ፕረዚዳንት ፑቲን ምዕራባውያን ንትዕግስቲ ሩስያ ብምፍትታን ናብ ቀይሕ መሰመራ ይደፋፍእዋ ኣለው ክብሉ ከሲሶም።

ፕረዚዳንት ፑቲን ምዕራባውያን ንትዕግስቲ ሩስያ ብምፍትታን ናብ ቀይሕ መሰመራ ይደፋፍእዋ ኣለው ክብሉ ከሲሶም።

ፕረዚዳንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ምዕራባውያን ናይ ሩስያ ትዕግስቲ እናተፈታተኑ ናብ ቀይሕ መሰመራ ይደፋፍእዋ ኣለው ክብሉ ከሲሶም። ፑቱን ምስ ናይ ሩስያ ሰራዊት ምክልኻል ኣመራርሓታት ኣብ ዝገበሩዎ ዘተ ሩስያ ንማንም ከምዘይትዕገስን ከምዚ እንተቐፂሉ ስጉምቲ ንምውሳድ ከምእትግደድን ተዛሪቦም።

ብተወሳኺ ፕረዚዳንት ፑቲን ሩስያ ኣብ ዩክሬይን ናይ ሓፂርን ማእኸላይን ርሕቐት ሚሳኤላት ንምቕማጥ ዝግበሩ ምንቅስቓሳት ኣሜሪካ ብዝለዓለ ትኹረት ትከታተል ከምዘላ ብምግላፅ ኣሜሪካ ናይ ሓፂርን ማእኸላይ ርሕቐት ሚሳኢላታ ናብ ዩክረይን ምእታው እንድሕር ዘይኣቋሪፃ ሩስያ ብናይ ባዕላ ፍቓድ ኣብ ተመሳሳሊ ሚሳኤላታ ዘቕመጠቶ ገደብ ብምልዓል ክተዋፍር ከምእትኽእል ኣጠንቂቖም።

ፕሬዘዳንት ፑቲን ብኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን እናተዛዘመ ኣብዝርከብ ዓመት 2024 ጥራሕ 189 ግዝኣታት ዩክረይን ሰራዊቶም ከምዝተቖፃፀረ ኣፍሊጦም።

እቲ ኲናት ካብ ዝጅምር ክሳብ ሐዚ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ብጣዕሚ ዝተጋደደሉ ኩነታት ኮይኑ ሓሊፍ እዩ። እዚ ድማ ተሰናባቲ ፕረዚዳንት ጆ ባይደን የክረይን ናይ ኣሜሪካ ነዊሕ ርሕቐት ተወንጨፍቲ ሚሳኤላት ተጠቒማ ኣብ ውሽጢ ሩስያ ዝርከቡ ዒላማታታ ክተወቅዕ ምፍቃዶም ስዒቡ ከምዝኾነ እናተገለፀ ይርከብ።

ሩስያ ምስ ዩክሬይን እተካይዶ ዘላ ኲናት ካብ ዝጅመር ንነዘ ኣብዚ ሐዚ እዋን ፈጣን ዝተብሃለ ግስጋሰ እናካየደትን ናይ ዩክረይን ወሰንቲ ግዝኣታት እናተቖፃፀረት ከምእትርከብ ዝተፈላያ መራኸብቲ ሓፋሽን ተንተንቲ ወታሃድራዊ ጉዳያትን እናገለፁ ይርከቡ።

ሰራዊት ሩስያ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ጥራሕ 235 ካሬ. ኪ.ሜ ግዝኣት ዩክረይን ከምዝተቖፃፀረ ዝተገለፀ እንትኾን እዚ ድማ ኣብዚ ዓመት እቲ ዝለዓለ ሰርሒት ኮይኑ ይርከብ።

ሩስያ ብጠቕላላ ኣብ ወርሒ ሕዳር ጥራሕ 600 ኪ.ሜ ግዝኣት ዩክረይን ምቁፅፃራ ዲፕ ስቴት ዝተብሃለ መርበብ ሓበሬታ ንናይ ዩክረይን ሰራዊት ቅርበት ዘለዎ ትካል ጠቒሱ ዘውፅኦ ሓበሬታ የመላኽት።

Leave a Reply

Discover more from Tigrai Academy

Subscribe now to keep reading and get access to the full archive.

Continue reading