ሩስያ ብ ኣብ ልዕሊ ላዕለዋይ ጀነራላ ዘተፈፀመ ቅትለት ዝጠርጠረቶ ኤዝባኪስታናዊ መንእሰይ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅራ ኣውዒላቶ።
ሃገራዊ ድሕንንነት ሩስያ ኤፍ ኤስ ቢ (FSB) ምስ ቅትለት ጀነራል ኢጎር ኪሪሎቭ ብዝተትሓሓዘ ወዲ 29 ዓመት ኤዝባኪስታናዊ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዘውዓለት ተገሊፁ።
ናይ ሩስያ መራሒ ሓይሊ ምክልኻል ኒዩክለር ፣ባዮሎጂን ኬሚካልን ዝነበረ ሌተናል ጀነራል ኢጎር ክሪሎቭ ትማሊ ካብ መንበሪ ገዝኦም እንተወፁ ብዝተፈንጀረ ቦምብ ሂወቶም ከምዝሓለፈ ዝዝከር እንትኾን ነዚ ፍፃመ ድማ ትካል ድሕንነት ዩክረይን ኤስቢዩ (SBU) ጀነራል ኢግር ክሪሎቭ ዝተቐተሉሉ ፍሉይ ወፍሪ ከምዝመርሐ ኣፍሊጡ እዩ።
ሃገራዊ ድሕንነት ሩስያ ኤፍኤስቢ (FSB) ኣብዘውፅኦ መግለፂ ነቲ ቅትለት ዝፈፀሞ መንእሰይ ብናይ ዩክረይን ኣባላት ድሕንነት ዝተመልመለ ከምዝኾነ ገሊፁ። እቲ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ዝወዓለ ኤዝባኪስታናዊ መንእሰይ ምርመራ እንትግበረሉ ንጀነራል ክሪሎቭ እንድሕር ቀቲሉ 100ሽሕ ደላር ሽልማት ከምዝወሃቦን ናብ ኣውሮፓ ሃገራት ክሰጋገር ከምዝመቻቸወሉ ቃል ተኣቲሉ ከምዝነበረ ተዛሪቡ።
ብመሠረት ትእዛዝ ኣባላት ድሕንነት ዩክረይን ምስኮ ምስኣተወ ዝተዳለወሉ ፈንጂ ተቐቢሉ ኣብ ብኤሌክትሪክ እትሰርሕ ሞተር ኣፅሚዱ ኣብ ጀነራል ኢጎር ክሪሎቭ ዝነብረሉ ኣፓርታማ ብምቕማጥ ኣብታ ሞተር ካሜራ ገጢሙ ኣብ ውሽጢ መኪና ኮይኑ እቲ ምስሊ ብቀጥታ ናብ ናይ ኢድ ስልኩ ከምዝበፅሖ ገይሩ እናተኸታተለ ድሕሪ ምፅናሕ ጀነራል ኢጎር ክሪሎቭ
ካብ ገዝኦም ምስወፅአ አፈንዲኡ ክሃድም እንትሙክር ኣብ ትሕቲ ቁፅፅሩ ከምዘውዐሎ ሃገራዊ ድሕንነት ሩስያ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ሓቢሩ።
ኣብ ሩስያ ዝለዓለ ዝና ካብ ዘለዎም ጀነራል ሓደ ዝኾኑ ጀነራል ኢጎር ክሪሎቭ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ኲናት ካብ እተኸፍት ዝተቐተሉ ናይ መጀመርያ ላዕለዋይ ጀነራል ኮይኖም ኣለው።
ኣገልግሎት ድሕንነት ዩክረይን ኣብ ዘመን ሰልጣን ጀነራል ኢጎር ክሪሎቭ ልዕሊ 4800 ኬሚካላዊ ኣፅዋራት ኲናት ኣብቲ ኲናት ተጠቒማ እያ ክብል ይኸስስ። ብኣንፃሩ ግን ሩስያ ዝነበሩዋ ኬሚካላዊ ኣፅዋራት ኣብ 2007 መሉእ ብሙሉእ ከም ዘጥፈአቶ ብምግላፅ ነቲ ክሲ ነፂጋቶ እያ።
ብተወሳኺ ሚኒስትር ወፃኢ ጉዳይ ሩስያ ሎሚ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ውድብ ሕቡራት መንግስትታት ኣብ ዕለተ ዓርቢ ኣብ ዘካይዶ ኣኼባ ሩስያ ጉዳይ ቅትለት ጀነራል ኢጎር ክሪሎቭ ከምእተልዕሎ ሓቢሩ።



Leave a Reply