Tag: Tigray
-
ባንክታት ኢትዮጵያ ልዕሊ 1.3 ቢልዮን ብር ከምዝተንጭበርበሩ ተገሊፁ።

ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ዓመታዊ ናይ ገንዘብ ድሕንነት ኣመልኪቱ ኣብ ዘውፅኦ ሪፖርት ከምዝሓበሮ ክስብ ሰነ 2024 ኣብዘሎ ግዜ ጥራሕ ካብ 28 ባንክታት 1.3 ቢልዮን ብር ብኣጭበርበርቲ ከምዝተሰረቑ ሓቢሩ። እዚ ዝተንጭበርበሩሉ ምኽንያት ድማ ብዘይሕጋዊ ባጤራ ፣ ብዝተሰረቑ ናይ ኤቲኤም ማሽናት ፣ ብናይ ሓሶት ቼክ ፣ብናይ ሓሶት ናይ ስልኪ መልአኽትን ብኻልኦት ምኽንያታትን ዝተፈፀሙ ሙዃኖም ጠቒሱ፥ብተወሳኺ ኣብዚ ዓመት ባንክታት…
-
ኣባል ሃገራት ብሪክስ ዶላር ንምትካእ እንድሕር ፈቲነም 100% ታሪፍ ከምዝገብረሎም ዶናልድ ትራምፕ ኣጠንቂቑ።

ኣባል ሃገራት ብሪክስ ዶላር ንምትካእ እንድሕር ፈቲኖም 100% ታሪፍ ከምዝግበረሎም ዶናልድ ትራምፕ ኣጠንቂቑ። ንኢትዮጽያ ሓዊሱ ትሽዓንተ ሃገራት ዝሓዘ ጥምረት ሃገራት ብሪክስ ምስ ናይ ኣሜሪካ ዶላር ተናሓናሒ መተዓዳደጊ ገንዘብ ምጥቃም እንድሕር ጀሚሮም 100 ፐርሰንት ታሪፍ ከምዘንብረሎም ፕረዚዳንት ትራምፕ ኣጠንቂቑ። ዶናልድ ትራምፕ “ንሕና ጠጠው ኢልና እናረኣና ኣባል ሃገራት ብሪክስ ዶላር ምጥቃም ጠጠው ከብሉ እዮም ማለት ዘበት እዩ”…
-
ኣብ ዝሓለፍ ሰለስተ ዓመታት 4.6 ሚኢታዊ ዝኾውን ክፋል ዓለምና ኣብ ጎንፂ ከምዝርከብ ተገሊፁ ።

ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ናይ ጎንፂ ቀጠናታት ብሲሶ ከም ዝዓበዩ ቬርሲክ ማብልክሮፍት ዝተባሃለ ትካል ዘውፅኦ መፅናዕቲ ኣመልኪቱ። ኣብ ዩክሬይን ፣ማይናማር ፣ማእኸላይ ምብራቕ ፣ኣብ ኣፍሪካ ኣብ ሳሕል ከባብታት ዘሎ ናይ ጎንፂ ኮሪደር ከምኡ እውን ኣብ ቀጠና ቀርኒ ኣፍሪካ ካብ 2021 ኣ.ፈ ጀሚሩ ኲናትን ዘይምርግጋዕን እናተስፋሕፈሐ ይርከብ። ቬርሲክ ማብልክሮፍት ዝተብሃለ ናይ ጎንፂ ስፍሓት ዝምልከቱ መፅናዕትታት ዘውፅእ ትካል…
-
ዩክረይን ብናይ ኣሜሪካ ሚሳኢላት ናብ ወሽጢ ሩስያ ዒላማ ክትወቅዕ ባይደን ምፍቃዶም ከቢድ ቁጥዕ ቀስቂሱ ።

ዩክረይን ብናይ ኣሜሪካ ሚሳኢላት ናብ ወሽጢ ሩስያ ዒላማ ክትወቅዕ ባይደን ምፍቃዶም ከቢድ ቁጥዕ ቀስቂሱ ። ዋንነቱ ናይ መንግስቲ ሩስያ ዝኾነ ሮስያስክያ ጋዜጣ ፕረዚዳንት ጆ ባይደን ብጣዕሚ ዘቆጥዕን ዘተሓሰበን ውሳነ ወሲኒም ኣለዉ እዚ ደማ ዓብዪ ጉድኣት ክስዕብ እዩ ክብል ጸብጺቡ። ሩስያዊ ተወካልን ናብ ክርምሊን ቀረባ ዝኾኑን ናይ ሊብራል ዲሞክራሲ ፓርቲ ሓላፊ ዝኾኑ ሊዮኒድ ስላትስኪ እዚ ውሳነ…
-
ሕፅረት ሰራሕተኛታት ዘጋጠማ ጀርመን ተወሳኺ 200ሽሕ ናይ ስራሕ ቪዛታት ኣፅዲቓ።

ሕፅረት ሰራሕተኛታት ዘጋጠማ ጀርመን ተወሳኺ 200ሽሕ ናይ ስራሕ ቪዛታት ኣፅዲቓ። ሕፅረት ሰራሕተኛታት ዘጋጠማ ጀርመን ብዝተፈላለየ ሞያ ንዝሰልጠኑ ሰራሕተኛታት ልዕሊ 200ሽሕ ናይ ሰራሕ ቫዛ ከምእትህብ ኣፍሊጣ። ናይ ሰራሕተኛ ሕፅረት ንምምላእ ናይ ቪዛ ኣወሃህባ ስርዓታ ኣላሕሊሓቶ ኣላ እዚ ድማ ምስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት እንትነፃፀር ብዓሰርተ ሚኢታዊ ወሰኽ ኣርኢዩ ኣሎ። ጀርመን ኣብዝሓለፈ ዓመት ካብ ካናዳ ዝተቀበለቶ “ኦፖርቹኒት ካርድ”…
-
ኢትዮጵያ ንድጂታል ምጭብርባር ካብ ዝተጋለፁ ሃገራነት ሓንቲ ሙዃና Sumsub ዝተብሃለ ትካል ሓበሬታ ኣመልኪቱ።

Sumsub ዝተብሃለ ትካል ናይ 103 ሃገራት ንድጂታል ምጭብርባር ዝተጋለፃ ሃገራት ዘርኢ ዓለም ለኸ መፅናዕቲ ዕላዊ ገይሩ ። እዚ መፅናዕቲ ሰግኣት ድጅታል ምጭብርባር ዘርኢ ኣብ 103 ሃገራት ዝተኻየደ ናይ መጀመርያ ዓሚቕ መፅናዕቲ ከምዝኾነ ተገሊፁ ። ኢትዮጵያ ንድጅታል ምጭብርባር ዝተጋለፃ ካብ ዝተብሃላ ሃገራት ሓንቲ እንትትኸውን ኣብ ዝርዝር እተን መፅናዕቲ ዝተገበረለን 103 ሃገራት መበል 99 ደረጃ ትርከብ ።…
-
ድሕረ ባይታ ፕረዚዳንት ዶናልድ ትራምፕ እንታይ ይመስል ?

ዶናልድ ጆን ትራምፕ ኒውዮርክ ኣብ ዝትርከብ ኩዊንስ ኣብ ዝትበሃል መንደር ብኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ሰነ 14/1946 እዮም ተወሊዶም ። ካብ 3 ደቂ ተባዕትዮን 4 ደቂ ኣነስትዮን ስድረኦም መበል ራብዓይ ውላድ እዮም ። ወላዲ ኣቡኦም ፍሬድ ኣብ ኒውዮርክ ወናኒ ዕውት ናይ( construction ) ህንፀት ትካል ነይሮም ። ትራምፕ ኣብ 1968 ኣቆፃፅራ አውሮፓውያን ናብ ናይ ኣቡኦም ስራሕ ምስተፀንበሩ ቡዝሕ…
-
ዶናልድ ትራምፕ መበል 47 ፕረዚዳንት ኣሜሪካ ኮይኖም ተመሪፆም ።

ትራምፕ ብዕሊ ኣብ መፃኢ ወርሒ ጥሪ ካብ ተሰናባቲ ፕረዚዳንት ዝኾኑ ጆ ባይደን ስልጣኖም ክርከቡ እዮም ። ናይ ዓለምና ልዕለ ሓያል ሃገር ዝኾነት ሃገረ ኣሜሪካ ኣብ ዘካየደቶ ፕረዚደንተዊ መረፃ 2024 ሪፐብሊካዊ ትራምፕ ተዓዋቲ ኮይኑ ኣሎ ።እቲ መረፃ ንምሽናፍ ሕፁያት እነተንኣሰ ልዕሊ 270 መረፅቲ ወኪላት ድምፂ ምርካብ ግድን እንትኸውን ዶናልድ ትራምፕ ነዚ ኣሳኺዖም ኣለው። ዶናልድ ትራምፕ 19…

