ኣካይዳ።

ቤተክርስቲያን ተዋህዶ ኦርቶዶክስ ትግራይ ድሕሪ ኣብ ትግራይ ዝተኸፈተ ዘርኢ ናይ ምጥፋእ ኲናት ሲኖዶስ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ኣብቲ ዘርኢ ናይ ምፅናት ኲናት ብግልፂ ኣብ ጎኒ መንግስቲ ኢትዮጵያን መሻርኽቱን ብሙኻን ብፋይናንስን ብፕሮፖጋንዳን ደጊፋ ኣንፃር ተኸተልታ ምውጋና ስዒቡ ህዝቢ ትግራይ ናይ ባዕሉ እምነት ክሕሉን ከቐፅልን ክብል ጎድናጎድኒ ናይ ህልውና ቃልሱ ናይ ባዕሉ ቤተክህነት ከጣይሽ ስለ ዝግባእ ብመራሕቲ ሃይማኖት…
-
ንተወ ብዘብል መሪሕ ቃል መድረኽ መተኣኻእኸቢ አቶት ይካየድ ኣሎ።

ኮሚሽን ስግኣት ሓደጋን ቅድመ ድልውነትን ፌደራል ንህፁፅ ምላሽ ንትግራይ ኣብ ቴለቶን ንተወ 130 ሚሊዮን ብር ኣወፍዩ። ኮሚሽነር ኮሚሽን ስግኣት ሓደጋን ኣመራርሓ ስራሕን ቅድመ ምድላው ፌደራል ኣምባሳደር ዶ/ር ሽፈራው ተክለማርያም “ንተወ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ከተማ መቐለ ይካየድ ኣብ ዘሎ መድረኽ ዓቢይ ቴሌቶን ትግራይ ተረኺቦም ብስም ኮሚሽን ስግኣት ሓደጋን ኣመራርሓ ስራሕን ቅድመ ምድላው ፌደራል 130 ሚሊዮን…
-
ብደረጃ ዓለም ልዕሊ 733 ሚልዮን ሰባት ኣብ ጥሜት ከም ዝርከቡ ተሓቢሩ ።

ዋና ዳይሬክተር ትካል ንግዲ ዓለም ብሰንኪ ምዝባዕ ዓለም ለኸ ስርዓት ንግዲ መነባብሮ ኣብ ትሕቲ ድኽነት ዘለው ሰባት ከቢድ ፅዕንቶ ፈጢሩ ምህላው ገሊፀን። ዋና ዳይሬክተር ትካል ንግዲ ዓለም ዝኾና ንጎዚ ኦኮንጆ ኢዋላ ናይ ምግቢ ውሕስና ምሽርሻርን ምዝባዕ ዓለም ለኸ ስርዓት ንግድን ኣብ ትሕቲ ድኽነት ዝነብሩ ዜጋታት ዝነብሩለን ሃገራት ካብ ዓቕመን ንላዕሊ እናፋተነን ከምዝርከብ ሓቢረን። ኣብ ርእሰ…
-
ቴስላ ሙሉእ ብሙሉእ በዘይ ሹፌር ዝትንቀሳቐስ ሳይበርካፕ ዝተባሃለት መኪና ኣላልዩ።

ቴስላ ሙሉእ ብሙሉእ በዘይ ሹፌር ዝትንቀሳቐስ ሳይበርካፕ ዝተባሃለት መኪና ኣላልዩ።እታ ሓዳስ መኪና መሪ ይኹን ናይ ነዳዲ ከምኡ ወን ናይ ፍጥነት መቆፃፀሪ ፔዳል ከም ዘይብላ ንምፍላጥ አንትኾን ኤለን መሰክ ነዚ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ እዛ ወፅኢት ምህዞ ቴስላ ዝኾነት መኪና ብሰባት ካብ ዝግንሓ መካይን ካብ 10 ክሳብ 20 ዕፅፊ ሓደጋ ናይ ምብፃሕ ዕድላ ከም ዝትሕት ሓቢሩ።…
-
ዓለም ካብ ኣፅዋራት ኒኩሌር ናፃ ንኽትከዉን ፃዕሪ ዝገብር ትካል ፀረ ኒኩሌር ተዓዋቲ ሽልማት ኖቬል 2024 ኮይኑ።

ዓለም ካብ ኣፅዋራት ኒኩሌር ናፃ ንኽትከዉን ፃዕሪ ዝገብር ትካል ፀረ ኒኩሌር ተዓዋቲ ሽልማት ኖቬል 2024 ኮይኑ። ዓለም ካብ ኣፅዋራት ኒኩሌር ናፃ ንኽትከዉን ዓሊሞም ሰፊሕ ፃዕሪ እናገበሩ ዝመፁ ጃፓናውያን ዝመስረትዎ ትካል ፀረ ኒኩሌር ተዓዋቲ ሽልማት ኖቬል 2024 ኮይኑ። ቅድሚ 79 ዓመት ብመንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ክልተ ከተማታት ጃፓን ሄሮሽማን ናጋሳኪን ዝተፈፀመ ደብዳብ ኣቶሚክ ቦንብ ዝተረፉን ምስክርነት…
-
ኣብ ዝሓለፈ ኣብ ገማግም ባሕሪ ጁቡቲ ዝሞቱ ስደተኛታት መብዛሕትኦም ኢትዮጵያውያን ሙኻኖም ተሓቢሩ።

Northern sight, [10/5/2024 11:02 AM]➡ ዳይሬክተር ጨንፈር ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት ንቀርኒን ደቡብ ኣፍሪቃ ፍራንሰ ሰለስተ ክልተ ኣስታት 310 ስደተኛታት ዝጸዓና ጀላቡ ብዘይሕጋዊያን ኣስገርቲ ብሰኑይ ካብ ገማግም ባሕሪ ጅቡቲ ምርጋፈንን ብሰንኪ እዚ ድማ ሓንቢሶም ናብ ወሰን ባሕሪ ክበጽሑ ዘይከአሉ ስደተኛታት ከምዝሞቱ ሓቢሩ። ሬሳ 48 ካብኦም ከምዝተረኽበ 154 ድማ ምድሓኖም ሃለዋት 104 ግን ከምዘይተፈልጠ ተሓቢሩ’ሎ። ንሱ ሃለዋት…

