ኣባል ሃገራት ብሪክስ ዶላር ንምትካእ እንድሕር ፈቲኖም 100% ታሪፍ ከምዝግበረሎም ዶናልድ ትራምፕ ኣጠንቂቑ።
ንኢትዮጽያ ሓዊሱ ትሽዓንተ ሃገራት ዝሓዘ ጥምረት ሃገራት ብሪክስ ምስ ናይ ኣሜሪካ ዶላር ተናሓናሒ መተዓዳደጊ ገንዘብ ምጥቃም እንድሕር ጀሚሮም 100 ፐርሰንት ታሪፍ ከምዘንብረሎም ፕረዚዳንት ትራምፕ ኣጠንቂቑ። ዶናልድ ትራምፕ “ንሕና ጠጠው ኢልና እናረኣና ኣባል ሃገራት ብሪክስ ዶላር ምጥቃም ጠጠው ከብሉ እዮም ማለት ዘበት እዩ” ከብሉ ገሊፆም።
ብሪክስ ናይ ዓለምና ሓያላት ሃገራት ቻይናን ሩስያን ሓዊሱ ከምኡ እውን ኣብ ምዕባይ ዝርከባ ሃገራት ብራዚል፣ኢትዮጵያ ፣ህንድ ፣ዓረብ ኢሚሬትስ ፣ደቡብ አፍሪካ ፣ኢራንን ግብፅን ይርከብኦ።
እዚ ጥምረት ናይ ምዕራብ ልዕልና ዝነሓናሕ ተባሂሉ ዝሕሰብ ፍትሓዊ ዓለም ለኸ ናይ ሓይሊ ኣሰላልፋ ከህሉ ብምባል ዝተመስረተ ከም ዝኾነ ይግለፅ። ትራምብ ኣብ እዋን ወፍሪ መረፀኦም ብዋናነት ካብዝተዛረብዎ ሓደ ብዙሓት ታሪፋት ከምዝውስኹ ቃል እናኣተው ምንባሮም ዝዝከር እንትኾን ኣብዞም ቀረባ መዓልታት ድማ ኣብ ልዕሊ ዝተፈላለያ ሃገራት ታሪፍ ከምዝገብሩ ኣጠንቂቖም እዮም።
ኣብ ብራዚልን ሩስያን ዘለው ፍሉጣት ፖለቲከኛታት ዶላር ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ዓለም ለኸ ንግዲ ዝፈጠሮ ፅልዋ ንምቕናስ ናይ ሓባር መተዓዳደጊ ገንዘብ ሃገራት ብሪክስ ንክፍጠር ሓሳብ ምቕራቦም ዝዝከር እንትኸውን ኮይኑ ግን ኣብ ኣባላት እቲ ጥምረት ዘሎ ውሽጣዊ ዘይምስምዕማዕ ውፅኢት ከይህልዎ ገይሩ እዩ።
ዶናልድ ትራምፕ ድማ ነዘን ሃገራት ዶላር ነምትካእ ወይ ድማ ሓዱሽ ናይ ብሪክስ መተዓዳደጊ ከይፈጥሩ ከረጋግፁልና ይግባእ እንተዘይኮይኑ 100 ፐርሰንት ታሪፍ ከምዝፅበዮምን ኣብ ኣገራሚ ሃፍቲ ኣሜሪካ ፍርያቶም ካብ ምሻጥ ከምዝሰናበቱ ክፈልጡ ኣለዎም ክብሉ ኣብ ትራምፕ ትሩዝ ኣብ ዝተብሃለ ማሕበራዊ ሚድዮኦም ዘጠንቀቑ።
ታሪፍ ክንገብር ኢና ዝብል ናይ ትራምፕ መፈራርሒ ዝምልከት ዝተሓተቱ ሴናተር ሪፐብሊካን ቴድ ክሩዝ መደራደሪ ናይ ምሓዝ ኣድላይነት ብምግላፅ ኣብ ልዕሊ ሜክሲኮን ካናዳን ታሪፍ ከምእንገብር ምግላፅና ክንደይ ዝኣክል ህፁፅ ስጉምቲ ክወስዱ ከምዝገበሮም ምርኣይ ይካኣል ክብሉ ምግላፆሞ ቢቢሲ ንማዕኸን ዜና ሲቢኤስ ጠቒሱ ፀብፂቡ።
ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ካናዳ ታሪፍ ከምዝገብሩ ምግላፆም ስዒቡ ፕሬዘዳንት እታ ሃገር ጀስቲን ትሩዶ ዘይተሓሰበ ዑደት ናብ ኣሜሪካ ገይሮም እዮም።



Leave a Reply