ጉግል ዓለምና ካብ ዘለዋ ጠቕላላ መጠን ገንዘብ ንላዕሊ ክቕፃዕ ተፈሪድዎ ።
ቤት ፍርዲ ሩስያ ቴሌቭዥን ጣብያታት እታ ሃገር ኣብ ዩትዩብ ከይራአዩ ብምእጋዱ ጉግል ክልተ ዲስሊዮን ሩብል ክኸፍል ወሲኑሉ።
(ሓደ ዲስሊዮን 36 ዜሮታት ዘለዎ ቁፅሪ እዩ ።)
ልዕሊ ክልተ ትሪልዮን ዝግመት ሃፍቲ ከም ዝውንን ዝንገረሉ ጉግል ዋላ እኳ ካብ ዓለምና ብጣዕሚ ሃፋትም ካብ ዝብሃሉ ኩባንያታት ሓደ እንተኾነ ክንድዚ ዝኣክል መጠን ገንዘብ ናይ ምኽፋል ዓቕሚ የብሉን ክብል ቢቢሲ ፀብፂቡ።
እዚ መጠን ገንዘብ ልዕሊ ዘይተፃረየ ሃፍቲ ወይ ጠቕላላ ፍርያት ሃገራት ዓለም እንትኾን፤ ሰነድ ትካል ዓለም ለኸ ገንዘብ (IMF) ከምዝብሎ ናይ ዓለምና GDP 110 ትሪልዮን ከምዝኾነ ይሕብር ።
ወኪል ዜና ሩስያ ጠቒሱ ቢቢሲ ከም ዝፀብፀቦ ድማ 17 ቴሌቭዥን ጣብያታት ሩስያ ኣብ ዩትዩብ ትሕዝቶታተን ከየመሓላልፋ ብምእጋዱ ምኽንያት ከም ዝኾነ ገሊፁ ።



Leave a Reply