Sumsub ዝተብሃለ ትካል ናይ 103 ሃገራት ንድጂታል ምጭብርባር ዝተጋለፃ ሃገራት ዘርኢ ዓለም ለኸ መፅናዕቲ ዕላዊ ገይሩ ። እዚ መፅናዕቲ ሰግኣት ድጅታል ምጭብርባር ዘርኢ ኣብ 103 ሃገራት ዝተኻየደ ናይ መጀመርያ ዓሚቕ መፅናዕቲ ከምዝኾነ ተገሊፁ ።
ኢትዮጵያ ንድጅታል ምጭብርባር ዝተጋለፃ ካብ ዝተብሃላ ሃገራት ሓንቲ እንትትኸውን ኣብ ዝርዝር እተን መፅናዕቲ ዝተገበረለን 103 ሃገራት መበል 99 ደረጃ ትርከብ ።
እቲ መፅናዕቲ 10 ሃገራት ካብ ድጅታል ምጭብርባር ድሕንነተን ዝሓለዋ ከብል ካብ ዝጠቐሰን ሃገራት ድማ ሲንጋፖር፣ ሉክሰምበርግ፣ ስዊዘርላንድ፣ ኖርወይ፣ ዴንማርክ፣ ኔዘርላንድስ፣ ፊንላንድ፣ ስዊደን፣ ኣየርላንድን ንቱዌንያ ይረከባአን።
ንድጅታል ምጭብርባር ዝተጋለፃ ወይ ድማ ድኹም ናይ ድሕንነት ሲስተም ካብዘለወን ሃገራት ድማ ኢትዮጵያ ፣ ፓኪስታን ፣ ባንግላዴሽ ፣ ህንድ፣ ኤንዶኔዥያ ፣ ኣርጀንቲና ፤ ዩክሬይን ብራዚል ፣ ኣልጀርያን ስሪላንካን ከምዝርከብአን እቲ መፅናዕቲ ኣመልኪቱ ።
እዚ መፅናዕቲ ካብ ቁፅሪ ወፃኢ ንድጅታል ምጭብርባር ዘጋልፁ ምኽንያታት ብምፍላይ ግንዛበ ማሕበረሰብ ንምዕባይ ቱኽረት ዝገበረ ከምዝኾነ ተሓቢሩ። ክሰብ እዚ እዋን ድጅታል ምጭብርባር ኣብ ፋይናንስ ትካላት ዓብዪ ስግኣት ፈጢሩ እናሃለወ ብዓለም ደረጃ ዝተኻየደ መፀናዕቲ ኣይነበረን።
ዝተፈላለዩ ትንበያታት ከምዘመላኽትዎ ድማ ኣብ ዓለም ብኦንላይን ክፍሊት ምጭብርባር ምኽንያት ዝበፅሕ ኪሳራ ካብ 2023 ከሳብ 2028 ኣብዝህሉ ግዜ ውሽጢ ልዕሊ 362 ቢልዮን ዶላር ክኸውን ከም ዝኽእል ሓቢሩ ።
ዕላማ እዚ መፅናዕቲ ኣብ ዙርያ ዓለም ናይ ብኦንላይን ምጭብርባር ዘልዕሉ ዋናዋና ምኽንያታት በምልዓልን ብዕምቆት ብምርማርን ተግባራዊ ክኾኑ ዝኽእሉ ግንዛበ ንምሃብ ከምኡ’ውን መንግስትታትን ተቆፃፀርትን ምጭብርባር ዝከላኸሉ ሜላታት ከተግብሩ ንምሕጋዝ ከምዝኾነ ገሊፁ ።



Leave a Reply