ዶናልድ ጆን ትራምፕ ኒውዮርክ ኣብ ዝትርከብ ኩዊንስ ኣብ ዝትበሃል መንደር ብኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ሰነ 14/1946 እዮም ተወሊዶም ። ካብ 3 ደቂ ተባዕትዮን 4 ደቂ ኣነስትዮን ስድረኦም መበል ራብዓይ ውላድ እዮም ። ወላዲ ኣቡኦም ፍሬድ ኣብ ኒውዮርክ ወናኒ ዕውት ናይ( construction ) ህንፀት ትካል ነይሮም ። ትራምፕ ኣብ 1968 ኣቆፃፅራ አውሮፓውያን ናብ ናይ ኣቡኦም ስራሕ ምስተፀንበሩ ቡዝሕ ከይፀንሑ ዓርሱ ዝኻኣለ ናይ ህንፀት ድርጅት ኣብ ማእኸል ከተማ ማንሃተን መስሪቶም ምስራሕ ጀመሩ ።
ትራምፕ ናይ ካዚኖ መፃወቲታት፣ ኮንደምንየማትን ሆቴላትን ብበዓል ዋናነት ብምሓዝ ሃፍቶም ናብ ዝተፈላለያ ግዝኣታት ኣሜሪካ ካብ ምስፍሕፋሕ ብተወሳኺ ስራሕቶም ናብ ህንዲ፣ ቱርክን ፊሊፒንስን ዝኣመሰላ ሃገራት ቢዝነሶም ኣስፋሕፊሖም እዮም ። ብዘለዎም ቱክረት ናይ ምስሓብ ክእለት ተጠቒሞም ትራምፕ ኣብ ኒውዮርክ ካብ ዘለዎም ዝዓዘዘ ናይ ንግዲ ተሳትፎ ብተወሳኺ ኣብ ናይ ተሃድሶ ዓለም ‘ ዘ አፕረንቲስ ‘ዝተብሃለ ናይ ቴሌቪዥን መርኢት ብምቕራብ ውን ዝተንቀሳቀሱ እንትኾኑ እዚ ድማ ዝያዳ ተፈላጢ ንምኻን ዘኽኣሎም ነይሩ።
ትራምፕ ኣብ ናይ ሓዳር ሂወቶም ሰለስተ ግዜ ዝተመርዐው እንትኾኑ ሐዚ ኣቦ ሓሙሽተ ቆልዑ እዮም። ናይ መጀመርያ ናይ መርዓ ቀለበቶም ዝኣሰሩ ምስ ኢቫና ዜሌኒኮቫ ኣብ 1977 ኣቆፃፅራ አውሮፓውያን እዩ ነይሩ።
ትራምፕ ናይ ፖለቲካ ሂወቶም ሀ ኢሎም ዝጀመሩሉ ኣብ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፖውያን 2015 ምስ ቤተሰቦም ኮይኖም ትራምፕ ታወር ኣብ ዝተብሃለ ህንፃ ንፕሬዚዳንትነት ከም ዝወዳደሩ ኣብዝኣወጁሉ ግዜ ነይሩ ። ኣሜሪካ ደጊምካ ዓባይ ምግባር (make America great again) ዝብል ጭርሖ ብምሓዝ ናይ ፖለቲካ ሂወቶም ጀሚሮም ። ኣብ ቅድሚ ሸሞንተ ዓመት ዝተኻየደ ፕሬዘዳንታዊ መረፃ ኣሜሪካ ድማ ምስ ናይቲ እዋን ሕፅይቲ ተወዳዳሪት ዲሞክራተስ ዝነበራ ሂላሪ ክሊንተን ተወዳዲሮም ብምስዓር መበል 45 ፕረዚዳንት ኣሜሪካ ንሙዃን በቕዑ ።
ትራምፕ ኣብ እዋን መሪሕነቶም ብዙሓት ኣዘራረብቲ ዝብሃሉ መርገፂታት ብምውሳድ ዝፍለጡ እንትኾኑ ኣብ እዋን ስልጣኖም ዋናዋና ካብ ዝበሃሉ ስምምዕነት ምክልኻል ለውጢ ኩነታት ኣየር ካብምውፃእ ብተወሳኺ ምስ ቻይና እውን ናይ ንግዲ ኲናት ኣሕሊፎም እዮም ። ኣብ መዛዘሚ እዋን ስልጣኖም ዘጋጠመ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ስዒቡ ብዝተኸተልዎ ኣተሓሕዛ ከበድቲ ነቐፈይታ ዘሕለፍሉ እዋን ዝነበረ እንትኾን ንባዕሎም እውን በቲ ቫይረስ ተታሒዞም ካብ ጎስጓስ ወፍሪ መረፃ ከቋርፁ ዝተገደድሉ እዋን ነይሩ ። ነዚ ስዒቡ ኣብ ፕረዚዳንታዊ መረፃ 2020 ብ ጆ ባይደን ኣብ ዝተስዓርሉ እዋን መረፃ ተጭበርቢሩ እዩ ብምባል ውፅኢት እቲ መረፃ ኣይቅበልን ብምባል ንደገፍቶም ኣብ ዋሺንግተን ዝርከብ ናይታ ሃገር ቤት ምኽሪ ክወሩ ፃውዒት ብምግባር ከቢድ ናዕቢ ክለዓል ምኽንያት ኮይኖም ዝነበሩ እዮም።
ውፅኢት መረፃ 2020 ኣይቅበልን ብምባል ዝፀውዕዎ ዓመጽ ሓዊሱ ብብዙሓት ክስታት ዝተኸሰሱ ዶናልድ ትራምፕ ፖለቲካዊ ህይወቶም ዘብቀዐ ዝመስል ዋላ እኳ እንተነበረ ኻልኣይ ግዜ ንፕሬዚዳንትነት ከምዝወዳደሩ ኣፍሊጦም ወድያው ሕፁይ ፕረዚደንት ሪፐብሊካውያን ኮይኖም ኣብዚ ናይዚ እዋን መረፃ ምስታፍ ክኢሎም እዮም ። ትራምፕ ኣብዚ መረፃ እዚ ዝተሳተፉ 91 ክስታት ቀሪብሎም እናተኸራኸሩ ኣብ ዘለውሉ እዋን እዩ ። ብዝቀረቡሎም ክስታት ዘይተዓናቐፉ ትራምፕ ዳግማይ ፕረዚዳንት ንምዃን ጎስጓስ ኣብ ዘካይድሉ እዋን ኣብ ዝሓለፈ ሓምለ ኣብ ግዝኣት ፔንሲልቫንያ በትለር ከተማ ብወድ 20 ዓመት ካብ ዝተተኮሶም ጥይት ብንእሽተይ ብምምላጥ ድሕሪ ውሕዳት መዓልትታት ኣብ ዝተኻየደ ናይ ሪፐብሊካን ፓርቲ ብሄራዊ ጉባኤ ናይቲ ፓርቲ ሕፁይ ፕረዚዳንት ንምዃን ዝበቕዑ ትራምፕ ትማሊ ሰሉስ ኣብ ዝተኻየደ መረፃ ድማ ሰፊሕ ብዝበሃል ኣፈላላይ መበል 47 ፕረዚዳንት ኣሜሪካ ኮይኖም ብምዕዋት ዳግማይ መንበረ ሰልጣን ሓያል ሃገር ኣሜሪካ ንምርካብ ክኢሎም ኣለው ።
ፍልፍል ፦ ፀብፃብ ቢቢሲ



Leave a Reply